‘ፍሬንድስ’፡ ሞቱ ንዓለም ዘሰንበደ ተዋሳኣይ ማቲው ፔሪ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS
ኣብታ ‘ፍሬንድስ’ ትብል ተኸታታሊት ፊልም፡ ቻንድለር ቢንግ ብዙሕ ዕድል ዘይብሎም ፍቕራዊ ዛንታታት ኣለዎ።
ሓደ ካብዚኦም ድማ ምስታ ሓላፊት ሬቸል ዝዀነት ጆኣና እዩ።
ኣብ ሳልሳይ ክፋል ራብዓይ ዓመተ ፊልም ጆኣና፡ ንቻንድለር ኣብ ቤት ጽሕፈታ ብመቑሕ ኣሲራ ዕርቃኑ ትገድፎ። ሬቸል ከምኡ ኢሉ ክትረኽቦ ነገራት ዝያዳ ዘሕፍር ይዀን።
ቻንድለር ንኽፍታሕ ኣጽኒዑ ክዛረብ ከሎ ብጌጋ ነቲ ዝተኣስረሉ ተመዛዚ ሳጹን ብሓይሊ ይስሕቦ’ሞ እቲ ተመዛዚ ርእሱ ይወቕዖ። እዚ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ ዝበጽሐ መስሓቕ ፍጻመ፡ ኣብቲ ናይ ፊልም ጽሑፍ ዝጠቓለል ኣይነበረን። እንተዀነ ግን ኣዝዩ መስሓቕ ብምዃኑ እቲ ጌጋ ከም ጌጋ ኣይተኣለየን።
ማቲው ፔሪ ንገጸ ባህሪ ቻንድለር ጽቡቕ ገይሩ ስለዝተዋስአ፡ ዋላ ገለ ጌጋታቱ ነቲ ፊልም ፅባቐ ዝሃቡ እዮም ነይሮም።
ካልእ ዘይርሳዕ መስሓቕ ኣጋጣሚ ድማ ኣብ ሓሙሻይ ዓመተ ፊልም ዘጋጥም’ዩ።
ቻንድለር ምስ ሞኒካ ርክብ ከም ዝጀመረ ዝፈልጥ የለን - ገና ሚስጥር’ዩ። ኣብ ሓደ ኣጋጣሚ ቅድሚ ናብ ስራሕ ምኻዱ ኣብ ቅድሚ ሬቸልን ፊቢን ንሞኒካ ይስዕማ። ጌጋ ከም ዝፈጸመ ምስ ተረድአ ብኡንብኡ ንሬቸልን ፊቢን’ውን ስዒምወን ይወጽእ።
ቀንዲ ተዋሳኣይ ናይታ ፊልም ዝነበረ ማቲው፡ ብ28 ጥቅምቲ 2023 ካብዛ ዓለም ተፈልዩ ኣሎ።
ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ዝርከብ ገዝኡ ኣብ ባኞ ሞይቱ ከም ዝተረኸበ ምንጭታት ኣኽበርቲ ሕጊ ንማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ሓቢሮም።
ጠንቂ ሞቱ ክሳዕ ሎሚ ንጹር ኣይኰነን።
ኹሎም ኣድነቕቱን ፈተውቱን መሳርሕቱን፡ ብሃንደበታዊ ሞቱ ሰንቢዶም’ዮም።
ስድራቤት ፔሪ ንመፅሄት 'ፒፕል' ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ "ብዘስካሕክሕ ሞት እንፈትዎ ወድናን ሓውናን ልብና ተሰቢሩ። ማቲው ንዓለም ከም ተዋሳኣይ ይኹን ዓርኪ ብዙሕ ሓጎስ ኣምጺኡላ’ዩ” ብምባል ኣብ ዘይግዚኡ ዘጋጠመ ሞቱ ከም ዘሕዘኖም ገሊጾም።
