ብዕልዋ ተኣልዩ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ማሊ ኢብራሂም ኣቡበከር ከይታ ሞይቱ

ፕረዚደንት ማሊ ኢብራሂም ኣቡበከር ከይታ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብዕልዋ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ማሊ ኢብራሂም ኣቡባከር ከይታ ኣብ 76 ዓመቱ ሞይቱ

እቲ ፕረዚደንት ማሊ ነበር ቅድሚ ክልተ ዓመት ብሕማም ወቕዒ ተጠቒዑ ነይሩ፡ ብሰንበት ዝሞተሉ ምኽንያት ግን ኣይተፈልጠን።

ሓደ ኣባል ስድርኡ ንኤኤፍፒ ከምዝገለጾ፡ ኣብ ርእሰከተማ ባማኮ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዝኡ እዩ ሞይቱ።

ሚስተር ከይታ ንሃገረ ማሊ ንሸውዓተ ዓመታት’ዩ መሪሕዋ።

ኣብ 2020 ግና፡ ንጉዳይ ጂሃዲስትስ ዝሓዘሉ መገዲ ዝነቕፉ ሰልፍታት ተቓውሞ ምስ ተኻየዱ ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

ከምኡ’ውን ቁጠባዊ ቅልውላዋትን ኣካታዓይ ውጽኢት መረጻን ካልእ ምኽንያት እቲ ተቓውሞታት ነይሩ።

ከይታ፡ ኣብ ፖሊቲካ ምንቅስቓስ ካብ ዝጅምር ሰላሳ ዓመታት ዝመልኦ ኾይኑ፡ ብፍላይ ካብ 1994 ክሳዕ 2000 ሶሻሊስታዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ኣገልጊሉ።

ለጋስ፣ቁጡዕንከፋፋልን

ኣብ ደቡባዊ ክፋል እታ ሃገር ኣብ እትርከብ ካቱዋላ እትበሃለት ከተማ ዝተወልደ ከይታ፡ ኣቡኡ ሰራሕተኛ መንግስቲ ነይሩ።

ካብኡ ድማ ስነ ጽሑፍ፣ ታሪኽን፣ ዓለምለኻዊ ርክባትን ከጽንዕ ናብ ፓሪስ ኣምሪሑ።

ብ1980 ናብ ዓዱ ቅድሚ ምምላሱ፡ ኣብኡ ኣብ ፈረንሳይ ንዓሰርተ ዓመታት ዝኣክል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ፓሪስ ብመምህርነት እናገልገለ ተቐሚጡ።

መጀመርታ ብሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ዝምወልን ‘ልምዓት ሕብረት ኣውሮጳ’ ብዝብል ዝፍለጥን ትካል ከም ኣማኻሪ ኮይኑ ሰሪሑ።

ብደገፍቱ ከም ለጋስ፣ ቁጥዕን ከፋፋልን ተገይሩ እዩ ዝረአ።

ጋዜጠኛ ቢቢሲ ላላ ሳይ ከምእትብሎ፡ ኣብ 2012 ሕቶ ምንጻልን እስላማዊ ምንቅስቓሳትን ምስተጀመረ ማሊ ኣብ ከቢድ ፖለቲካዊ ቅልውላው ኣትያ ነይራ።

እንተኾነ፡ ፕረዚደንት ከይታ ኣብ 2013 'ሰላምን ምርግጋዕን ከምጽእ እየ' ብዝብል ጎስጓስ ብጸቢብ ኣፈላላይ መረጻ ከምዝተዓወተ ይግለጽ።

ንሱ ዝመርሖ መንግስቲ ግን ነታ ሃገር ካብቲ ዝኣተወቶ ዓዘቕቲ ከውጽኣ ኣይከኣለን። ብምዃኑ’ውን ኣብ 2020 ብዕልዋ መንግስቲ ካብ ስልጣኑ ተኣልዩ።

ድሕሪ ሒደት ሰሙናት፡ ብወቕዒ ልቢ ዝተጠቕዐ ኾይኑ ንሕክምና ናብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ተላኢኹ።

‘ጁን ኣፍሪቅ’ ዝተብሃለ ብቋንቋ ፈረንሳይኛ ዝጸሓፍ መራኸቢ ብዙሐን ከምዝበሎ፡ ካብኡ ንሓር ደሃይ ኣጥፊኡ ኣብታ ዝተወለደላ ከተማ ባማኮ ምስ በዓልቲ ገዝኡ ኣሚናታ ይነብር ነይሩ።

ወተሃደራት ማሊ ንካልኣይ ግዜ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዶም ነይሮም። እቲ መረጻ ድማ ንሰለስተ ዓመታት ክናዋሕ ምኽንያት ኮይኑ።

ማሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ሕብረት ኣውሮጳን ካብ ዞባዊ ቁጠባዊ ምትሕብባር ኢኮዋስne ማዕቀብ ተነቢርዋ ይርከብ።