ን ’ኣፍሪቃዊ ቼ ጉቬራ’ - ቶማስ ሳንካራ መን’ዩ ቀቲልዎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ፕረዚደንት ቡርኪናፋሶ ነበር ቶማስ ሳንካራ ብዘስካሕክሕ መገዲ ካብ ዝቕተል 34 ዓመታት ተቖጺሮም ኣለዉ። ምስ ቅትለት እቲ ‘ኣፍሪቃዊ ቼ ጉቬራ’ ብዝብል ዝፍለጥ መራሒ ብዝተሓሓዝ ዝጥርጠሩ 14 ሰባት ድማ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ምዃኖም ተፈሊጡ’ሎ።
እቲ በዓል ግርማ ሞገስ ኣብ ሓድነት ኣፍሪቃ ጽኑዕ እምነት ዝነበሮ መራሒ ኣብ 15 ጥቅምቲ 1987 ኣብ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ’ዩ ካብ ወተሃደራት ብዝተተኮሰ ጥይት ተቐቲሉ። ነዚ ስዒቡ ናይ ቀረባ መሓዝኡ ዝነበረ ብሌዝ ኮምፓዎሬ ናብ ስልጣን ደይቡ።
ቶማስ ኣርባዕተ ዓመታት ቅድሚ ቅትለቱ ምስ ኮምፓዎሬ ብምዃን ናብ ፕረዚደንትንት ዘብቅዖ ዕልዋ መንግስቲ ኣካይዶም ነይሮም።
ኮምፓዎሬ ሓደ ካብ መንጎ እቶም 14 ተኸሰስቲ’ዩ ነይሩ። ኣብ 2014 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኣብታ ሃገር ንዝተወለዐ ህዝባዊ ተቓውሞ ስዒቡ ከኣ ጎረቤት ሃገር ናብ ዝኾነት ኣይቮሪኮስት ተሰዲቱ ክነብር ጀሚሩ። ንሱ ኣብ ቅትለት ቶማስ ሳንካራ ኢዱ ከምዘይሓወሰ ብተደጋጋሚ ብምግላጽ ኣብ መስርሕ ፍርዲ ከምዘይርከብ ኣቕቢጹ’ዩ።
ሳንካራ ካብ ዝቕተል ነዊሕ ዓመታት’ኳ እንተተቖጸረ ብዙሓት ኣፍሪቃውያን ግን ከም ተምሳሌት ወይ ኣብነት ይቖጽርዎ። ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ዝህብ ታክሲታት ብስእልታቱ ዝወቀባ’የን። ደቡብ ኣፍሪቃዊ መራሒ ተቓዋሚ ውድብ ጁሌት ማሌማ’ውን ካብ ሞንጎ ኣብ ህይወቱ ብኣብነት ዝወስዶም ሰባት ሳንካራ ሓደ’ዩ።
ቶማስ ሳንካራ ስለምንታይ ከም ጅግና ይቑጸር?
ዋና ጸሓፊ ዝኽሪ ቶማስ ሳንካራ ዝኸነ ሉክ ዳሚባ “ሳንካራ ነዓና ጅግናና እዩ። ንህዝቡ፣ ንሃገሩን ንኣፍሪቃን ይፈትው። ስሌና ህይወቱ ከፊሉ” ይብል።
እታ ሃገር ኣብ ናቱ ግዜ ስልጣን’ያ ስማ ካብ ኣፐር ቮልታ ናብ ቡርኪናፋሶ ዝተቐየረ። “ምድሪ ቅኑዓት ሰባት” ዝብል ትርጉም ኣለዎ።
ሳንካራ ናይ ሕንቁቓት ወይ ሃብታማት ዝበሃል መነባብሮ ኣይነበሮን። ናይ ባዓሉን ካልኦት ሰራሕተኛታት መንግስትን መሃያ’ውን ክንክይ ገይሩ’ዩ። ቀዳማይ ደረጃ ትኬት ኣየር ከይጥቀሙ’ውን ከልኪሉ።
ንትምህርቲ ዝለዓለ ቆላሕታ ይህብ ብምንባሩ ንሱ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሉ እዋናት ብ1983 ኣብታ ሃገር ምንባብን ምጽሓፍን ዝኽእሉ ሰባት 13 ሚኢታዊት ጥራሕ ዝነበሩ ክሳብ 1987 ኣብ ዝነበረ እዋን ናብ 73 ሚኢታዊት ኣብጺሕዎ።