ኣብ ካናዳ ምስ ፔሪ ኣብ መባእታ ቤት ትምህርቲ ዝተማህረ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ጃስቲን ትሩዶ፡ "ሞት ማቲው ፔሪ ዘሰንብድን ዘሕዝንን'ዩ። ናይ ቤት ትምህርቲ ጸወታታትና ፈጺመ ኣይርስዖምን፡ ኣብ መላእ ዓለም ዘለዉ ሰባት ድማ ነቲ ዘምጽኦ ሓጎስ ፈጺሞም ከም ዘይርስዕዎ እፈልጥ እየ። ሰሓቕ ስለዝሃብካና ነመስግነካ። ማቴዎስ ነፍቅረካ ነይርና - ክንናፍቐካ ኢና" ክብል ኣብ ኤክስ ጽሒፉ።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ኣብ ‘ፍሬንድስ’ ምስኡ ዝተዋስኡ ጀኒፈር ኣኒስተን፣ ኮርተኒ ኮክስ፣ ሊዛ ኩድሮው፣ ማት ለብላንክን ዴቪድ ሽዊመርን ሓባራዊ መግለጺ ኣውጺኦም።
“ኩላትና ብሰንኪ ሞት ማቲው ኣዚና ኢና ተሃሲና። ካብ መሳርሕቲ ንላዕሊ ኢና ነይርና። ስድራቤት ኢና" ኢሎም።
ወግዓዊ ማሕበራዊ መራኸቢ ‘ፍሬንድስ’ እውን "ኣዚና ሓዚና ኣለና። ንኹላትና ሓቀኛ ህያብ እዩ ነይሩ። ንስድርኡ፡ ንእትፈትዎም ሰባትን... ኩሎም ደገፍቱን ምጽንዕናዕ ንምነ" ክብል ሓዘኑ ገሊጹ።
ብ28 ጥቅምቲ ኣብ ላስ ቬጋስ ኮንሰርታ ተቕርብ ዝነበረት ኣደሌ፡ ሞት ፔሪ ምስ ሰምዐት ነቲ ኮንሰርት ኣቋሪጻ ሓዘና ገሊጻ።
“ተራኺብና ኣንይፈልጥን” ዝበለት ኣደሌ፡ “ኣብ ህይወትካ ብዙሕ ዘይትፈልጦ ሓጎስ ዘምጽእ ሰብ'ዩ" ብምባል ነቲ ገጸ ባህሪ ኣብ ምሉእ ህይወታ ከም እትዝክሮ ሓቢራ።
ኣብ "ፉልስ ራሽ ኢን" ምስ ማቲው ዝተዋስአት ሳልማ ሃይክ፡ "ቅድሚ ክልተ መዓልቲ፡ ማቲው ፔሪ ድሕሪ ሕጂ ምሳና ከምዘየለ ዝገልጽ ዘሰንብድ ዜና ሰሚዐ። ነዚ ዓሚቝ ጓሂ ንምቐባል ክልተ መዓልታት ወሲዱለይ" ብምባል ኣብ ኢንስታግራም ጽሒፋ።
ካልኦት ስሙያት ሰባት’ውን ዝተሰመዖም ዓሚቝ ሓዘኖም ገሊጾም’ዮም።
መስሓቕ ባህርዩ ብርግጽ ፍሉጥ ገይርዎ’ዩ፡ ኣብ ህይወት ብዙሓት’ውን ሓጎስ ዘምጽአ ተዋሳኣይ’ዩ ነይሩ። ይኹን’ምበር ብወልፊ ኣልኮላዊ መስተታትን ሓሽሽን፡ እንተላይ ብመቐነሲ ቃንዛ ይሳቐ ስለ ዝነበረ፡ ውልቃዊ ህይወቱ ጸልማት’ዩ ነይሩ ዝብሉ ኣለዉ።
ንምዃኑ እዚ ሞቱ ንዓለም ዘሕዘነ ማቲው ፔሪ መን’ዩ? እንታይ ዓይነት ህይወት እዩኸ ኣሕሊፉ?
ማቲው ፔሪ መን እዩ?
