ፖሊስ ኣብ ጉዳይ ሞት ማቲው ፔሪ መርመራ ጀሚሩ

ማቲው ፔሪ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ገዛኡ ሞይቱ ከም ዝተረኽበ ይዝከር

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ማቲው ፔሪ፡ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ገዛኡ ሞይቱ ከም ዝተረኽበ ይዝከር

ፖሊስ ሎስ ኣንጅለስ ኣብ ጉዳይ ሞት ህቡብ ተዋሳኣይ ማቲው ፔሪ መርመራ ከም ዝጀመረ ኣፍሊጡ።

ኰኾብ ናይቲ ህቡብ ‘ሲትኮም’ ተሌቪዥን ፍሬንድስ ዝዀነ ፔሪ፡ ኣብ ጥቅምቲ እቲ ዝሓለፈ ዓመት (2023) ብሰንኪ “ሕዱር ሳዕቤናት ኬታሚን” ከም ዝሞተ ሰበ ሞያ ሕክምና ገሊጾም ነይሮም።

እቲ መርመራ፡ ፔሪ ነቲ ኣብ ውሽጢ ሰብነቱ ዝተረኽበ ኬታሚን ዝተባህለ መድሃኒት ብኸመይ ከም ዝረኸቦ ከጻሪ’ዩ።

እቲ ተዋሳኢ፡ ኣብ ሎስ ኣንጅለስ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛኡ ኣብ ዘሎ ገንኢ መሕጸቢ ሰብነት ጥሒሉ ሞይቱ ከም ዝተረኽበ ኣብ ዝተገልጸሉ እዋን፡ ማቲው በዚ ሓደጋ ሞይቱ ክኸውን ከም ዝኽእል ተሓቢሩ ነይሩ።

እቲ መርመራ ክንደይ ዝኣክል ግዜ ከም ዝወስድ ግልጺ ኣይኰነን።

ቤት ጽሕፈት ሕክምናዊ መርማሪ ሌስ ኣንጅለስ ኣብ ታሕሳስ ኣብቲ መርመራ “ኣብ ደሙ ልዑል መጠን ኬታሚን ከም ዝተረኽበ” ገሊጹ ነይሩ።

ላዕለዋይ ምክትል ሕክምናዊ መርማሪ ራፊ ጃቡርያን ወሲኹ፡ ካልኦት ኣብ ሞቱ ኣበርክቶ ዝገበሩ ረቛሒታት፡ ሕማም ሻምብቆታት ደምን ሳዕቤናት ናይቲ ንሕማም ኣጠቓቕማ ኦፒዮይድ ንምፍዋስ ዝውዕል ቡፕረኖርፊንን ምዃኖም ገሊጹ።

“ሃለዋት ኣብ ዘጥፍኣሉ ግዜ ናብቲ ገንኢ ናይ ምጥሓል ዝነበሮ ተኽእሎ ኣበርክቶ ገይሩ’ዩ። ብሰንኪ ምግዳድ ናይቲ ብኬታሚን ዝመጽእ ጽልዋታት ማይኦካርድያ ኣብ ልቢ ዘሕድሮ ጽልዋ ዝስዓበ ሕማም ሻምብቆታት ደም’ውን ንሞቱ ኣበርክቶ ኣለዎ” ይብል።

ኣብ መበል 54 ዓመቱ ድማ ካብዛ ዓለም ተፈልዩ፤ ዓለም ብሞቱ ሰንቢዳን ሓዚናን።

ፔሪ ንዝነበሮ ሕማማት ቃዝኖትን ጭንቀትን ሕክምናዊ ክትትል ዝግበረሉ ናይ ኬታሚን ሕክምናታት ክገብር ጸኒሑ’ዩ።

ኣብ ኣስክሬኑ ዝተገብረ ጸብጻብ፡ ቅድሚ ሞቱ ዘሎ ሰሙንን ፈረቓን ናይ መወዳእታ ሕክምና ኬታሚን ተኣዚዝሉ ከም ዝነበረ ይሕብር።

ፔሪ ኣብ ዝለዓለ ጠርዚ ዝና ዝበጽሐ ተዋሳኢ እኳ እንተዀነ፡ ምስ ወልፊ መዐገሲ ቃንዛን ኣልኮላዊ መስተ ክቃለስ’ዩ ጸኒሑ።

ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ድማ ናብ ክሊኒካት ተሃድሶ (ሪሃብ) ኣትዩ እዩ።

