ቡርኪናፋሶ፡ ዕልዋ መንግስቲ ወጢኖም ዝተብሃሉ ሸሞንተ ወተሃደራት ተኣሲሮም

ወተሃደራት ቡርኪናፋሶ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ሰብ መዚ ቡርኪናፋሶ፡ ዕልዋ መንግስቲ ንምክያድ ውጥን ነይርዎ ዝብሎልዎም ሸሞንተ ወተሃደራት ኣብ ቀይዲ ከምዘእተው ገሊጾም።

ካብ ሞንጎ እቶም ኣብ ቀይዲ ኣትዮም ዝተብሃሉ ሸሞንተ ወተሃደራት፡ ናይ ቅድም ኣዛዚ ሰራዊት እታ ሃገር ዝነበረን ንመንግስቲ ብምንቃፍ ዝፍለጥን ኮሮኔል መሓመድ ኢማኑኤል ዞንጉራናን ከምዝርከቦም ተፈሊጡ ኣሎ።

ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር ትማሊ ሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ወተሃደራት መርመራ ተጀሚርሎም ከምዘሎ ገሊጹ።

ኣብ ቡርኪናፋሶ ቅድሚ ሸውዓተ ዓመት ዕልዋ መንግስቲ ተኻይዱ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።

እቲ ዕልዋ መንግስቲ ደገፍቲ ናይቲ ካብ ስልጣን ተኣልዩ ኣብ ስደት ዝነበረ ፕረዚደንት እታ ሃገር ነበር ባላሴ ኮማፓረ ዝኾኑ ወተሃደራት ስልጣን ምስ ሓዙ ዝተኻየደ እዩ ነይሩ።

ባላሴ ኮማፓረ፡ የማናይ ኢድ ናይቲ ኣብ 1980ታት ንቡርኪናፋሶ ዝመርሓ ዝነበረ ቶማስ ሳንካራ ኮይኑ ኣብ 1987 ንቶማስ ሳንካራ ብዕልዋ ብምእላይ ክሳብ 2014 ንቡርኪናፋሶ ዝመርሐ እዩ።

እቲ ነታ ሃገር ካብ 2015 ጀሚሩ ዝመርሓ ዘሎ ሮች ማርክ ክሪስትያን ካቦረ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ቅርጺ መንግስቲ እታ ሃገር ሓያለ ለውጥታት ኣተኣታትዩ ኣሎ።

ንሱ ሃገሩ ተደጋጋሚ መጥቃዕትታት እስላማውያን ዕጡቓት እናተኻየዳ እንከሎ ካብ ሰንከልከል ኣድሒንዋ እናተባሃለ ብብዙሓት ዝነኣድ መራሒ እዩ።