ማቲው ላንግፎርድ ፔሪ ብ19 ነሓሰ 1969 ኣብ ዊልያምስታውን ማሳቹሰትስ ተወሊዱ።
ተዋሳኣይ ኣቡኡ ጆን ቤነት ፔሪ፡ ማቲው ገና ዕሸል ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ምስ ኣዲኡ ሱዛን ላንግፎርድ ተፈላልዮም።
ማቲው ምስ ኣዲኡ ኣብ ኦታዋ ካናዳ ክነብር ጀሚሩ።
ኣዲኡ ሱዛን፡ ጸሓፊት ፕረስ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ነበር ፒየር ትሩዶ ኰይና ኣገልጊላ’ያ።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ማቲው ኣብ ህዝባዊ ቤት ትምህርቲ ሮክክሊፍ ፓርክ ኣብ ዝመሃረሉ እዋን ምስ ተማሃራይ ጃስቲን ትሩዶ፡ ሕጂ ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ዝዀነ ዕርክነት ፈጢሩ።
ማቲው ኣብ ከባቢ 15 ዓመት ዕድሚኡ ምስ ኣቡኡ ክነብር ናብ ሎስ ኣንጀለስ ግዒዙ።
መንእሰይ እንከሎ ክልተ ዝንባለ ኣማዕቢሉ - ቴኒስ ምጽዋትን ተዋስኦን።
እቲ መንእሰይ ብሉጽ ተጻዋቲ ቴኒስ ከም ዘይከውን ድሕሪ ምግንዛቡ፡ ኣሰር ኣቡኡ ተኸቲሉ ኣብ ተዋስኦ ኣተኲሩ።
ይኹን’ምበር ማቲው ክሳዕ ኣብ መፋርቕ 1990ታት ኣብ ‘ፍሬንድስ’ ክዋሳእ ዝጅምር ብዙሕ ተፈላጥነት ኣይረኸበን። ኣብታ ሲትኮም ተራ ቻንድለር ቢንግ ዝተበሃለ ገጸ ባህሪ ሒዙ ምስ ተዋስአ ግን ክሳብ ንሽልማት ኤሚ ዝሕጸ በጺሑ’ዩ።
ኣብታ 10 ዓመት ፊልም ዘለዋ 'ፍሬንድስ' ዘርኣዮ ብቕዓት ስዒቡ፡ ማቲው ፔሪ ዓለምለኻዊ ተፈታውነት ክርከብ ክኢሉ’ዩ።
ብድሕሪ ምስ ሳልማ ሃይክ ኣብ ‘ፉልስ ራሽ ኢን' ፡ ምስ ብሩስ ዊሊስ ኣብ ‘ዘ ሆል ናይን ያርድስ’ ከምኡ’ውን ‘ሀ ሆል ቴን ያርድስ’ ተዋሲኡ።
ኣብ 2004 እውን ንፈለማ ግዚ ከም ዳይረክተር ሰሪሑ’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, ARCHIVE PHOTOS
ቃልሲ ምስ ወልፊ
ማቲው ፔሪ ኣብታ 2022 ዘሕተማ መዘከርታኡ ምስ ወልፊ ዝገበሮ ቃልሲ ብዝርዝር ኣስፊሩ ነይሩ።
ኣብታ ንነብሱ ዘጥፍእ ኣልኮላዊ መስተ ዝሰቲን ሓሽሽ ዝጥቀምን ከም ዝነበረ ዝገለጸላ መጽሓፉ፡ ሕርቃንን ምረት ብዝተመልኦ ድምጺ፡ ኣብ መላእ ዕድሚኡ ምስ ወልፊ ንዝገበሮ ቃልሲ ብዘይካ ገዛእ ርእሱ ንኻልእ ከም ዘይወቐሰ ይጠቅስ።
ኦፒዮይድ፡ ትራንኪላይዘር፡ ኣልኮላዊ መስተን ሽጋራን፡ ኩሎም ብተደጋጋሚ ኣብ ኣፍደገ ሞት ኣብጺሖምዎ’ዮም።
ወልፊ ኹሉ ፍቕራዊ ርክባቱ ከይጸንዕ ገይሩ’ዩ፤ ንነፍሲ ወከፍ ዕርክነቱ ክበላሾ፣ ካብ ወለዱ ክርሕቕ፣ ሞያኡ ክጽሎን፣ ከምኡ'ውን ብናቱ ግምት 9 ሚልዮን ዶላር ከውጽእን ኣገዲድዎ’ዩ።
ንሱ ከም ዝብሎ ንፈለማ እዋን ኣልኮላዊ መስተ ዝጠዓመ ወዲ 14 ዓመት እንከሎ’ዩ። ካብ 18 ዓመት ዕድሚኡ ኣትሒዙ ግን ብቐጻሊ ይሰትይ ነይሩ።
