ዕልዋ መንግስቲ ቡርኪናፋሶ፡ ሰራዊት እታ ሃገር ንምንታይ'ዩ ንፕረዚደንት ካቦረ ኣልዩዎ?

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ገና ኣይረገአን ኣሎ፡ ትጽቢት ዘይተገበረሉ ግን ኣይነበረን።
ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ብተደጋጋሚ'ዩ ዕልዋ መንግስቲ ክካየድ ጸኒሑ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ቡርኪናፋሶ ሮች ካቦረ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ኸኣ ኣብ ውሽጢ 17 ኣዋርሕ ራብዓይ ኮይኑ ተመዝጊቡ ኣሎ።
መዳውብቲ ቡርኪናፋሶ ዝኾነት ሃገረ ማሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ 17 ኣዋርሕ ክልተ ግዜ'ዩ ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዱላ፡ ቀንዲ ምኽንያት ናይቲ ዕልዋ መንግስቲ ኸኣ፡ መንግስቲ ኣብቲ ዞባ ኣንጻር እስላማውያን ዕጡቓት ኣብ ዝግበር ቃልሲ ሶንኮፍ ኣተሓሕዛ እዩ ነይርዎ ዝብል እዩ።
እስላማውያን ዕጡቓት ኣብቲ ከባቢ ክሳብ ክንደይ ኣስጋእቲ'ዮም?
ልክዕ ከም ናይ ማሊ ፕረዚደንት ካቦረ'ውን ጠንቂ ዕልውኡ ምስቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ምንቅስቓስ ናይ ኣልቓዒዳን ዳዕሽን(ኣይኤስን) ምትሕሓዝ ከምዘለዎ'ዩ ተገሊጹ ዘሎ።
ብሰንበት ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ኡጋዱጉ ኣብ ዝርከቡ ሓያ ወተሃደራዊ መዓስከራትን ኣብ ከተማታት ካያን ኣውሂጋውያን ወተሃደራዊ ኣብያ ከምዝተሰምዐ ጸብጻባት ክወጽኡ ጀሚሮም።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቲ ኣድማ መቐጸልታ ናይቲ ኣዋርሕ ዘቁጸረ ፕረዚደንት ካቦረ ካብ ሰልጣኑ ክወርድ ዝጠልብ ኣንጻር መንግስቲ ዝካየድ ዝነበረ ህዝባዊ ናዕቢ ምዃኑ'ዩ ተሓቢሩ።
እቲ ኣብታ ሃገር ካብ 2015 ኣትሒዙ ዝተጀመረ መጥቃዕትታት እስላማውያን ዕጡቓት ጠንቂ ሞት ልዕሊ 2000 ሰባትን ምኽንያት ምፍንቓል 1.5 ሚልዮን ሰባትን ከምዝኾነ ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ይጠቅስ።
ኣብ ዝበዝሐ ክፋል እታ ሃገር ብሰንኪ ስግኣት ጸጥታ ኣብያተ ትምህርቲ ምሉእ ንምሉእ ተዓጽየን እየን።
ኣብ ሰነ 2021 ኣብ ሰሜናዊት ቁሸት ሳልሃን ካብ ማሊ ዝሰገሩ ዕጡቓት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰለማውያን ሰባት ምስ ሞቱ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ ምምሕዳር ፕረዚደንት ካቦረ ዝነበሮ እምነት ባይታ ዘቢጡ።
ድሕሪ መጥቃዕቲ ሳልሃን ኣብ ርእሰ ከተማ ኡጋዱጉ ህዝባዊ ተቓውሞ ስለዝበኣሰ፡ ፕረዚደንት ካቦረ ንሚኒስተራቱ ብምቅይያር ንገዛእ ርእሱ ሚኒስተር ምክልኻል ብምግባር መዝነት ደሪቡ።
ኣብ ወርሒ ሕዳር 2021 ኣብ ኢናታ ትብሃል ከተማ ኣብ ዝርከብ ወተሃደራዊ መዓስከር ተመሳሳሊ መጥቃዕቲ ምስ ተፈጸመ እቲ ህዝበዊ ተቓውሞ እናሓየለ መጺኡ።
በቲ መጥቃዕቲ 50 ወተሃደራት መንግስቲ ክቕተሉ እንከለዉ፡ ሓለፍቲ እታ መዓስከር ቅድሚ ክልተ ሰሙን ናይቲ መጥቃዕቲ፡ ኣብቲ መዓስከር ዝኾነ መሻርፍ [መግቢ] ከምዘየለ ንመንግስቲ'ኳ ሓቲቶም እንተነበሩ ክሳብ እዋን መጥቃዕቲ ዝኾነ መልሲ ከምዘይተውሃቦም'ዮም ገሊጾም።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ፕረዚደንት ካቦረ ድሕሪ መጥቃዕቲ ናይ ኢናታ ንኹሎም ሓለፍቲ መንግስቲ ብምድስካል ሓዲሽ ቀዳማይ ሚኒስተርን ሚኒስተር ምክልኻልን ሮቊሑ፡ ምስ ተቓወምቲ እታ ሃገር ናብ ሰላም ዘምርሕ ሃገራዊ ዕርቂ ክካየድ'ውን ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኣብ ቡርኪናፋሶ እቲ ወተሃደራዊ ጎንጺ ብኸመይ እዩ ናብ ኩሉ ኣስፋሕፊሑ?
