ኣብ ቤት ትምህርቲ ብዘጋጠመ ባርዕ ብውሕዱ 20 ተመሃሮ ሞይቶም

ምንጪ ስእሊ, GUYANA PRESIDENCY
ኣብ ደቡብ ኣሜሪካዊት ሃገረ ጉያና ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ካልአይ ደረጃ፡ ብዘጋጠመ ባርዕ ብውሕዱ 19 ህጻናት ከምዝሞቱ ሰብ መዚ እታ ሃገር ኣፍሊጦም።
እቲ ባርዕ፡ ትማሊ ሰኑይ ተመሃሮ ደቂሶም እንከለዉ ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ’ዩ ኣጋጢሙ።
ኣብቲ ባርዕ ዘጋጠመሉ ሰዓታት ኣብቲ ቦታ ብርቱዕ ንፋስ ስለዝነበረ፡ ሰራሕተኛታት መጥፋእቲ ሓዊ ነቲ ባርዕ ንምጥፋእ ዝገበርዎ ፈተነ ቀልጢፉ ክሰልጦም ከምዘይከኣለ መንግስቲ እታ ሃገር ኣፍሊጡ።
ኣፈናዊ መርመራታት ፖሊስ፡ እቲ ባርዕ ኮነ ኢልካ ዝተወለዐ ክኸውን ከምዝኽእል ጥርጣረታት ከምዘሎ’ኳ እንተገለጸ ክሳብ ሕጂ ምስቲ ባርዕ ብዝተሓሓዝ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሰብ ከምዘየለ ተፈሊጡ ኣሎ።
ኣብ መጀመርታ ኣብ ዝወጽአ ጸብጻብ፡ ብውሕዱ 20 ተመሃሮ ከምዝሞቱ’ኳ እንተተገለጸ፡ እቲ ብዝሒ ሞት ልዕሊኡ ክኸውን ከምዝኽእል ስግኣታት ኣሎ።
እቲ ባርዕ ኣብ ማእከል ጉያና ኣብ እትርከብ ማህድያ ኣብ እትበሃል ዕደና ዝካየደላ ከተማ’ዩ ኣጋጢሙ።
በቲ ባርዕ ብዙሓት ዝተሃሰዩ ተመሃሮን ሰራሕተኛታት እቲ ቤት ትምህርትን ህጹጽ ሕክምናዊ ሓገዝ ተገይርሎም ንዝልዓለ ሕክምና ናብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ጆርጅታውን ንምስዳዶም ምድላውዋት ተጻፊፉ ከምዘሎ ተገሊጹ።
ፕረዚደንት እታ ሃገር ኢርፋን ዓሊ ነቲ ሓደጋ “ዓቢ ዕንወት፡ ዘቐንዙን ዘሰንብድን” ብምባል ገሊጽዎ።
እቲ ፕረዚደንት ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ጆርጅታውን ነቶም ህጹጽ ሕክምናዊ ናብዮት ንምሃብ ተዳልዮም ዝነበሩ ሓካይም “ነፍሲ ወከፍ በዚ ባርዕ ተሃስዮም ናብዚ ዝመጽኡ ዘድሊ ዘበለ ኵሉ ዓይነት ኣቓልቦ ክውሃቦም ኣለዎ” ምባሉ ኤኤፍፒ ሓቢሩ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር ሮበሶን በን ናብቲ ሓደጋ ዘጋጠመሉ ቦታ ክበጽሕ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተርን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍትን ከኣ ናብቲ ቦታ ይጓዓዙ ምህላዎም ተሓቢሩ።
ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ርከባት እታ ሃገር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ “ነቲ ዘሕዝን ኣብ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ከተማ ማህድያ ዘጋጠመ ባርዕ፡ ካቢነ ሚኒሰትራት ሰሚዕዎ ኣሎ፣ ነዚ ክንብል እንከለና ከኣ ብልብና ከበድ ሓዘን እናተሰመዓና’ዩ፡ እቶም ካብ ሓደጋ ዝተረፉ ኵሉ ዓይነት ሕክምናዊ ሓገዛት ንኽረኽቡ ኣበርቲዕና ንሰርሕ ኣለና” ኢሉ።
ሃገረ ጉያና ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ደቡብ ኣሜሪካ ኣብ ሞንጎ ቬነዝዌላን ሱሪናምን እትርከብ ኰይና ብደቡብ ከኣ ምስ ብራዚል ትዳወብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