ካብ ፊውዳል ሰብሃብቲ መሬት እናወሰደ ንሓረስቶት ኣከፋፊሉ። ከምኡ ብምግባሩ መጠን ምህርቲ ስርናይ ብዝለዓለ መጥን ከምዝወሰኸ ይዝረብ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ብምስባኽ ድማ እታ ኣህጉር ኣንጻር ከም ትካል ገንዘብ ዓለምን ባንኪ ዓለምን ዝበሉ “ገዛእቲ” ክብል ዝገልጾም ምዕራባውያን ሓይልታት ደው ክትብል ይምዕድ ነይሩ።
ሓደ እዋን “ዘብልዐካ ይቆጻጸረካ” ክብል ምዝራቡ ይዝከር።
ኣብ ከም ቡርኪናፋሶ ዝበላ ሃገራት ኣፍሪቃ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣስፋሕፊሓ ዝነበረት ፈረንሳ ንዝነበራ ልዕልና ዝፈታተን ጸረ-ኤምፔሪያሊስት ፖሊሲ ወጻኢ ጉዳያት ብምሕንጻጽ ወግዓዊ ከምዝገበረ ይግለጽ። በዚ ምኽንያት ኣብ ቅትለቱ ፈረንሳ መሪሕ እጃም ከምዝነበራ በዓልቲ ቤቱ ትኸስስ።
ኣብ ኡጋዱጉ [ዋና ከተማ እታ ሃገር] ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሳንካራ ዝመሃር ሓደ ተምሃራይ “ንሱ ፕረዚደንተይ ኮይኑ ክነብር’ዩ። ንህዝቡ ዝገበሮ ነገር ንሕና መናእሰይ እውን ንኽንፍጽሞ ዘላዓዕል እዩ” ክብል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ ተዛሪቡ።
ኣብ 2019 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኡጋድጉ ኣብ ዝርከብ ሃገራዊ ሕዛእቲ፡ ኣስታት 6 ሜትሮ ቁመት ዘለዎ ሓወልቲ ተመሪቑ’ኳ እንተነበረ፤ ኣብቲ ሓወልቲ ገለ ቅርታታት ስለዝተልዓሉ ግን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ተመሓይሹ ተሰሪሑ።
ነቐፍቱ’ኸ?
ናይ ሳንካራ ኣኽረርቲ ጸጋማውያን ፖሊሲታት ካብ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ነቐፌታታት ይበጽሖም ምንባሩ ይግለጽ።
ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ብ1986 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ ተቓወምቲ ፖለቲካ ዝኾኑ ሰባት ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ተኣሲሮም ስቅያት ከምዝበጽሖም ኣፍሊጡ ነይሩ።
ሳንካራ ኣብ ዝመርሖ መንግስቲ ሚንስተር ሓበሬታ ኮይኑ የገልግል ዝነበረ ሰርጌ ቲኦፊል ባልማ “ንፍልስፍና ዴሞክራሲያዊ ብዝሃነት ንምቕባል ዝደንጎየ ነይሩ። ንተቓወምቲ ከዛራርቦምን ክሰምዖምን ኣይከኣለን” ክብል ይዛረብ።
ንህዝቢ ስልጣን ክህብ ስለዝደለየ ድማ ‘ኮሚቴ ወያናይ ምክልኻል’ ብዝብል ንዝተመልመሉ ሸቃሎ ስልጣን ምሃቡ ዘዘኻኽር ባልማ “እንተኾነ እቶም ዝሸሞም ሰባት ንናቱ ስልጣን ዘጸልሙ መጥቃዕትታት ክፍጽሙ ተረኺቦም” ክብል ነቲ ኩነታት የረድእ።