ሃገረ ቡርኪናፋሶ ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ፖሎቲካዊ ዘይርጉኡነት ኣብ ዝነበረሉ ክሳብ እቲ ንነዊሕ ዓመታት ነታ ሃገር ዝመርሓ ፕረዚደንት ብላይዝ ኮምፓረ ኣብ 2014 ካብ ስልጣን ዝእለ ብተዛማዲ ህድእ ዝበለት እያ ነይራ።
ኣብ 2015 ኣብታ ሃገር ዝተኻደ ዕልዋ መንግስቲ ንወተሃደራት እታ ሃገር ኣብ ክልተ ገሚዕዎም።
ፕረዚደንት ካቦረ'ውን ኣብቲ ዓመት'ዩ ነታ ሃገር ናብ ምሉእ ሓድነት ከምዘምጽኣ ብምምብጻዕ ፕረዚደንት ኮይኑ ተመሪጹ።
እንተኾነ ካቦረ ኣብ ስልጣን ነዊሕ ከይገበረ፡ እቶም ካብ 2012 ጀሚሮም ኣብ ማሊ መጥቃዕትታት ከካይዱ ጀሚሮም ዝነበሩ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ካብ ማሊ ሰጊሮም ኣብ ርእሰ ከተማ ቡርኪናፋሶ መጥቃዕቲ ከካይዱ ጀሚሮም።
እቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝነበረ ልሕሉሕ ሰንሰለት ናይ ጸጥታ ነቶም ጅሃዳውያን ዕጡቓት ዝያዳ መጥቃዕትታት ንኽፍንዉ ጥጡሕ ባይታ ከምዝኾነሎም ኸኣ ብዙሓት ይሰማምዑ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እቶም ጅሃዳውያን ዕጡቓት ነቲ ኣብታ ሃገር ኣብ ሞንጎ እስላምን ክርስትያንን ዝነበረ ሕዱር ወጥሪ ዝያዳ ከምዘጎሃሃርዎ'ውን ይጥቀስ'ዩ።
ብዘይካ እዚ፡ እቶም ጅሃደውያን ጉጅለታት ነቶም ኣብ ድኽነት ዝተደሃኹ ብመንግስቲ ደገፍ ዝተነፍጎም ክፋላት ናይ ሕብረተሰብ ንዋታዊ ሓገዛት ብምሃብ ብረት ሒዞም ኣብ ጎድኖም ከምዝስለፉ ከምዝገበርዎም ይግለጽ።
ኣብቲ 2020 ዝተኻየደ ካቦረ 58 ሚኢታዊት ድምጺ ብምርካብ ንኻልኣይ ግዜ ዝተዓወተሉ ምርጫ፡ ብዙሓት ሰባት ከምዘየድመጹን ፖሎቲካዊ ተሳትፎ ዘይነበሮ ምርጫ ከምዝነበረን ይግለጽ እዩ።
ኣብቲ ምርጫ ኣብ ሰሜንን ምብራቕን እታ ሃገር ብዝነበረ ቅልውላው ካብ ቤቶም ዝተፈናቐሉ ህዝቢ እታ ሃገር ፈጺሞም ድምጾም ኣይሃቡን።
ዕልዋ መንግስቲ ማሊን ቡርኪናፋሶን ዘመሳስሎ እንታይ'ዩ?
ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ተመሳሳሊ ባህሪ ዘለዎ ዕልዋታት መንግስቲ ክካየድ ምጅማሩ ንቡዙሓት ኣሻቒሉ ይርከብ።
እቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ምስቲ ኣብ ነሓሰ 2020 ኣብ ማሊ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ፍጹም ምምስሳል ዘለዎ'ዩ።
ኣብ ክልቲአን ሃገራት ቅድሚ ዕልዋ መንግስቲ ምክያዱ፡ ዕጡቃት ኣብ ልዕሊ መንግስታዊ ትካላትን ሰለማውያን ሰባት መጥቃዕትታት ኣካይዶም፡ ህዝቢ ኣብ ልዕሊ መንግስቱ እምነቱ ላሕሊሑ፡ ህዝባዊ ተቓውሞ ጀሚሩ ኣብ ማሊ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ኢብራሂም ባቡከር ከይታ ኣብ ቡርኪናፋሶ ኸኣ ኣብ ልዕሊ ፕረዚደንት ሮች ካቦረ ዕልዋ ተፈጺሙ።

ምንጪ ስእሊ, AFP/Getty Images
ሓደ ካብ ቀንዲ ተቓወምቲ መንግስቲ ቡርኪናፋሶ ዝኾነ ኤዲ ኮምበጆ ነቲ ዕልዋ መንግስቲ ከም ረብሓ ብምውሳድ ህዝባዊ ተቐባልነቱ ከዕቢ ክጥቀመሉ ከምዝፈተነ እዩ ዝግለጽ።
እቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ዝበዝሐ ካብ ህዝቢ ማሊ ይድግፎ'ዩ፡ ብዙሓት ተወለድቲ ቡርኪናፋሶ ግን ድሕሪ እቲ ዕልዋ መንግስቲ ኣብታ ሃገር ዘይርጉኡነት ከይስዕብ ስግኣታት ኣለዎም።
እቲ ኣንጻር ፈረንሳ ዘሎ ኣተሓሳስባኸ ተራ ነይርዎዶ ይኸውን?