ኣብ 1997 ‘ፉልስ ራሽ ኢን’ ኣብ ዝሰርሐሉ እዋን ወልፊ ሓሽሽ ከም ዝጀመሮ ይገልጽ። ሽዑ ሓደጋ ምስ ኣጋጠሞ ‘ቪኮዲን’ ተኣዚዙሉ። ቪኮዲን ውህደት ኣሰታሚኖፈንን ሃይድሮኮዶንን ዝሓዘ እዩ። ሃይድሮኮዶን ድማ መድሃኒት ቃንዛ ኦፒዮይድ እዩ። ሓደ ሓደ ግዜ ኦፒዮይድ ናርኮቲክ ይበሃል።
ማቲው ብዚ መድሓኒት ኣዝዩ ስለዝተወለፈ፡ ኣብ መዓልቲ 55 ካብተን ከኒናታት ይውሕጥን ከም ዝነበረን ኣብ ሓደ እዋን ክብደቱ ናብ 58 ኪሎ ከም ዝወረደን ተኣሚኑ’ዩ።
ኣብ 1997 ኣብ ሚነሶታ ኣብ ዝርከብ ማእከል ሃዘልደን ን28 መዓልታት ተዓቚቡ ነይሩ።
ኣብ 2000 ድማ ‘ፍሬንድስ’ እናሰርሐ ከሎ ነድሪ ጣፍያ ሓሚሙ ሆስፒታል ኣትዩ።

ምንጪ ስእሊ, GETTY IMAGES
ኣብታ መዘከርታኡ፡ ሓካይም ናይ ምስታይ ጸገም ከም ዘለዎ ምስ ነገሩዎ ይዝክር።
ኣብ ሆስፒታል ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ዲላውዲድ ዝበሃል ንሓንጎል ምስ ቃንዛ ዘለዎ ርክብ ዝቕይር ኦፒዮይድ ተዋሂብዎ።
“እቲ ሓድሽ ዝፈትዎ መድሃኒት እዩ ነይሩ” ክብል ማቲው ይጽሕፍ። “እቲ መድሃኒት ምሃብ እንተዝቕጽሉ ነይሮም ንሚእቲ መዓልቲ ምጸናሕኩ ነይረ” ይብል።
ኣብ 2001 ማቲው ብሰንኪ ወልፊ ቪኮዲን፣ ሜታዶን፣ ኣምፈታሚንን ኣልኮላዊ መስተን ናብ ሕክምና ተሃድሶ ብምእታዉ ኣብ 2002 ዝተጀመረ ቀረጻ እታ ‘ሰርቪንግ ሳራ’ እትብል ፊልም ክናዋሕ ግድን ኰይኑ ነይሩ።
ምሕዋይ ንኽልተ ወርሕን ፈረቓን ድማ ሕክምና ተሃድሶ ኣሕሊፉ።
ኣብ ዘይተገልጸ ማእከል ምሕዋይ ንኽልተ ወርሕን ፈረቓን ኣብ ሕክምና ኣሕሊፉ።
ብድሕሪኡ ኩሉ ነገር ከም ዝነጸረሉን “ንነብሰይ ከድሕን. . . ነቶም ክሕግዙኒ ፍቓደኛታት ዝነበሩ ሰባት” ክድውልን ከም ዘለዎ “ተረዲኡኒ” ይብል።
እንተዀነ ቃልሱ ምስ ቀጸለ’ዩ ነይሩ።
2013 — ፔሪ ገዛ ናብ ልቦና ዝመልኦ መነባብሮ ገዛ ቀይርዎ።
ኣብ 2013፡ ነቲ ኣብ ገማግም ባሕሪ ማሊቡ ዝርከብ ገዝኡ፡ ንወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ዝቃለሱ ደቂ ተባዕትዮ ንምሕጋዝ ክውዕል ገይሩ።
ኣብ 2015 ንዘ ሆሊዉድ ሪፖርተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ "ኣብ ህይወተይ ብዙሕ ላዕልን ታሕትን ኣጋጢሙኒ'ዩ፡ ብዙሕ ድንቂ ናእዳ'ውን ኣጋጢሙኒ'ዩ። እቲ ዝበለጸ ነገር ብዛዕባይ ሓደ ኣልኮላዊ መስተ ዝሰቲ ሰብ ናባይ መጺኡ 'መስተ ከቋርጽ ትሕግዘኒ ዲኻ?’ ክብለኒ ከሎ ኣነ ድማ ‘እወ። ከመይ ጌረ ከምኡ ከም ዝገብር እፈልጥ እየ።’ [ክብል ከለኹ’ዩ]” ይብል።
ወልፊ ንዘለዎም ሰባት ዝገብሮ ሓገዝ ከም ዘሐጉሶ ድማ ገሊጹ።
ኣብ 2018 ኣብ ከስዐን መዓንጣን ምፍልላይ ኣጋጢምዎ፡ ሓካይም ናይ ምድሓን ዕድሉ 2 ሚእታዊት ጥራይ ምዃኑ ከም ዝነገርዎ ይዝክር።
