ሩስያ ናብ ዓበይቲ ከተማታት ዩክረይን ልዕሊ 120 ሚሳኤላት ቶኲሳ

ባንዴራ ዩክሬይን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሩስያ ካብ ባሕርን ካብ ኣየርን ናብ ዓበይቲ ከተማታት ዩክረይን ልዕሊ 120 ሚሳኤላት ቶኲሳ።

ኣማኻሪ ፕረዚደንት ዩክረይን ምይካልዮ ፖዶልያክ፡ ሩስያ ልዕሊ 120 ሚሳኤላት ናብተን ሰብ ብጻዕቒ ዝነብረለን ከተማታት ከም ዝተኰሰት ገሊጹ።

ክሳብ ሕጂ ብዝተገበረ ዳህሳስ ጓል 14 ዓመት ትርከቦብ ብውሕዱ ሰለስት ሰባት ከም ዝተቐተሉ ካልኦት ህሩማት ናብ ኣብያተ ሕክምና ከም ዝተወሰዱ’ውን ተገሊጹ።

እቲ ደብዳብ ኣብ ከተማታት ከይቭ፡ካርኪቭ፡ ኦዴሳ፡ ልቪቭን ዘይቶምይረ’ዩ ተፈጺሙ።

ኣመሓዳሪ ናይታ ኣብ ደቡብ ዩክረይን እትርከብ ዞባ ኦደሳ ማክይስም ማረቸንኮ “ኣብ ልዕሊ ዩክረይን እዚ ዘይብሃል ደብዳብ’ዩ ተፈጺሙ” ኢሉ።

ሓይሊ ኣየር ዩክረይን “እቲ መጥቃዕቲ ካብ ዝተፈላለየ ኣንፈታት ካብ ኣየርን ካብ ባሕርን’ዩ ተፈጺሙ” ዝብል መግለጺ ሂቡ።

መግለጺ ሓይሊ ኣየር ዩክረይን ብምስዓብ ኣብቲ መጥቃዕቲ ሓያለ ካሚካዘ ዝተባሃለ ድሮናት ከምዝተሳተፋ’ውን ጠቂሱ።

ሎሚ ሓሙስ ናይ ንግሆ ኣብ ብዙሓት ከተማታት እታ ሃገር ደብደባት ሚሳኤላት ክካየድ ከምዝኾነ ዝሕብር ናይ መጠንቀቕታ ደወል ተሰሚዑ ነይሩ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ኬቭ፡ ክልተ ገዛ ምሉእ ንምሉእ በቲ ደብዳብ ከምዝዓነወ ወተሃደራዊ ምምሕዳር እታ ከተማ ገሊጹ።

ወተሃደራዊ ምምሕዳር እታ ከተማ 16 ሚሳኤላት ብጸረ ሚሳኤል ኣብ ሰማይ እንከሎ ከም ዝበርዓነ’ውን ጠቂሱ።

ኣብ ደቡብ ዩክረይን ኣብ ኣትርከብ ከተማ ምያኮሎቪቭ’ውን ብተመሳሳሎ ሓሙሽተ ምሳኤላት ኣብ ሰማይ እንከሎ ብጸረ ሚሳኤል ከም ዝበርዓነ ኣመሓዳሪ እታ ዞባ ቪታሊ ኪም ገሊጹ።

ኣብ ዞባ ኦዱሳ’ውን ብተመሳሳሊ 21 ሚሳኤላት ኣብ ዕላምኡ ከይበጽሐ እንከሎ ከም ዝበርዓነ ምምሕዳር እታ ዞባ ክሕበር እንከሎ፡ ፍንጭልጫል ናይቲ ኣብ ሰማይ እንከሎ ዝፈሸለ ሚሳኤላት ሓያለ ገዛውቲ’ኳ እንተዓለበ ዝሞተ ሰብ ግን ከምዘየለ ገሊጹ።

ሩስያ ዘወንጨፈቶ ሚሳይል

ምንጪ ስእሊ, KYRYLO TYMOSHENKO

ኣብ ምዕራብ ዩክረይን ኣብ እትርክ ከተማ ለቪቭ’ውን ሚሳኤላት ኣብ ሓያለ ክፋላት እታ ከተማ ጉድኣት ከም ዘውረደ ከንቲባ እታ ከተማ ገሊጹ።

ዕላም ደብዳብ ሩስያ ንትሕተ ቅርጺ ዩክረይን ንምዕናው ከም ዝዀነ’ያ ዩክረይን እትኸስስ።

ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ተደጋጋሚ ናይ ሚሳኤላትን ከበድቲ ብረትን ደብዳበት ከተካይድ ጸኒሓ’ያ።

ከንቲባ ከተማ ለቪቭ ብሰንኪ ደብዳብ ናይ ሚሳኤላት 90 ሚኢታዊት ናይታ ከተማ ብዘይ ቀረብ ኤሌክትሪክ ከም ዝተረፈ ሓቢሩ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ኪቭን ካልኦት ከተማታትን’ውን ብተመሳሳሊ መቁራጽ ቀረብ ኤሌክትሪክን ማይን ኣጋጢሙ ከም ዘሎ ተሓቢሩ።

ወተሃደራዊ ኣመሓዳሪ ከተማ ክረይቪዮ ሪህ “ሚሳኤላት ናይ ሩስያ ኣብ ጸሊም ባሕሪ ካብ ዘለዋ መራኽብን ድሮናትን’ዩ ተፈጺሙ” ኢሉ።