ማሊን ቡርኪናፋሶን ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ፈረንሳ ዝነበራ ሃገራት ኮይነን ድሕሪ ናጽነተን'ውን ኣብ ቁጠባውን ጸጥታውን መሓውር ናይተን ሃገራት ጽልዋ ፈረንሳ ልዑል ኮይኑ'ዩ ቀጺሉ።
ልክዕ ከም ማሊ፡ ሰራዊት ቡርኪናፋሶ'ውን ካብቲ ብፈረንሳ ናብቲ ዞባ ዝተዋፈረ 5100 ሰራዊት ፈረንሳ ብዙሕ ደገፋት እዩ ዝግበረሉ፡ ወረ ኣብኡ እዩ ዝምርኮስ።
ፈረንሳ ኣብቲ ዞባ ዘሎ ጅሃደዊ ምንቅስቓስ ንምቁጽጻር 'ስርሒት ባርከሃነ' ብምባል ኣብ 2013 እያ ናብ ርእሰ ከተማ ማሊ፡ ባማኮ ሰራዊታ ሰዲዳ።
እንተኾነ ምምጻእ ሰራዊት ፈረንሳ ነቲ ብጀሃዳውያን ዝፍጸም መጥቃዕትታት ከጋድዶም'ምበር ከህድኦስ ኣይተራኣየ፡ ከም መርኣያኡ ነበርቲ ካያ ዝብሃል ከባቢ ናይ ቡርኪናፋሶ፡ ሰራዊት ፈረንሳ ምስ ጅሃዳውያን ኢድን ጓንትን ኮይኑ ይሰርሕ ኣሎ ብምባል፡ ንሰራዊት ቡርኪናፋሶ መሻርፍ ዘብጽሓ ንዝነበራ መካይን ኣብ ጽርግያ ዓጊቶመን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ብድሕሪ እዚ ሰራዊት ፈረንሳ ካብ ቡርኪናፋሶን ማሊን ብዓቢኡ ኸኣ ካብ ዞባ ሳሕለ ሳህራ ክወጽእ እዩ ተገዲዱ።
ምውጻእ ሰራዊት ፈረንሳ ናብ ረብሐኦም ዝቐየርዎ ጅሃዳውያን ዕጡቓት ከኣ ኣብ ልዕሊ እቲ ብሃገራት ቡርኪናፋሶ፡ ጫድ፡ ማሊ፡ ሞሮታንያን ኒጀርን ዝቖመ 'ጉጅለ-5' ዝተሰምየ ጥሙር ሓይሊ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት ከካይዱ ጀሚሮም።
ማሊ ንዘለዋ ናይ ጸጥታ ሃጓፋ ንምምላእ ናብ ሩስያ ገጻ'ኳ ተቛምት እንተላ፡ ቡርኪናፋሶ ትርከበን ሃገራት ሳሕለ ሳህራ ግን ንተግባራታ ብትሪ ተቓዊመነኦ ኣለዋ።
እቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዘጋጠመ ዕልዋ መንግስቲ ነቲ ዞባ ዘሻቕል ድዩ?
ፈጸምቲ ናይቲ ኣብ ቡርኪናፋሶ ዝተኻየደ ዕለዋ መንግስቲ ካብ ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዞባዊ ውድብ ዝኾነ ኢኮዋስ ዝመጽኦም ግበረ መልሲ ኣቓልቦ ከምዘይሃብዎ'ዩ ዘርኢ።
እቲ ዞባዊ ውድብ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መስከረም ኣብ ማሊን ጊኒን ዕልዋ መንግስቲ ምስ ተኻየደ እገዳ'ኳ እንተኣወጀ ነቲ ውሳነ ናይቶም ዕልዋ ዝፈጸሙ ወተሃደራት ግን ዝቕይር ኣይነበረን።
ፕረዚደንት ናይታ መዳውብቲ ማሊን ቡርኪናፋሶን ዝኾነት ነጀር መሓመድ ባዙም ኣብ 2021 ናብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ ፈተነ ዕልዋ ተኻይድሉ ነይሩ እዩ።
ኣብ ማሊን ቡርኪናፋሶን ዘሎ ዘይምርግጋእ ኣብታ ብደቡብ ምስ ክልቲኤን ሃገራት ትዳውብ ኣይቮሪኮስትን'ውን ጽልውኡ ይሽልብባ ኣሎ፡ ኣብታ ሃገር ካብ 2020 ጀሚሩ ንወተሃደራት እታ ሃገር ዕላማ ዝገበረ ጅሃዳዊ መጥቃዕትታት ይካየድ ኣሎ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







