ህወሓት፡ መንግስቲ ፌደራል ኣብ ክልል ዓፋርን ምዕራብ ትግራይን ዕጡቓት የሰልጥን ኣሎ ኢሉ

እዞም ሕጂ ንህወሓት ዝመርሕዎ ዘለዉ ላዕለዎት ሓለፍቲ

ምንጪ ስእሊ, TPLF

መግለጺ ስእሊ, እዞም ሕጂ ንህወሓት ዝመርሕዎ ዘለዉ ላዕለዎት ሓለፍቲ

ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ነቲ ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብዛዕባ ትግራይ ኣመልኪቱ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝሃቦ ርእይቶ መልሲ ሂብሉ።

ኣብቲ ኣርባዕተ ነጥብታት ዝሐዘ መግለጺ ህወሓት፡ ውዕል ፕሪቶርያ ተወሳኺ ህልቂት ከይስዕብ ደው ዘበለ፡ ጸገማት ብሰለማዊ መንገዲ ንምፍታሕ ተስፋ ዝዘርአ፡ ኣቐዲሙ'ውን ደው ክብል ዘይነበሮ መንግስታዊ ኣገልግሎታት ዳግማይ ዘጀመረ'ኳ እንተኰነ ዘላቒ ሰላም ከምዝጽእ ዝኽእል መሰረታውያን ኣብ ዝኰኑ ጉዳያት ግን ለውጢ የምጽእ ከምዘየሎ ኣብሪሁ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ብ3 ሓምለ ካብ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ ንዝቐረበሉ ሕቶታት፡ ብዛዕባ ትግራይ ብዝምልከት ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ እቲ ንክልተ ዓመት ዝተኻየደ ኲናት ደው ዘበለ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ "ንህዝቢ ትግራይ እፎይታ ኣምጺእሉ'ዩ" ኢሉ።

"ደቆም መዓልታዊ ካብ ምስኣን ኣድሒኑ'ዩ። ንኢትዮጵያ ድማ ሓድሽ ባህሊ ፈጢሩ'ዩ።"

ብዘይካ'ዚ፡ ከም መራኸቢታት ተለፎን፡ ባንኪ፡ መብራህቲን መጓዓዝያ ኣየርን ዝርከብዎም መሰረታዊ ኣገልግሎታት ናብ ንቡር ምምላሱ'ውን ዓወት ምዃኑ ጠቒሱ።

ህወሓት ብወገኑ ኣብቲ ትማሊ ዘውጸኦ መግለጺ፡ መንግስቲ ክሳብ ሕጂ ንሕገ መንግስቲ ብምጥሓስ ንትግራይ ወሪሮም ዘለዉ ሓይልታት ክወጽኡን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ብኣስገዳድ ዝተነበሩ ምምሕዳራት ሓደሽቲ ሰፋሮን ክወጽኡ ብዘይምግባሩ፡ ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ተፈናቐልቲ ተወለድቲ ትግራይ ናብ መሬቶም ክምለሱ ከምዘይክኣሉ ኣብሪሁ።

ኣብይ ኣሕመድ ኣብቲ ብሓሙስ ዝጋቦ መግለጺ፡ ኣብ ደቡብ ትግራይ (ራያ) "ሚእቲ ካብ ሚእቲ"፡ ከምኡ'ውን ከባቢታት ጸለምቲ ተፈናቐልቲ ናብ መረበቶም ከምዝተመልሱ 'ዩ ገሊጹ።

ኣብቲ "ወልቃይት" ክብል ዝገለጾ ምዕራብ ትግራይ ተፈናቐልቲ ከምዘይተመልሱን፡ ዕጥቂ ሓይልታት ትግራይ መሊኡ ከምዘይተፈትሐን ብምእማን፡ "መንግስቲ ዝተፈናቐሉ ዜጋታትና ናብ መረበቶም ክምለሱ ኣለዎም ዝብል ጽኑዕ መርገጺ'ዩ ዘለዎ" ኢሉ።

"ነዚ ንምግባር ብኹሎም ወገናት ዘለዉ ሓይልታት ክተሓባበሩ ኣለዎም።"

ምፍታሕ ዕጥቂ'ውን ብተመሳሳሊ ክፍጸም ከምዘለዎ ዝገለጸ እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ፡ እቲ ጸገም ናይ ፈደራላዊ መንግስቲ ከምዘይኮነ ይምጉት።

"ንኣንጭዋ ጻዕረ ሞታ ንድሙ መጸወቲኣ" ዝብል ምስላ ትግርኛ ብምጥቃስ "ንሓደ ሓደ ብዛዕባ ውግእ ክዛረቡ እንከለዉ ንመንእሰያት ግን ጉድኣት'ዩ" ክብል'ውን ኲናት ከብቅዕ ከምዘለዎ ክዛረብ ተሰሚዑ።

ህወሓት ኣብቲ ትማሊ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ብዛዕባ ምትግባር ውዕል ፕሪቶርያ ኣብ ዝምልከት ምስ ላዕለዎት ኣውሓሲ እቲ ውዕል ዝኰነ ፓነል ሕብረት ኣፍሪቃ ኣኼባ ንምክያድ ብተደጋጋሚ ጻውዒት ክግበር ከምዝጸንሐን እንተዀነ ክሳብ ሕጂ እቲ ኣኼባ ከምዘይተኻየደን ገሊጹ።

