ሱዳን፡ ኣብ ሆስፒታል ብዝተፈጸመ 'ዘስካሕክሕ' መጥቃዕቲ ህጻናት ተቐቲሎም

መጥቃዕቲ ዝተፈጸሞ ሆስፒታል

ምንጪ ስእሊ, AFP via Getty Images

ኣብ ሆስፒታል ሱዳን ብዝተፈጸመ "ዘስካሕክሕ" መጥቃዕቲ፡ ዝበዝሑ ህጻናትን ሰብሞያ ጥዕናን ዝኾኑ፡ 40 ሰባት ከም ዝተቐተሉ ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገሊጹ።

እቲ ዳይረክተር ጀነራል ብመገዲ ኤክስ ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ፡ "ኣብ ጽላት ጥዕና ዝፍጸም መጥቃዕቲ ደው ክብል ኣለዎ፤ እዚ ክስመረሉ ዝግባእ እዩ" ኢሉ።

እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ምዕራባዊ ግዝኣት ኮርዶፋን ኣብ ዝርከብ ሆስፒታል ኣል-ሙጅላድ ብቀዳም'ዩ ተፈጺሙ።

ሆስፒታል ኣል-ሙጅላድ እቶም ሳልሳይ ዓመት ኣብ ዘቑጸረ ኵናት ሕድሕድ ሱዳን ተጸሚዶም ዝርከቡ ሰራዊት ሱዳንን ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕን ይዋግእሎም ካብ ዘለዉ ግምባራት፡ ኣብ ቀረባ ርሕቐት እዩ ዝርከብ።

ሰራዊት ዳዕመ ደሪዕ በቲ መጥቃዕቲ ንሰራዊት ሱዳን ክኸሱ እንከለዉ፤ ሰራዊት ሱዳን ግና ዛጊት ዝሃቦ ምላሽ የለን።

ሕቡራት ሃገራት፡ እዚ ደማዊ ኵናት ኣብ ዓለም እቲ ዝሓሰመ ቅልውላው የስዕብ ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ገሊጹ እዩ።

ኣብ ዳርፉር ዝተፈጸመ ምድቃቕ ዓሌት ሓዊሱ፡ በዚ ኵናት፡ ኣብታ ሃገር ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት ተቐቲሎም፤ ሚልዮናት ክመዛበሉ ተገዲዶም ኣለዉ።

ቢቢሲ ዓረብኛ ዝተዓዘቦ መረዳእታ፡ ሰራዊት ሱዳንን ሓይሊታት ዳዕመ ሰሪዕን፡ ኣብ ልዕሊ ትካላት ጥዕናን ሰራሕተኛታትን ገበናት ኵናት ብምፍጻም ከም ዝተኸሰሱ የርእይ።

ኔትዎርክ ዶካትር ሱዳን፡ ኣብ ሙግላድ ዝርከብ ሆስፒታል ኣል-ሙጅላድ፡ ኣብቲ ከባቢ ኣገልግሎት ዝህብ ብሕታዊ ትካል ጥዕና ከም ዝነበረ ኣፍሊጡ።

ኣብ ሱዳን ዝርከብ ቤት ጽሕፈት ውድብ ጥዕና ዓለም፡ በቲ መጥቃዕቲ ካብ መንጐ ዝተቐተሉ ልዕሊ 40 ሰባት እቶም ሽድሽተ ህጻናት፡ ሓሙሽተ ድማ ሰብሞያ ጥዕና ከም ዝኾኑ ኣፍሊጡ።

ብዙሓት ሰባት ከም ዝተጐድኡ'ውን ሓቢሩ።

ብኽልቲኦም ተዋጋእቲ ንዝፍጸሙ ግህሰታት ዝስንድ ጉጅለ ጠበቓታት ድማ፡ እቲ ሆስፒታል ወሳኒ ዝኾነ ሕጽበት ኵሊት (ዲያሊሲስ) ሓዊሱ ካልኦት ኣገልግሎታት ይህብ ከም ዝነበረ ሓቢሩ።

ኔትዎርክ ዶካትር ሱዳንን ጉጅለ ጠበቓታት እዋን ሓደጋን፡ ሰራዊት ሱዳን ነቲ ቀዳም ኣብቲ ሆስፒታል ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ተሓታቲ ምዃኑ ገሊጾም።

ኔትዎርክ ዶካትር ሱዳን፡ ሰራዊት ሱዳን "ኣብ ሆስፒታል ኣል-ሙጅላድ" ንዝዓስከሩ ተዋጋእቲ ሓይልታት ዳዕመ ሰሪዕ ንምቕታል ምፍታኑ፡ ጠንቂ እቲ መጥቃዕቲ ምዃኑ ሓቢሩ።

ሓይሊ ዳዕመ ሰሪዕ፡ ኣብቲ ሆስፒታል ዓስኪሩ ንዝብል ክሲ ዝሃቦ ምላሽ የለን። ሰራዊት ሱዳን'ውን፡ ኣብቲ ብኔትዎርክ ዶካትር ሱዳን ዝቐረበ ክሲ ርኢቶ ኣይሃበን።