ሲሸልስ፡ ንዝጠፈአ 50 ሚልዮን ዶላር ንምርካብ ሃድን ተካይድ ዘላ ደሴታዊት ሃገር

ገማግም ውቅያኖስ ሲሸልስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, እዛ ብብዙሓት በጻሕቲ ከም ገነት እትርአ ሲሸልስ ዝበዝሐ ህዝባ ኣብ ትሕቲ መስመር ድኽነት እዩ ዝነብር

ኣብ ደሴታዊት ሃገር ሲሸልስ ቀዳማዊት እመቤት እታ ሃገር ነበር ትርከቦም ሽዱሽተ ፍሉጣት ሰባት ካብ ትካላት ወሃብቲ ረድኤት ብመልክዕ ሓገዝ ንዝመጽአ ሰልዲ ኣጠፋፊእኩም ተባሂሎም ተኸሲሶም ኣለዉ።

ብዙሓት ዜጋታት እታ ሃገር በቲ ዝጠፈአ 50 ሚልዮን ዶላር ቁጥዐኦም ገሊጾም ወዲኦም'ዮም፡ ግን ኣይረስዕዎን።

ዓሳ ገፉፉ ንጓል ሽዱሽተ ዓመት ጓሉን ንኣፍቃሪቱን ዝኣሊ ወዲ 25 ዓመት ደሪክ ላብሮሰ ሓደ ካብቶም በቲ ዝጠፈአ ገንዘብ ኣዝዩ ዝሓዘነ መንእሰይ እዩ።

ደሪክ ላብሮሰ ስኑ እናሓርቐመ "እዚ 50 ሚልዮን ዶላር ንተወለድቲ ሲሸልስ ዝተውሃበ ረድኤት እዩ እንተኾነ ክንረኽቦ ኣይክኣልናን" ይብል።

ሃገረ ሲሸልስ ኣብ ምዕራባዊ ክፋል ህንዳዊ ውቕያኖስ ትርከብ ኮይና ብዝሒ ህዝባ 100 ሽሕ እዩ፡ ብልኡም ቅማረ እንተተወሲዱ ኸኣ እዚ 50 ሚልዮን ዶላር ንነፍሲ ወከፍ ተወላዲ እታ ሃገር 500 ዶላር ምበጽሖ ነይሩ።

ጠፈአ ረድኤት

እቲ 50 ሚልዮን ዶላር ቅድሚ 20 ዓመት ነታ ሃገር ኣጋጢምዋ ዝነበረ ሕጽረት ናይ ወጻኢ ሸርፊ ንምቅላል፡ ሕጽረታት ሩዝ፡ ሓሩጭን ዘይትን ንምምላእ ተባሂሉ ብሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝተለገሰላ ሓገዝ እዩ ነይሩ።

እቲ ገንዘባዊ ሓገዝ ግና ናብታ ደሴታዊት ሃገር ከይኣተወ ብፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ኣልበርት ሩነን (ኣብ መበል 84 ዓመቱ ብ27 ለካቲት 2019 እዩ ሞይቱ) ካልኦት ተሓባበርቱን ናብ ዝተፈላለያ ባንክታት ዓለም ብሽሞም ፋሕ ከምዝበለ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገረ ዝቐረበ ናይ ክሲ ወረቐት ሓቢሩ።

እቶም ኣብቲ ክሲ ሰፊሮም ዘለዉ ሽዱሽተ ሰባት ግን ክሳብ ሕጂ ነቲ ክሲ ኣመልኪቶም ርእይትኦም ኣይሃቡን ዘለዉ።

line

ኣቶም ኣብቲ ክሲ ተዘርዚሮም ዘለዉ ሰባት

  • ሙከሽ ቫላብሃጂ፡ ቁጠባዊ ኣማኻሪ ፕረዚደንት ኣልበርት ሩነ ነበርን ነጋዳይን
  • ላውራ ቫላብሃጂ፡ ብዓልቲ ቤቱ ንሙከሽ ቫላብሃጂን ጠበቓን
  • ልሲ ቢኖተን፡ ኣብ ምክልኻል እታ ሃገር ሊተናል ኮሎኔል ነበርን ወዱ ንፕረዚደንት ኣልበርት ሩነን
  • ለክሃ ናየር፡ ኣብ ሚኒስትረ ፋይናንስ እታ ሃገር ሓላፊ ዝነበረ
  • ማውሪስ ላውስታኦ ላላነ፡ ሚኒስተር ፋይናንስን ቱሪዝምን ነበር
  • ሳራ ረነ፡ ቀደማዊት እመቤት [ብዓልቲ ቤቱ ንፕረዚደነት ኣልበርት ሩነ]
line