ኣብቲ መግለጺ "መንግስቲ ፌደራል ንዘለዉ ፖሎቲካዊ ጸገማት ኣብ ክንዲ ብፖሎቲካዊ ዘተ ክፈትሖም ዝፍትን ኣብ ዓፋርን ምዕራብ ትግራይን ዕጡቓት ብምስልጣንን ንምድጋፍን፡ ከምኡ ከኣ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ ተወለድቲ ትግራይ ብብሄራዊ መንነቶም ተፈልዮም ክእሰሩን ክስደዱን" ይገብር ከምዘሎ ከሲሱ።

ኣብ ክልል ዓፋርን ናብ ክልል ዓፋር ዘራኽብ ወሰናነን ትግራይን ካብ ሓይልታት ትግራይ ዝተፈንጨሉ ዕጡቓት ከምዘለዉ ዝለፍጥ ኰይኑ፡ ኣብ ትግራይ ኵናት ሓድሕድ ከይውላዕ ካብ ብዙሓት ስግኣት ከምዘሎን ክግለጽ ጸኒሑ'ዩ።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኣብ መግለጺ ህወሓት ወገን ትግራይ ዝኰነ ናይ ኵናት ድልየት ከምዘየሎ ብምግላጽ፡ "ሕቶና ውዕል ፕሪቶርያ ይተግበር ዝብል'ዩ፡ ሕቶና ብመሰረት እቲ ስምምዕ ተፈናቐልቲ ድሕነቶም ተሓልዩ ናብ ዓዓዶም ይመለሱ'ዩ ዝብል፡ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ልዑላውነት ትግራይ ይረጋገጽ ዝብል'ዩ" ይብል።

ኣብ ትግራይ ንኵናት ዝዕድም ምድላዋት ከምዘየለ ከኣ ናይ ውዕል ፕሪቶርያ ላዕለዋይ ፓነል ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ዲፕሎማስኛታት፡ ማሕበረተሰብ ዓለም፡ መራሕቲ ሃይማኖትን ምሁራትን ናብ ትግራይ ብኣካል ብምምጻእ ከረጋግጽዎ ህወሓት ጻውዒት ኣቕሪቡ።

ኣብይ ኣሕመድ፡ "ኣብዚ ዝተኸበረ ቤት ምኽሪ ሓደ መልእኽቲ ከመሓላልፎ ዝደሊ፡ ናይ ሃይማኖት ኣቦታት ኣለኹም። ካልእ ስራሕ የብልኩምን። ብቕልጡፍ ትግራይ ናብ ግጭትን ኲናት ከይኣቱ ስራሕኩም ሕጂ ጀምሩ፡ ድሕሪ ምውልዑ ምዝራብ ትርጉም የብሉን" ኢሉ።

"ሰብ ሃብቲ፡ ምሁራት፡ ኤምባሲታት ሕጂ ውግእ ከይጅመር፡ ምኽንያቱ ምስተጀመረ ከም ቅድሚ ሕጂ ንፈልጦ ኣይክኸውንን'ዩ፡ ነገር ክበላሾ እዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።

ቅዲ ኲናት ካብ ልምዳዊ ናይ ጎቦታት ውግእ ናብ "ዘመናዊ ኣገባብ" ከምዝተቐየረ'ውን ኣጠንቂቑ።

"ዝሕግዙና ሃገራት ኣለዉ ኢልካ ምሕሳብ'ውን ኣሎ። እዞም ሃገራት እዚኦም ንዓኹምሲ ይትረፍ ንገዛእ ርእሶም'ውን ክሕግዙ ኣይክእሉን'ዮም። ሞራል ቲፎዘነትን ምድጋፍን በበይኑ'ዩ።"

"ትግራይ ዘድልያ ሰላም እዩ። ትግራይ ዘድልዮ ብዝርርብን ብምይይጥን ጉዳያት ምፍታሕ'ዩ።"

"ብኣና ወገን ኣብ ምድሪ ትግራይ ሓንቲ ጥይት ክንትኩስ ድልየት የብልናን። እንተኽኢልና ከነልምዕ ኢና ንደሊ። ኣብ ትግራይ ዘለዉ ሓይልታት ህዝቢ ትግራይን ክፈልጥዎ ዘለዎም፡ ብሰላምን ብልዝብን ጉዳያትና ክንፈትሕ ይክኣል'ዩ። ሎሚን ትማሊን ሓደ ኣይኮነን፡ ስለዚ [ኲናት] ይትረፍ"።

እንተኾነ ግን፡ ቅድሚ'ቲ ህይወት ኣማኢት ኣሽሓት ሰባት ዝቐዘፈ ደማዊ ኲናት ትግራይ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ'ውን ኣብ ትግራይ ኲናት ምውላዕ "ዕብዳን'ዩ" ክብል ገሊጹ ምንባሩ ይዝከር።

ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዘካይድዎ ዘለዉ ናይ ቃላት ዳርባ፡ ናብ ኲናት ከየምርሕ ስግኣት ሰፊኑ ኣሎ።

ኣብ ግዜ ኵናት ትግራይ መሻርኽቲ ዝነበሩ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን'ውን ንኣዋርሕ ኣብ ናይ ቃላት እንካን ሃባን ተጸሚዶም ከም ዘለዉ ይፍለጥ።