ሕዝቦላህ፡ እስራኤልን ኢራንን ሕጂኸ እንታይ ክገብሩ ይኽእሉ?

መራሒ ነዊሕ-እዋን ሕዝቦላህ ሓሰን ናስራላህ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ቅንፀላ መራሒ ነዊሕ-እዋን ሕዝቦላህ ሓሰን ነስራላህ፡ ነቲ ኵነታት ኣዝዩ ከጋድዶ ይኽእል እዩ።

ነቲ ዞባ፡ ናብ ኣዝዩ ዝሰፍሐን ዝገደደን ግጭት ኣምሪሑ፡ ንኽልቲአን ኢራንን ኣመሪካን ጐቲቱ ዘምጽእ ክኸውን ይኽእል።

እዚ ብዓቢኡ፡ ኣብ ሰለስተ መሰረታዊ ሕቶታት እዩ ዝምርኰስ።

ሕዝቦላህ እንታይ ክገብር ይኽእል?

ሕዝቦላህ ተደራራቢ ክሳራታት የጋጥሞ ኣሎ።

መሓውር መሪሕነቱ ተዳኺሙ፤ ዛጊት ልዕሊ ደርዘን ዝዀኑ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ተቐንጺሎም ኣለዉ።

ብዘሰንብድ ምፍንጃር ፔጀርን ዎኪ ቶኪን መሳርሒ መራኸቢታቱ ዓንዩ፤ብዙሕ ኣጽዋራቱ ድማ ብደብዳብ ነፈርቲ ዓንዮም።

ኣብ ኣመሪካ ዝመደበሩ ተንታኒ ጸጥታ ማእከላይ ምብራቕ መሓመድ ኣልባሻ፡ "ሓሰን ነስራላህ ምስኣን ርኡይ ጽልዋ ክህልዎ'ዩ፤ እዚ ድማ ነቲ ጕጅለ ዘይምርግጋእ ከስዕበሉን፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ፖለቲካውን ወተሃደራውን ስትራተጂታቱ ክቕይርን ክግደድ ይኽእል እዩ" ይብል።

እንተዀነ እዚ ኵሉ ዀይኑ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ሕሱም ሕራነ ዘለዎ ጕጅለ፡ ሃንደበት ተስፋ-ቈሪጹ፡ ንሰላም ኢዱ ክህብ እዩ ማለት ዘበት እዩ።

ብዙሓት ተዋጋእቲ እቲ ጕጅለ ኣብ ኲናት ሶርያ ዝተሳተፉ ገዳይም ተጋደልቲ ኰይኖም ሕነ ክፈድዩ ይጠልቡ ኣለዉ።

ሕጂ’ውን ዓበይቲ ሚሳይላት ኣለዉዎ፤ ብዙሓት ካብኣቶም ነዊሕ ርሕቀት ዝጓዓዙን ልክዕ-ዒላማ ክሃርሙ ዝኽእሉን ኰይኖም፡ ናብ ተልኣቪቭን ካልኦት ዓበይቲ ከተማታት እስኤልን ክበጽሑ ዝኽእሉ እዮም።

እዞም ኣጽዋር ከይበርዐኑ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ክጥቀመሎም ኣብ ውሽጢ እቲ ጕጅለ ጸቕጢ ኣሎ።

እንተድኣ ገይሮምዎ ግን፡ ንምክልኻል ኣየር እስራኤል ሓሊፉ፡ መቐትልንቲ ሰለማውያን ጃምላዊ መጥቃዕቲ ክስዕብ ይኽእል እዩ።

ሽዑ እስራኤል እትህቦ ምላሽ ዝገደደ ኣዕናዊ ክኸውን ዝኽእል እዩ፤ ኣብ ትሕተ-ቅርጺ-ሊባኖስ ዕንወት ከስዕብ፡ ወይ’ውን እቲ ግጭት ክሳብ ኢራን ክዝርጋሕ ተኽእሎ ኣሎ።

ኢራን ከ እንታይ ክትገብር እያ?