ነዊሕ እዋን ዝወሰደ መስርሕ ፍርዲ
“ብሌዝ ኮምፓዎሬ ንዝመርሓሉ 27 ዓመታት ሓዊሱ ነዊሕ እዋን ክንጽበይ ጸኒሕና ኢና። ንሱ [ኮምፓዎሬ] ኣብ ዝመርሓሉ እዋን ፍትሒ ኣሎ ኢልና እውን ኣይንሓስብን ኔርና” ይብል ሓው ንቶማስ ሳንካራ ፖል ሳንካራ።
በዓልቲ ገዝኡ’ውን ብ1997 ንቕትለት በዓል ቤታ ዝምልከት ቅሬታ እንተቕረበት’ውን፤ ቤት ፍርዲ ግን “እቲ ምርመራ ክቕጽል ይኽእል’ዩ” ዝብል ውሳን ንምሕላፍ 15 ዓመታት’ዩ ወሲዱሉ።
በዚ ምኽንያት ከኣ ኮምፓዎሬ ካብ ስልጣን ክሳብ ዝተኣለየሉ 2014 እቲ ጉዳይ ቤት ፍርዲ ብዙሕ ዝሰጎመ ኣይነበረን። ንሱ ካብ ስልጣን ምስተኣለየ ድሕሪ ዓመት ናይ ቶማስ ሳንካራ ኣስከሬን ከምዝኾነ ዝተዘርበሉ ቅሪት ተዃዒቱ እንተወጸ’ውን ብ’ዲኤንኤ’ ግን ናቱ ምዃኑ ምርግጋጽ ኣይተኽኣለን።
ኣብ 2016 መንግስቲ ፈረንሳ ምስ ቅትለት ቶማስ ብዝተሓሓዝ ዘለዎም ወተሃደራዊ ሰነዳት ንከቕርበሎም ሰብሰልጣን ቡርኪናፋሶ ሓቲቶም ነይሮም። ብሰለስተ ምዕራፋት ተኸፋፊሎም ድማ ናብታ ሃገር ተዘዋዊሮም።
ኣብ መስርሕ ቤት ፍርዲ ዝቐርቡ?
ኣብ ዘመነ መንግስትነት ኮምፓዎሬ ኣዛዚ ሰራዊት ዝነበረ ጀነራል ጊልበርት ዴንዴሬን ካልኦት 11 ሰባትን አብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ክቐርቡ ትጽቢት ይግበር። “ንድሕነት መንግስቲ ብምጥቃዕ”፤ “ተሓባባሪ ቅትለት ብምዃን” ከምኡ’ውን “ኣስከሬን ብምሕባእ” ብዝብሉ ድማ ይኽሰሱ።
ጀነራል ዴንዴሬ ኣብ 2015 ተፈቲኑ ብዝፈሸለ ዕልዋ መንግስቲ ተሳትፎ ነይርዎ ብዝብል 20 ዓመት ስለዝተፈረዶ ኣብ ማእሰርቲ ይርከብ።
ወረቐት ምስክር ሞት ዝፈረመ ዶክተር ዲቤሬ ዣን ክሪስቶፍ እውን ካብ ሞንጎ ተኸሰስቲ ክኸውን ከሎ፤ እቲ ፕረዚደንት ብተፈጥሮኣዊ ምኽንያታት ከምዝሞተ ዝሕብር ሰነድ’ዩ ፈሪሙ።
እቲ ኣብ ዘየለሉ ዝኽሰስ ዘሎ ካልእ ሰብ ድማ ሓላፊ ድሕነት ኮምፓዎሬ ዝነበተረ ሂያሲን ካፋንዶ እዩ። ዓለማዊ ትእዛዝ ማእሰርቲ ዝወጸሉ ኮይኑ ንቶማስ ሳንካራን ካልኦት 12 ሰባትን ንዝቐተለ ጉጅለ ብምምራሕ ይኽሰስ።
ገለ ኣካላት መስርሕ ፍርዲ ቅትለት ቶማስ ሳንካራ ዳግም ክጅምር ምሕሳብ ኣብታ ሃገር ቅልውላው ምዕዳም ከምዝኸውን ስግኣቶም ይገልጹ
ፕረዚደንት ቡርኪናፋሶ ሮች ማክ ካቦሬ ግን እቲ ክጅምር ተሓሲቡ ዘሎ መስርሕ ፍርዲ ንወጥርታት ኣፍኲሱ ሃገራዊ ዕርቂ ዘጠናኽር ከምዝኾነ ተስፋ ይገበር።
ኣብ ‘ኢንተርናሽናል ክራይስስ ጉሩፕ’ ተንታኒ ጉዳያት ሳሕል ዝኾነ ማቲው ፕሬሬን ብወገኑ “ከምዚ ዝበለ መስርሕ ፍርዲ ዘይምርግጋእ ክፈጥር’ዩ ኢለ ኣይሓስብን” ክብል ኣብ 2020 ንፈረንሳዊት መጽሄት ጁን ኣፈሪክ ተዛሪቡ ነይሩ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







