ዕልቕልቕ ሊብያ፡ ብውሕዱ 5300 ሰባት ከምዝሞቱ ተረጋጊጹ

ብጭቃ ዝተደብየት መኪና፡ ደርና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ብሰንኪ'ቲ ኣብ ሊብያ ከተማ ደርና ኣጋጢሙ ዘሎ ዕልቕል ዛጊት ልዕሊ 5000 ሰባት ከምዝሞቱ ተረጋጊጹ'ሎ።

ኣብ ሊብያ ዝርከቡ ትካላት ምድሓን ህይወት፡ ሬሳታት ናይቶም ብሱናሚ ዝመስል ውሕጅ ናብ ባሕሪ ተጸሪጐም ዝተወስዱ ግዳያት ንምውጻእ ይቃለሱ ኣለዉ።

ብውሕዱ 5300 ሰባት ከምዝሞቱ ሰብመዚ ናይታ ኣዝያ ዝተሃስየት ከተማ ደርና ሓቢሮም።

"ማዕበል ባሕሪ ብቐጻሊ ሬሳታት ናብ ገማግም ይጉሕፉ ኣሎ" ክብል ሚኒስተር ናይቲ ምብራቓዊ መንግስቲ ሊብያ ዝኾነ ሒሻም ቺክዋት ተዛሪቡ።

ሬሳታት ናይቶም ብውሕጅ ኣብ ዝተዋሕጠት ኣብ ምብራቓዊ ሊብያ እትርከብ ወደባዊት ከተማ ደርና ዝሞቱ ሰባት ብማሽን ኣብ ዝተዃዓተ መቓብር ብጃምላ ተቐቢሩ።

ሰብመዚን ህዝቢን እቲ በቲ ባህርያዊ ሓደጋ ዝተጸልወ ከባቢታት ተወሳኺ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዝ ክግበረሎም ይምሕጸኑ ኣለዉ።

ኣብ ደርና ብሰንኪ ሓያል ህቦብላ ክልተ ዲጋታትን ኣርባዕተ ድልድላትን ድሕሪ ምፍራሱ መብዛሕትኡ ክፋል እታ ከተማ ጥሒሉ ይርከብ።

ኣስታት 10 ሽሕ ሰባት ደሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎን፡ ማሕበር ቀይሕ ወርሒ ብወገኑ ቍጽሪ ዝሞቱ ዝያዳ ክውስኽ ከምዝኽእል ትጽቢት ይግበር።

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ካብ ግብጺ ገለ ሓገዛት ክመጹ ጀሚሮም'ኳ እንተለዉ፡ ጻዕርታት ምድሓን ህይወት ግን ብሰንኪ ፖለቲካዊ ኵነታት እታ ሃገር ተዓንቂፉ ይርከብ።

እታ ሃገር ኣብ ክልተ ተቐናቐንቲ መንግስታት እያ ተኸፋፊላ ዘላ።

ኣሜሪካ፡ ጀርመን፡ ኢራን፡ ኢጥልያ፡ ቐጠርን ቱርኪን ካብተን ሓገዝ ሰዲደን ወይ ክሰድዳ ድልዋት እየን ዝብላ ሃገራት እየን።

ሰንበት ኣብ ድቅድቕ ዝበለ ጸልማት ዝተቐድሐ ቪድዮ፡ ውሕጅ ኣብታ ከተማ እናተሓዋወሰ፡ መካይን ሰብን ድማ በቲ ውሕጅ ረዳኢ ስኢኖም ክሽገሩ የርኢ።

ሰባት ናብ ባሕሪ ተጸሪጐም ክውሰዱ እንከለዉ፡ ካልኦት ህወቶም ንኸድሕኑ ኣብ ናሕሲ ተንጢሎም ዝተረፉ ዘሕዝን ዛንታታት እውን ኣሎ።

"በቲ ዝረኣኽዎ ሰንቢደ፡ ከም ሱናሚ'ዩ" ክብል እቲ ኣብ ምብራቓዊ ሸነኽ እታ ሃገር ዝመደበሩ መንግስቲ ሊብያ ገሊጹ።

ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብሰንኪ ምፍራስ ሓደ ካብተን ብደቡብ ከተማ ደርና ዝርከባ ግድባት፡ ሰፊሕ ክፋል እታ ከተማ ናብ ባሕሪ ተጎዲቲቱ ከምዝኣተወ ሓቢሩ።

"ሓደ ሰፊሕ ከባቢ ዓንዩ፣ ብዝሒ ግዳያት ኣሎ፡ እዚ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰዓት እናወሰኸ ይኸይድ ኣሎ።"

ኣብ ከተማ ባይዳ ዝሰርሕ ሰራሕተኛ ረድኤት ቃሲም ኣል-ቃታ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ መብዛሕትኦም ናብታ ከተማ ዝኣትዉ ቀንዲ መገድታት "ብሰንኪ ከቢድ ዕንወት ካብ ኣገልግሎት ወጻኢ" ብምዃኖም፡ ረድኤት ዝህቡ ሰባት ናብ ደርና ንምብጻሕ ኣጸጋሚ ኰይኑ ከምዘሎ ገሊጹ።

