ተካትዕ ዘላ፡ ምስ ኣዲኣን ሓፍታን ዝተሰጐጐት ጓል ክልተ ዓመት ኣመሪካዊት ህፃን

ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝምለስ ንነዘ ሰነድ ዘይተረኸቦም ኣሽሓት ስደተኛታት ተኣሲሮም ኣለዉ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ምምሕዳር ትራምፕ ስደተኛታት ንምስጓግ ኣብ ዝገብሮ ዘሎ ጻዕሪ፡ ሓንቲ ጓል ክልተ ዓመት ኣመሪካዊት ዜጋ ምስ ኣዲኣን ጓል 11 ዓመት ሓፍታን ብዘይ ግቡእ መስርሕ ናብ ሆንዱራስ ተሰጕጓ ክትከውን ከምእትኽእል ዳኛ ገሊጹ።

ዳኛ ቴሪ ዶውቲ ቤት ፍርዲ ኣብ ዘቕረቦ ቅሬታ፡ እታ ቪኤምኤል ብዝብል መጸውዒ እትለለ ህጻን "ኣግባብ ብዘይብሉ መስርሕ" ከምዝተሰጎገት "ሓያሎ ጥርጣረ" ከምዘሎ ገሊጹ።

እታ ኣብ ሉዊዚያና ዝተወልደት ህጻንን ኣባላት ስድራቤታን ብ22 ሚያዝያ ኣብ ቤት ጽሕፈት ኢሚግሬሽን ኒው ኦርሊንስ ኣብ ዝነበረ ስሩዕ ቆጸራ ከምዝተታሕዙ እቲ ሰነድ ይሕብር።

ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጸጥታ ኣመሪካ፡ እታ ኣደ ናብ ሆንዱራስ ኣብ ዝተሰጎጎትሉ እዋን ደቃ ሒዛ ክትከይድ ከም ዝደለየት ገሊጹ።

እቲ ዳኛ ምስ ኣደ እታ ህጻን ብቴሌፎን ክዘራረብ ሓቲቱ እኳ እንተነበረ፡ ጠበቓ መንግስቲ ግን "ንሳ ኣብ ሆንዱራስ ስለዝተፈትሐት ከምዘይከኣል" ከምዝተነግሮ ሰነዳት ቤት ፍርዲ ይሕብሩ።

ኩነታት ኢሚግሬሽን ኣደ፣ ኣቦን ሓፍትን እታ ህጻን ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኮነን። እታ ጓል ክልተ ዓመት ቆልዓ ግና ኣመሪካዊት እያ።

"ኣመሪካዊት ዜጋ ምጥራዝ፣ ንምስጓግ ምእሳር ዘይሕጋውን ዘይሕገ መንግስታዊን'ዩ" ኢሉ እቲ ዳኛ።

"መንግስቲ ብዘይግቡእ መስርሕ ዜጋ ኣመሪካ ሰጕጉ ዝብል ጽኑዕ ጥርጣረና ንምጽራይ" ን19 ግንቦት ቆጸራ ቤት ፍርዲ ተዋሂቡ'ሎ።

ተሓጋጋዚት ጸሓፊት ክፍሊ ድሕነት ሃገር ትሪሻ ማክላውሊን ንሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ "እታ ኣደ ነታ ህጻን ምሳኣ ናብ ሆንዱራስ ክትወስዳ ስለዝወሰነት'ዩ" ኢላ።

ወሲኻ ድማ፡ "ወለዲ ምስ ደቆም ክጥረዙ ምድላይ ልሙድ'ዩ" ኢላ።

ኣብ መጀመርታ ናይዚ ሰሙን፡ ኣቦ እታ ጓል'ውን እታ ህጻን ብግዝያውነት ምስ ናይ ኣመሪካ ዜጋ ዝኾነት ንዕልቱ ክትጸንሕ ዘኽእል ሕጋዊ ሕቶ ኣቕሪቡ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ ወኪል ኣኽበርቲ ሕጊ ኢሚግሬሽንን ጉምሩክን ምስ ጠበቓ ስድራቤት ተዘራሪቡ ነቲ ሕቶ ኣይተቐበሎን። እቲ ኣቦ ክወስዳ ክፍትን ይኽእል'ዩ፡ እንተኾነ ግን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ'ውን ክኣቱ ከምዝኽእል ሓቢሩ።

ብተመሳሳሊ ኣብ ፍሎሪዳ፡ ሓንቲ ወዲ ሓደ ዓመት ቆልዓን ኣመሪካዊ ዜጋ ዝኾነ በዓል ቤታን ኩባዊት ኣደ፡ ኣብ ናይ ኢሚግሬሽን ቆጸራ ዝተኣሰሩ ኮይኖም ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ድማ ብነፋሪት ናብ ኩባ ከምዝተመልሱ ጸብጻባት ማዕከናት ዜና ሓቢረን።

እታ ሃይዲ ሳንቸዝ ዝተባህለት ሰበይቲ፡ ነታ ብሕማም እትሳቐ ጓላ ተጥብው ከም ዝነበረት ጠበቓኣ ገሊጹ። ሚስ ሳንቸዝ ገበነኛ ከምዘይነበረት ብምግላጽ ኣብ ኣመሪካ ክትጸንሕ ነይርዋ ክብል ተማጒቱ ኣሎ።

ዶናልድ ትራምፕ ብ20 ጥሪ ናብ ዋይት ሃውስ ካብ ዝምለስ ኣሽሓት ሰነዳት ዘይብሎም ስደተኛታት ተኣሲሮም ኣለዉ።

ትራምፕ ዝኽተሎ ተሪር ፖሊሲታት ኢሚግሬሽን ብርክት ዝበሉ ሕጋዊ መሰናኽላት ኣጋጢምዎም ኣሎ።