ኣብ 2016 ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ቃለ መጠይቕ፡ ብሰንኪ መስተን ሓሽሽን፡ ኣብ እዋን ፍሬንድስ ዝነበሮ ሰለስተ ዓመታት ከም ዘይዝክሮም ተዛሪቡ ነይሩ።

ማቲው ፔሪ ኣብታ 2022 ዘሕተማ መዘከርታኡ ምስ ወልፊ ዝገበሮ ቃልሲ ብዝርዝር ኣስፊሩ ነይሩ።

ኣብታ ንነብሱ ዘጥፍእ ኣልኮላዊ መስተ ዝሰቲን ሓሽሽ ዝጥቀምን ከም ዝነበረ ዝገለጸላ መጽሓፉ፡ ኣብ መላእ ዕድመኡ ምስ ወልፊ ንዝገበሮ ቃልሲ ብዘይካ ገዛእ ርእሱ ንኻልእ ከም ዘይወቐሰ ይጠቅስ።

ኦፒዮይድ፡ ትራንኲላይዘር፡ ኣልኮላዊ መስተን ሽጋራን፡ ኵሎም ብተደጋጋሚ ኣብ ኣፍደገ ሞት ኣብጺሖምዎ’ዮም።

ማቲው ፔሪ መን እዩ?

ማቲው ላንግፎርድ ፔሪ ብ19 ነሓሰ 1969 ኣብ ዊልያምስታውን ማሳቹሰትስ ተወሊዱ።

ተዋሳኣይ ኣቦኡ ጆን ቤነት ፔሪ፡ ማቲው ገና ዕሸል ኣብ ዝነበረሉ እዋን ምስ ኣደኡ ሱዛን ላንግፎርድ ተፈላልዮም።

ማቲው ምስ ኣደኡ ኣብ ኦታዋ ካናዳ ክነብር ጀሚሩ። ኣብ ከባቢ 15 ዓመት ዕድመኡ ድማ ምስ ኣቦኡ ክነብር ናብ ሎስ ኣንጅለስ ግዒዙ።

መንእሰይ እንከሎ ክልተ ዝንባለ ኣማዕቢሉ - ተኒስ ምጽዋትን ተዋስኦን።

እቲ መንእሰይ ብሉጽ ተጻዋቲ ተኒስ ከም ዘይከውን ድሕሪ ምግንዛቡ፡ ኣሰር ኣቦኡ ተኸቲሉ ኣብ ተዋስኦ ኣተኲሩ።

ይኵን’ምበር ማቲው ክሳዕ ኣብ መፋርቕ 1990ታት ኣብ ‘ፍሬንድስ’ ክዋሳእ ዝጅምር ብዙሕ ተፈላጥነት ኣይረኸበን።

ኣብታ ሲትኮም ተራ ቻንድለር ቢንግ ዝተባህለ ገጸ ባህሪ ሒዙ ምስ ተዋስአ ግን ክሳብ ንሽልማት 'ኤሚ' ምሕጻይ በጺሑ’ዩ።

ኣብታ 10 ዓመት ፊልም ዘለዋ 'ፍሬንድስ' ዘርኣዮ ብቕዓት ስዒቡ፡ ማቲው ፔሪ ዓለምለኻዊ ተፈታውነት ክርከብ ክኢሉ’ዩ።

ብድሕሪ ምስ ሳልማ ሃይክ ኣብ ‘ፉልስ ራሽ ኢን'፡ ምስ ብሩስ ዊሊስ ኣብ ‘ዘ ሆል ናይን ያርድስ’ ከምኡ’ውን ‘ሀ ሆል ቴን ያርድስ’ ተዋሲኡ።