እቲ ውሕጅ ስለምንታይ ከምዚ ዝበለ ከቢድ ዕንወት ከስዕብ ከምዝኸኣለ ምጽራይ ተጀሚሩ’ሎ። ነታ ከተማ ዳግም ንምህናጽ (412 ሚልዮን ፓውንድ፤ 515 ሚልዮን ዶላር) ባጀት ተሰሊዑ’ሎ።

ከተማታት ሱሳ፡ ኣልማርጅን ሚስራታን እውን በቲ ናይ ሰንበት ህቦብላ ዓንየን ኣለዋ።

ዕልቕልቕ ሊብያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

ምስ በዓልቲ ቤቱን ንእሽቶ ጓሉን ብህይወት ዝተረፈ ራጃ ሳሲ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብ መጀመርታ ብርቱዕ ዝናብ ጥራይ እዩ መሲሉና ነይሩ፡ ፍርቂ ለይቲ ግን ዓቢ ነትጉ ሰሚዕና፡ እቲ ዲጋ ፈሪሱ’ዩ" ኢሉ።

ኣብ ቱኒዝያ እትነብር ሊብያዊት ጋዜጠኛ ኖራ ኣልጀርቢ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ኵሎም ኣብ ደርና ኣብ ሓደ ህንጻ ዝነብሩ ኣስታት 35 ኣዝማዳ ብህይወት ከምዘለዉ ፈሊጣ’ላ።

"እቲ ህንጻ ዓንዩ፡ ስድራይ ግን ነገራት ከይገደዱ ክወጹ ክኢሎም። ሕጂ ኣብ ውሑስ ቦታ ኣለው" ትብል።

ኣብ ከተማ ደርና ጽሩይ ዝስተ ማይን ሕጽረት ናውቲ ሕክምናን ኣጋጢሙ’ሎ።

እቲ ኣብ ደርና ዝሰርሕ ዘሎ እንኮ ሆስፒታል ድሕሪ ሕጂ ሕሙማት ክቕበል ከምዘይክእልን፡ "ኣብቲ ሆስፒታል ልዕሊ 700 ሬሳታት ኣለዉ" ክብል ቃሲም ንቢቢሲ ሓቢሩ።

እታ ብነዳዲ ሃብታም ዝኾነት ሰሜን ኣፍሪቃዊት ሃገር፡ መራሒኣ ዝነበረ ኮሎኔል ሙዓመር ገዳፊ ኣብ 2011 ብሓይልታት ኔቶ ካብ ስልጣኑ ካብ ዝእለ ንደሓር፡ ኣብ ዓሚቝ ዕግርግርን ምፍሳስ ደምን ተሸሚማ ትርከብ።

እዚ ፖለቲካዊ ቅልውላው ድማ ንጻዕርታት ህይወት ኣድሕን ይዕንቅፍ ከምዘሎ ተገሊጹ’ሎ።

ሊብያ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ሊብያዊ ጋዜጠኛ ዓብደልቓደር ኣሳድ "ክንሕግዝ ዝብሉ ወገናት ኣለው እቲ ሓገዝ ግን ኣይመጽአን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ጕጅለታት ምድሓን ህይወት የለዋን፡ ኣብ ሊብያ ዝሰልጠኑ ረድኤት ዝህቡ የለዉን። ኣብ ዝሓለፈ 12 ዓመታት ኵሉ ነገር ብዛዕባ ኲናት እዩ ነይሩ።"

መንግስቲ ትሪፖሊ 14 ቶን ዝምዘን ናውቲ ሕክምና፣ ልዕሊ 80 ሓካይምን ፓራሜዲክስን ዝሓዘት ነፋሪት ሰዲዱ ኣሎ።

ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፕሮግራም መግቢ ዓለም ምክትል ዳይረክተር ህጹጽ ኵነታት ብራያን ላንደር፡ እቲ ትካል ን5 ሽሕ ስድራቤታት ዝኸውን ቀረብ መግቢ ከምዘለዎ ገሊጹ።

ካብ ቤንጋዚ ንምብራቕ ኣስታት 250 ኪ.ሜ ርሒቓ ኣብ ገማግም ባሕሪ እትርከብ ደርና፡ ብልሙዕ ጐቦታት ዞባ ጃባል ኣኽዳር ዝተኸበበት እያ።

እታ ከተማ ድሕሪ ወድቀት ጋዳፊ፡ ሓደ እዋን ዕጡቓት ዳዕሽ ዝዓስከሩላ እያ ነይራ።

ድሕሪ ገለ ዓመታት ግን ብሓይልታት ጀነራል ኸሊፋ ሓፍታር ካብቲ ቦታ ተባሪሮም።

እቲ ጀነራል፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ብሰንኪ እቲ ውሕጅ ዝወረደ ጉድኣት ይግምግሙ ከምዘለዉን፡ እዚ ድማ ጽርግያታት ዳግማይ ክህነጹን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ናብ ንቡር ክምለስን ጻዕርታት ይገብር ከምዘሎ ገሊጹ’ሎ።

ሊብያ

ምንጪ ስእሊ, AFP