ጅግና ፊልም ‘ሆቴል ርዋንዳ’ ኣብ መጋባእያ ግብረ ራዕዲ 'ኣይቀርብን' ኢሉ

ጅግና ፊልም ‘ሆቴል ርዋንዳ’ ፖል

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሆሊውድ ኣብ ዘሰናደኦ ‘ሆቴል ርዋንዳ’ ብዝብል ኣብ ዝፍለጥ ፊልም፡ ጅግና ኾይና ዝዋሳእ ውልቀሰብ፡ ኣብ ዝተመስረቶ ክሲ ግበረ ራዕዲ ኣብ መጋባእያ ኣይርከብን ኢሉ።

ፖል ሩስስኣባጊና፡ “እቲ ቤት ፍርዲ መሰለይ ስለዝገፈፈኒ፤ ካብኡ ዝጽበዮ ፍትሒ የለን። ስለዝኾነ ድማ፡ ኣብቲ መጋባኣያ ኣይርከብን” ኢሉ፡ ኣብ ርእሰ ከተማ ርዋንዳ ኪጋሊ ንዝርከብ ቤት ፍርዲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ።

ቅድም ክብል፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ እቲ ጥርጡር ግብረ ሽበራ፡ ክሱ ንድሕሪ ሽድሸተ ወርሒ ክናዋሓሉን፡ ንሱ ድማ ናይ ባዕሉ ናይ ቤልጂም ጠበቓ ሒዙ ክቐርብ ክፍቀደሉን ሓቲቱ ነይሩ።

እንተኾነ፡ እቲ ቤት ፍርዲ፡ 'ሕጊ ንድሕሪት ተመሊሱ ኣይሰርሕን' ዝብል ዓንቀጽ ሕጊ ብምጥቃስ፡ ንዕኡ ሓዊሱ ኣብ ልዕሊ 20 ጥርጡራት ዝተመስረተ ክሲ፡ ኣብ እዋኑ ክካየድ በይኑ።

እንተኾነ፡ ሕዚ ንሱ ኣብ ዘይተረኽበሉ ክፍረድ ምዃኑ እዩ ዝዝረብ ዘሎ።

እቲ ወዲ 66 ዓመት ውልቀሰብ፡ ግልጺ ብዘይኮነ መገዲ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ኣብ ዱባይ ተታሒዙ ነይሩ።

ንሱ፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ተጨውዩ ናብ ርዋንዳ ክበርር ከምዝተገብረ እዩ ዝዛረብ፤ እቲ ቤት ፍርዲ ግና ተገዲዱ ዘይኮነስ ተታሊሉ እዩ መጺኡ’ሞ፡ ፍርዱ ኣብ ርዋንዳ እዩ ክረክብ ዘለዎ ኢሉ።

እዚ ፍሉጥ ነቓፊ ፖል ካጋሜ ዝኾነ ውልቀሰብ፡ ኣብታ ሃገር ኣብ 2018ን 2019ን ኤፍ.ኤል.ኤን ብዝበሃል ጉጅለ ዝተፈነወ መጥቃዕቲ እዩ ዝሕተት።

እቲ ጉጅለ፡ ዕጡቕ ክንፊ፡ ንሱ ብምክትልነት ዝመርሖ ‘ምንቅስቓስ ርዋንዳ ንዲሞክራስያዊ ለውጢ’፡ ዝብል ሰልፊ ዝርከቦ ጥምረት ዓመጽቲ ውድባት እዩ።

ፖል፡ ኣብቲ ናይ 2004 'ሆቴል ርዋንዳ' ፊልም ዳን ቺድል ብዝብል ምስተዋስአ እዩ ስሙ ገኒኑ።

ካብ ርዋንዳ ኣብ 1996 ዝወጽአ ኾይኑ፡ ኣብ ቤልጂም ፖሊቲካዊ ዕቑባ ሓቲቱ ዜግነት’ውን ረኺቡ ይነብር ነይሩ።

ጠበቓታቱ ኣብ ልዕሊ እቲ ተዋሳኣይ ዝተመስረተ ትሕዝቶ ክሲ እንተሓተቱ’ኳ፡ ክወሃቦም ኣይተፈቕደን።