ንክልተ ሰሙን ውንኡ ጠፊኡ ምስ ናይ ምስትንፋስ ማሽን ተተሓሒዙ ነይሩ። ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ድማ ኣብ ሆስፒታል ጸኒሑ።
ን9 ኣዋርሕ ድማ ናይ ኮሎስቶሚ ብመጥባሕቲ ዝቘመ ሰብ-ሰርሖ (ብመዓንጣ ኣቢሉ ንዝመጽእ ብኽነት መግቢ ዝቕይር መጥባሕታዊ መስርሕ) ክጥቀም ተገዲዱ ነይሩ።
ዓወት ኣብ ልዕሊ ወልፊ
ማቲው ካብ መጀመርታ 2021 ጀሚሩ ጥዑይ ህይወት ከም ዝነብር ብምግላጽ፡ ወልፊ ኣልኮላዊ መስተን ሓሽሽን ከም ዝመከተ ይገልጽ።
ኣብ ሕዳር 2022 መዘከርታኡ ቅድሚ ምዝርጋሑ። ንፒፕል ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ "ብህይወት ብምህላወይ የመስግን" ኢሉ ነይሩ።
“ኣዝየ ዘመስግን። ብህይወት ምህላወይ’የ ዘመስግን፡ እዚ ርግጸኛ’ዩ። እዚ ድማ ዝዀነ ነገር ናይ ምግባር ተኽእሎ ይህበኒ” ኢሉ።
ናብ ልቦና ዝገብሮ ዝነበረ ጉዕዞ ከቢድ እኳ እንተነበረ፡ ፔሪ ግን “ብዅሉ መዳይ” ከም ዝሓየለ ገሊጹ እዩ።
“እቲ ኣዝዩ ዝገርመኒ ጽንዓተይ’ዩ። ካብዚ ኩሉ ስቅያትን ዘስካሕክሕን ክምለስ ዝኽኣልኩሉ መንገዲ” ኢሉ ፔሪ። “እቲ ዛንታ ክነግሮ ስለ ዝደለኹ፡ ዋላ’ኳ ኩሉ ምስጢርካ ኣብ መጽሓፍ ክትነግር ቁሩብ ዘፍርሕ እንተዀነ፡ ዋላ ሓንቲ ኣይገደፍኩን። ኩሉ ኣብኡ ኣሎ።”
ኣብ 6000 ኣኼባታት ማህበር ወልፊ ኣልኮላዊ መስተ ከም ዝተሳተፈን 15 ግዜ ናብ ማእከል ተሃድሶ ከም ዝኣተወን ይገልጽ።
ማቲው ፔሪ ታሪኹ “ብተስፋ ዝተመልአ” ምዃኑ’ዩ ዝዛረብ፡ “ብህይወት ስለ ዘለኹ” ይብል።
መወዳእታ
ይኹን’ምበር እቲ ውሩይ፡ ዓለም ዝፈትዎ ተዋሳኣይ ማቲው ፔሪ፡ ኣብ መወዳእታ ኣብ ሎስ ኣንጀለስ ኣብ ዝርከብ ገዝኡ ኣብ ውዑይ ባኞ ጥሕሊ እዩ ተረኺቡ።
ኣብ መበል 54 ዓመቱ ድማ ካብዛ ዓለም ተፈልዩ፤ ዓለም ብሞቱ ሰንቢዱን ሓዚኑን።
ማቲው ብ4 ሕዳር 2023 ብዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ኣብ መካነ መቓብር ሎስ ኣንጀለስ ከም ዝተቐብረ ማዕከናት ዜና ኣሜሪካ ሓቢረን።
ሓሙሽቲኦም መሳርሕቱ ኮኾባት ‘ፍሬንድስ’ ምስ ስድራቤቱ ኣብቲ ስነስርዓት ተሳቲፎም’ዮም።
ጠንቂ ሞቱ ክሳብ ሕጂ ኣይተረጋገጸን። ኣብ ሬሳ ዝተገብረ መርመራ’ውን ገና ኣይተዛዘመን።
ኣብቲ ዝሞተሉ ገዝኡ ዝዀነ ምስ ወልፊ ዝተኣሳሰር ነገር ኣይተረኸበን፤ ብሰንኪ ወልፉ’ዩ ሞይቱ ዝብል ጥርጣረ’ውን ከም ዘየለ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ኣብ ውሽጢ እቲ ገዛ ብሓኪም ዝተኣዘዙ መድሃኒታት ጥራይ’ዮም ተረኺቦም።
በዚ በለ በቲ ቻንድለር ቢንግ ዓለም ዝፈትዎ ገጸ ባህሪ፡ ማቲው ፔሪ ዓለም ዝፈተዎ ተዋሳኣይ፡ ሞቱ ድማ ንዓለም ዘሕዘነ ምዃኑ ኣየካትዕን።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