እዚ ቅንጸላ፡ ማዕረ ንሕዝቦላህ ንኢራን ከቢድ ጽፍዒት እዩ። ኣብታ ሃገር ሓሙሽተ መዓልቲ ሓዘን ተኣዊጁ ኣሎ።

መራሒኣ ኣያቶላህ ዓሊ ኻመኒይ ምሕባእ ሓዊሱ፡ ህጹጽ ቅድመ-ጥንቃቐታት ወሲዳ ኣላ።

ኢራን ነቲ ኣብ ሓምለ ኣብ ልዕሊ ፖለቲካዊ መራሒ ሓማስ እስማዒል ሃኒየ ኣብ ቴህራን ኣብ ዝርከብ መዕረፊ ኣጋይሽ ዝተፈጸመ ‘መሕፈሪ’ ቅትለት ክሳብ ሕጂ ሕነ ክትፈዲ ኣይከኣለትን።

እዚ ሕጂ ዘጋጠመ፡ ኣብ መርበብ-ኢራን ዝርከቡ ሕሉፋት ጕጅለታት ገለ ዓይነት ምላሽ ከስተንትኑ ክገብሮም እዩ።

ኢራን ኣብ ከባቢ ማእከላይ ምብራቕ፡ ከቢድ ዕጥቂ ዝዓጠቑ ምልሻታት ኣለዉዋ፡ "ኣክሲስ ኦፍ ረዚስታንስ" ብዝብል እዮም ዝፍለጡ።

ልክዕ ከም ሕዝቦላህ፡ ኣብ የመን ሑቲ፡ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ድማ ብርክት ዝበሉ ጕጅለታት ኣለዉዋ።

ኢራን ነዞም ጕጅለታት ኣብ ልዕሊ መደበራት እስራኤልን ኣመሪካን ኣብቲ ዞባ ዝፍጽምዎ መጥቃዕቲ ክፍንው ክትእዝዝ ትኽእል እያ።

ኢራን እትወስዶ ምላሽ ብዘየገድስ፡ ክትዕወት ተስፋ ካብ ዘይትገብረሉ ምሉእ- ኲናት ካብ ምእታው ክትጥንቀቕን፡ ሓጺር ክኸውን ክትዕቅኖን ክትግደድ እዩ።

እስራኤል እንታይ ክትገብር እያ?

ቅድሚ’ዚ ቅንጸላ’ዚ ዝጠራጠር ሰብ እንተነይሩ፡ ሕጂ ክዉን ኰይኑ ኣሎ።

እስራኤል ነታ ናይ ቀረባ መሓዛኣ ኣመሪካ እትርከበን፡ ብ12 ሃገራት ዝቐረበ ን21 መዓልታት ዝጸንሕ ተዅሲ ደው ምባል፡ ወተሃደራዊ ወፍሪ ደው ከተብል ሓሳብ ከምዘይብላ ብንጹር ይርአ ኣሎ።

ሕዝቦላህ ኣብ ድሕሪት እግሮም ኣሎ፤ ስለዚ ስግኣት ናይቶም ሚሳይላት ክሳብ ዝእለ ካብ ምጥቃዕ ድሕር ኣይትብልን።

እስራኤል ኣብ መሬት ሰራዊት ከይሰደደት፡ ስግኣት መጥቃዕቲ ሕዝቦላህ ንምእላይ ዝሓሰበቶ ውጥን ከመይ ከምዝኸውን ንምርኣዩ ኣጸጋሚ እዩ።

ሓይልታት ምክልኻል እስራኤል፡ ነዚ ዝዓለመ ከምዝዀነ ንጹር ዝመስል፡ ኣብ ጥቓ ዶብ ዝገብሮ ዝነበረ ናይ ኣጋር ሰራዊት ልምምድ ተንቀሳቓሲ ስእሊ ዘርጊሑ ኣሎ።

ሕዝቦላህ ግን ኣብዘን ዝሓለፋ 18 ዓመታት፡ ድሕሪ ምዝዛም እቲ ዝሓለፈ ኲናት፡ ነቲ ዝቕጽል ኲናት ንምምካት ኣብ ልምምድ እዩ ኣሕሊፉዎ።

ነስረላህ፡ ቅድሚ ሞቱ ንሰዓብቱ ኣብ ዘስመዖ ናይ መወዳእታ ህዝባዊ መደረ፡ እስራኤል ናብ ደቡብ ሊባኖስ እንተደኣ ኣትያ፡ "ታሪኻዊ ዕድል ክኸውን'ዩ" ኢሉ።

ንሰራዊት ምክልኻል እስራኤል፡ ናብ ሊባኖስ ምእታው ብተዛማዲ ቀሊል ምኾነ። ምውጻእ ግን ቀሊል ኣይኰነን፤ ከምቲ ኣብ ቓዛ ዝዀነ- ኣዋርሕ ክወስድ ይኽእል እዩ።