ገፋፊ ዓሳ ደሪክ ላብሮሰ፡ ልክዕ ከም ብዙሓት እቲ ሰልዲ ክርከብ'ዩ ዝብል ተስፋ የብሉን።

ንሱ ተስፍኡ ኣብዚ ብፕረዚደንት ዋቨል ራምካላዋን ዝምራሕ ቅድሚ 14 ኣዋርሕ ዝተመረጸ መንግስቲ እዩ ዘሎ።

ደሪክ ላብሮሰ፡ እቲ ንፕረዚደንት ኣልበርት ሩነ ብዝስዓቡ ፕረዝደንታት ዝምራሕ ዝነበረ ሰልፊ ኣብቲ ነታ ሃገር ዝመርሓሉ 43 ዓመታት ነታ ሃገር ብብልሽውና ከምዘቆማጣዓ'ዩ ዝእመን።

"እዚ ሕጂ ዘሎ መንግስቲ ብልሽውና ንምጥፋእ ተዓጢቑ'ዩ ዘሎ" ዝብል ደሪክ "ቅድሚ ሕጂ ይዛረቡ ጥራይ'ዮም ነይሮም ሕጂ ግን ብብልሽውና ንዝተጠርጠሩ ሰባት ክኣስሩ ጀሚሮም ኣለዉ፡ እዚ የዒንቲ ሲሸልስ ዘንቑሕ'ዩ፡ ሰልድና ክምለሰና ኣለዎ" ይብል።

ፕረዚደንት ዋቨል ራምካላዋን ቀሺ ናይ ኣንግሊካን ኮይኑ ኣካል ናይቲ ኣንጻር ፕረዚደንት ኣልበርት ሩነ ዝካየድ ዝነበረ ተቃውሞታት እዩ።

እታ ሃገር ካብ 1977 ክሰብ 2004 ኣብ ትሕቲ መሪሕነት ፕረዚደንት ኣልበርት ሩነ፡ ካብ 2004 ክሳብ 2016 ብፕረዚደንት ጀምስ ሚካኤል፡ ካብ 2016 ክሳብ 2020 ኸኣ ብዳኒ ፋውረ'ያ ተመሪሓ።

ኣብ ጥቅምቲ 2020 ኣብ ዝተኻየደ ምርጫ ኸኣ ዋቨል ራምካላዋን ፕረዚደንት ኮይኑ ተመሪጹ።

እንተኾነ ምስ ምምጻእ ዋቨል ራምካላዋን ኮሮናቫይረስን'ውን ናብ ኣሻቓሊ ኩነታት ስለዝዓረገ፡ እታ ካብ ቱሪዝም ብዙሕ ኣታዊታት እትረክብ ሃገር ቁጠባኣ ንታሕቲ ክንቖት ተራእዩ።

ጎብየን ደሴትን ሲሸልስ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብዚ እዋን ምስቲ ዝጠፈአ 50 ሚልዮን ብዝተሓሓዝ ቀደማዊት እመቤት ነበር ሳራ ረነ ዝርከብዎም ሓያለ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ስለዝኣተዉ ንብዙሓት ተስፋ ዘሪእሎም ኣሎ።

ኣብ መንበሪ ቤት ክልተ ካብቶም ጥርጡራት ወተሃደራዊ ብረታት ምርካቡ'ውን ተወሳኺ ክሲ ተመስሪትዎም ኣሎ።

ፕረዚደንት ዋቨል ራምካላዋን ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ንህዝቡ ክጥንቀቕ'ዩ ምዒዱ "እዚ ወተሃደራዊ ብረታት ንምንታይ'ዩ ምስኦም ጸኒሑ? ኣነ ብከምዝን ወዲ ከምዝን ዝፈርሕ ኣይኮንኩን ንስኹም ግን ተጠንቀቑ" ኢሉ።

ቀሽን ፕረዚደንትን ዝኾነ ቨል ራምካላዋን፡ ገለ ካብቲ ቅድሚ 20 ዓመታት ዝጠፈአ ገንዘብ ኣብ ዝተፈለላለያ ሃገራት ኣብ ባንክታት ከምዘሎን ምስ ወለዱ እኹል ምዃኑ እዩ ዝገልጽ።

ብምስዓብ "እቲ 50 ሚልዮን ዶላር ክሳብ ሕጂ ኣማኢት ሚልዮናት ወለድ ኣዋህሊሉ ክህሉ ተስፋ ንገብር" ኢሉ።

"መንግስትና ንብልሽውና ዘለዎ ተጻዋርነት ትሕቲ ዜሮ'ዩ፡ ብዝተኻኣለና መጠን ሳንቲም ከየትረፍና ኩሉ እቲ ዝተሰረቐ ሰልዲ ክንመልሶ ኢና፤ ምኽንያቱ እቲ ሰልዲ ናይ ህዝቢ'ዩ ከምዚ ዓይነት ገበን ኸኣ ምሕረት ኣይውሃቦን'ዩ" ኢሉ።

