ወይዘሮ ሜላትወርቅ ሃይሉ ኣደ መንበር ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኮይና ተሸይማ

ወይዘሮ ሜላትወርቅ ሃይሉ ቃለመሓላ እናፈፀመት

ምንጪ ስእሊ, House of Peoples Representative of FDRE

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ወይዘሮ ሜላትወርቅ ሃይሉ ኣደ መንበር ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ክትከውን ሽመታ ኣጽዲቑ።

እቲ ቤት ምኽሪ ብሰሉስ 9 ታሕሳስ 2016 [ግእዝ] ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ንሽመት ወ/ሮ ሜላት ብሓደ ተዓቅቦ ብዓብላሊ ድምጺ ኣጽዲቑ።

ምርቕቲ ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ ዝዀነት ሜላትወርቅ፡ ሓምሸይቲ ኣደ መንበር ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ብምዃን’ያ ቃለ መሓላ ፈጺማ።

ኣብቲ ኣኼባ ብዘይካ ሽመት ኣደ መንበር ቦርድ መረጻ፡ ሽመት ዋና ኣካያዲ ስራሕ ኮርፖሬሽን ብሮድካስቲን ኢትዮጵያን (ኢቢሲ) ትካል ፕረስ ኢትዮጵያን ተቐባልነት ረኺቡ።

ንኣቦ/ኣደ መንበርነት ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ዝወዳደሩ ክልተ ሕጹያት ቅድሚ ክልተ ሰሙን ንቀዳማይ ሚኒስተር ከምዝቐረቡሉ ይዝከር።

ብመሰረት ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣቦ/ኣደ መንበርን ካልኦት ኣባላት ቦርድ መረጻ ዝሽየሙ ብኣቕራብነት እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ናብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ቀሪቡ ድማ ይጸድቀሉ።

እቶም ሕፁያት ኮይኖም ዝቐረቡ፡ ወይዘሮ ሜላትወርቅ ሃይሉን ኣቶ ታደሰ ለማን ነይሮም። ነቶም ክልተ ውልቀሰባት ሓርዩ ናብቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዘቕረበሉ ከኣ ባዕሉ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝወደቦ ምልመላ ኮሚቴ ሕጹያት እዩ።

እቲ ኮሚቴ ን10 መዓልታት ሕጹያት ክቕበል ዝጸንሐ ኰይኑ፡ 56 ሕጹያት ቀሪቦምሉ። ደቂ ኣንስትዮ ከኣ ኣርባዕተ ነይረን።

ወይዘሮ ሜላትወርቅ ኣብ ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ከም ኣፈጻሚት ስራሕ ንክልተ ዓመት ኣገልጊላ ነይራ። ኣቶ ታደሰ ከኣ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ቦርድ መረጻ ጨንፈር ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ እዩ።

ነቲ ቦርድ ዝመርሕ ሓድሽ ሓላፊ ዝተመረጸሉ ምኽንያት፡ እታ ንኣርባዕተ ዓመታት ኣብቲ ሓላፍነት ዝጸንሐት ብርቱካን ሚደቅሳ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ነሓሰ "ጥዕናኣ ብግቡእ ንምክንኻን ናይ ነዊሕ ግዜ ዕረፍቲ ከምዘድልያን" ብምግላጽ ካብ ስልጣና ድሕሪ ምልቃቑ'ዩ ሓዳሽ ኣደ መንበር ተሸይማ ዘላ።

ቅድሚ ሎሚ ዘገልገሉ ሹመኛታት

ብርቱኳን ሚደቅሳ ነቲ ቦርድ ዝመርሐት ራብዐይቲ ሹመኛ ክትኸውን ከላ እታ ሎሚ ዝተሸመት ከኣ ሓምሸይቲ እያ።

  • ኣቶ ከማል በድሪ፡ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ድሕሪ ምጽዳቑ ቀዳማይ ኣቦ መንበር ሃገራዊ ቦርድ መረጻ ኰይኑ ተመዚዙ። ንዓሰርተ ሓደ ዓመት ኣብቲ ቦርድ ኣገልጊሉ።
  • ፕሮፌሰር መርጋ በቃና፡ ኣብ ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ ፕሮፌሰር ዝነበረ ኮይኑ ኣብ 1999 ዓ.ም ንኣቶ ከማል ብምትካእ ተሸይሙ።
  • ሳሚ ዘካሪያ፡ ፕሮፌሰር መርጋ ድሕሪ ዓሰርተ ዓመት ኣቦ መንበርነት እቲ ቦርድ ኣብ 2009 ካብ ስልጣኑ ምስወረደ ፈላመይቲ ጓል ኣንስተይቲ ኣደ መንበር እቲ ቦርድ ብምዃን ናብ ስልጣን ደይባ።
  • ብርቱኳን ሚደቅሳ፡ ዕድመ ስልጣን ሳምያ ዘካርያ ልዕሊ ሓደ ዓመት ኣይጸንሐን። ኣብ 2011 ዓ.ም ፖለቲከኛ ነበር በርቱካን ሚደቅሳ ነቲ ኣደ መንበርነት ተረኪባቶ።