ምስጢራዊ ርክብ

ነቲ ዝጠፈአ ሰልዲ ናይ ምርካብን ነቶም ዘጠፋፍኡ ናይ ምህዳንን ስራሕ ነታ ናይ ሲሸልስ ኮምሽነር ኮምሽን ጸረ ብልሽውና ኮይና ዝተመዘዘት ማይ ደ ሲልቫ'ዩ ተዋሂቡ ዘሎ።

እዛ ኣብ ወጻኢ ተማሂራ ናብ ዓዳ ተመሊሳ ኣማኻሪት ምሕደራ ኮይና ትሰርሕ ዝነበረት ማይ ደ ሲልቫ፡ ንዓይ (ንኣዳላዊ እዚ ጽሑፍ) ኣብቲ ምስጢራዊ ዝኾነ ቤት ጽሕፈታ ብስቱር ኣእትያ እያ ኣዘራሪባትኒ።

ንሳ "እዚ ስራሕ ኣዝዩ ተኣፊፊ'ዩ፡ ኣዝዮም ሓደገኛታት ዝኾኑ ሰባት ኢና ንሃድን ዘለና፡ መንግስቲ እኹል ሓለዋ ገይርለይ ኣሎ ግን ከኣ ክጥንቀቕ ኣለኒ" ኢላትኒ።

ብምስዓብ "እዚ ነካይዶ ዘለና ሃድን ንዓበይቲ ሓለፍቲ ዝተናኸፍ እዩ፡ እዞም ንሃድኖም ዘለዋ ኣብ ሲሸልስን ካብዚ ወጻእን ዱልዱል መርበባት ዘለዎም እዮም" ትብል።

ማይ ደ ሲልቫ፡ ናይቲ ቅድሚ ሕጂ ዝጠፈአ 50 ሚልዮን ዶላር ዝርከቦ 55 ናይ ብልሽውና ክስታት እያ ትከታተል ዘላ፡ ነዚ ንምግባር ካብ ብሪጣንያን ካብ ሕብረት ኣውሮጳን'ውን መርመርቲ ይሕግዝዋ ኣለዎ፡ ቀንዲ ድሌታ ኸኣ ነቲ 50 ሚልዮን ዶላር ምምላስ'ዩ።

ነቲ መስርሕ ከተረድእ እንከላ ኸኣ "ሰልድኻ ኣብ ባንኪ እንተኣእቲኻዮ ክንረክቦ ኢና፡ ናብ ባንኪ እንተዘይኣእቲኻዮ ኸኣ ነዚ ምዕሩግ ገዛ፡ ነዛ ክብርቲ መኪና ብኸመይ ከምዝገዛእካያ መርትዖ ከተርእየና ኣለካ፡ ኣብ ዲጂታላዊ ምጽራይ ብዙሕ ኢና ሰጒምና ዘለና" ትውስኽ ማይ ደ ሲልቫ።

ገለ ሓቅታት ብዛዕባ ሲሸልስ

ማይ ደ ሲልቫ፡ እዚ ነቶም ብሕጂ ገንዘባዊ ሓገዛት ክህቡና ዝደልዩ ዓለምለኻውያን ትካላት፡ ሃገራት፡ ሕብረት ኣውሮጳ፡ ኣህጉራዊ ማዕከን ገንዘብ ይኹን ባንኪ ዓለም፡ ኣብዛ ሃገር ትጠፍእ ሳንቲም ከምዘይትህሉ ንክርእዩ ክሕግዞም'ዩ።

ፕረዚደንት ዋቨል ራምካላዋን ብወገኑ "ከም ኣፍሪቃውያን ኸኣ ንብልሽውና ክንቃለሶ ከምዘለና ተሪር መልእኽቲ ዘሕልፍ'ዩ" ኢሉ።

ብምስኣብ "ንሕና ንእሽተይ ሃገር ክንስና ኣብነት ኮይንና ነርኢ ኣለና፡ እዚ ናትና ተበግሶ ንኻልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ኣርኣያ ክኾነን ንትስፎ፡ ኩሉ ጸጋታት ናይዛ ሃብታም ኣህጉርና ኣብ ግቡእ ምዓልኡ'ዩ ከውዕል ዘለዎ"

እቲ ገፋፊ ዓሳ ደሪክ ላብሮስ'ውን ዝብሎ ኣለዎ "እቲ ሰልዲ እንተተመሊሱ ጽርግያታትን ኣባይትን ንምስረሕ ከውዕል ይኽእል እዩ፡ ከምኡ'ውን ሓደስቲ ሆስፒታላትን ኣብያተ ትምህርትን'ውን ክንሃንጽ ንክእል ኢና" ድሕሪ ምባል "መን ይፈልጥ ኣብ ኢድና'ውን ቀቁሩብ ሞቕሽሽ ይህቡና ይኾኑ" ኢሉ።