'ቅድሚ ኦስካር ምዕዋተይ ኣብ ሽቓቕ ተሓቢአ ነይረ'

ቻርሊ ኣብቲ ሽልማት ኦስካር ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እታ ፊልም ኣብ እትስርሓሉ እዋን "ዘተጻወርዎ" መሳርሕቱ "ተባዓትን ሕያዎትን" ክብል ኣመስጊኑ

ምንጪ ስእሊ, REUTERS/CARLOS BARRIA

መግለጺ ስእሊ, ቻርሊ ኣብቲ ሽልማት ኦስካር ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እታ ፊልም ኣብ እትስርሓሉ እዋን "ዘተጻወርዎ" መሳርሕቱ "ተባዓትን ሕያዎትን" ክብል ኣመስጊኑ

ቻርሊ ማከሲ፡ ውሩይ ብሪጣንያዊ ስነጥበባዊ፡ ሰኣሊን ደራሲን እዩ።

ሽልማት ዝረኸቡ ስርሓቱ፡ ኣብ መላእ ዓለም ኣብ መጻሕፍቲ፡ ናይ ብሕቲ ኣኩባት ስርሓት፡ ኣሳእል ኣደራሽ ቲያትር፡ ኢንተርነት፡ ቲሸርትታት፡ ገበር መጽሔታት፡ ክፍልታት ቤት ትምህርቲ፡ ካፈታት፡ ውሑስ ገዛውቲ ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብያተ ማእሰርቲ፡ ክፍልታት ሆስፒታልን ተዘርጊሖም ይርከቡ።

ብዙሓት ሰባት ድማ ብስርሓቱ ምጽንናዕ ክረኽቡ ክኢሎም እዮም።

ካብ ስነ-ጥበብ ብተወሳኺ፡ ኣብ ዛምብያ ዝርከብ ትሑት ኣታዊ ዘይብሎም ስድራቤታት ሓረስቶት ንህቢ ዝሕግዝ ማሕበራዊ ትካል ብሓባር የካይድ።

ቻርሊ፡ ኣብ መጋቢት እዚ ዓመት ኣብ ዝተኻየደ መበል 95 ዓመታዊ ሽልማት ኣካዳሚ - ኦስካር፡ ኣብ ናቱ ዕዉት መጽሓፍ ህጻናት ተመስሪታ ብዝተሰርሐት ‘ዘ ቦይ፡ ዘ ሞል፡ ዘ ፋክስ ኤንድ ዘ ሆርስ’ ብዘርእስታ ፊልሙ ‘ብልጽቲ ሓጻር ኣኒሜሽን ፊልም' ዝብል ሽልማት ኦስካር ተዓዊቱ እዩ።

ቅድሚ ነዚ ሽልማት ምዕዋቱ ግን፡ 15 ደቓይቕ ኣቐዲሙ ኣብ ሽቓቕ ተሓቢኡ ከም ዝነበረ ተኣሚኑ።

ተዓዋቲ ምዃኑ ቅድሚ ምእዋጁ ዝነበረሉ ኵነታት ኣመልኪቱ ኣብ ኢንስታግራም ዝዘርግሖ መልእኽቲ ድማ ዝያዳ ተፈታዊ ገይርዎ ኣሎ።

እቲ ን1.8 ሚልዮን ተኸታተልቱ ዘቐረቦ መልእኽቲ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ሽቓቕ ተሓቢኡ ኣብ መወልወል ኣፍ (ናፕኪን) ዘስፈሮ ጽሑፉ’ዩ።

‘ሄሎ፡ ኣብ እዋን ሽልማት ኦስካር ዳግማይ ኣብ ሽቓቕ ተሓቢአ ይርከብ’ ይብል እቲ ኣብቲ ናፕኪን ዝሰፈረ ጽሑፍ።

ቻርሊ ን1.8 ሚልዮን ተኸታተልቱ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ኦስካር ቅድሚ ምዕዋቱ ኣብ ሽቓቕ ተሓቢኡ ከም ዝነበረ ይገልጽ

ምንጪ ስእሊ, CHARLIE MACKESY

መግለጺ ስእሊ, ቻርሊ ን1.8 ሚልዮን ተኸታተልቱ ኣብ ዝዘርግሖ መልእኽቲ፡ ኦስካር ቅድሚ ምዕዋቱ ኣብ ሽቓቕ ተሓቢኡ ከም ዝነበረ ይገልጽ

"ናብ መድረኽ ክወጽእ ዝኽእል ኣይመስለንን ነይሩ። ምሉእ ብምሉእ ሰንቢደ። ሓደ ሓደ ግዜ ነቲ ሓወልቲ (ሽልማት ኦስካር) ምርኣይ'ውን ኣይፈቱን'የ፡ ኣብ ገዛይ ብቲሸርት ተጠቕሊሉ እዩ ዘሎ። ውሽጢ ገና ኣይተቐበሎን፤ ዝቕበሎ'ውን ኣይመስለንን" ይብል እቲ ካሜራን እኩብ ህዝቢን ዘጨንቖ ቻርሊ።

ቻርሊ ኣብ ፈስቲቫል ላቲቱድ ኣብ ቅድሚ ኣማኢት ተዓዘብቲ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እታ ፊልም ኣይትፍተውን ኢሉ ፈሪሑ ከም ዝነበረ ተኣሚኑ።

ነቶም ብቐጻሊ እታ መጽሓፍ ክሳብ ክንደይ ትርጕም ከም ዘለዋ ዝገለጹሉ ማእለያ ዘይብሎም ኣድነቕቱ ከየሕፍር ስክፍታ ነይርዎ።

"ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ኢመይላት ይመጸኒ። መዓልታዊ ሓደ ሰብ ክበኪ ይገብረኒ። እዚ ንዓይ እቲ ዝዓበየ ሽልማት'ዩ። ምስ ኣደኦም ሻሂ እናሰተዩ ነታ ፊልም ተዓዚቦምዋ ክዀኑ ይኽእሉ ወይ ድማ ድሕሪ ምርኣዮም ዝተሓቛቘፉ ኣቦን ወድን ይህልዉ። ኣብ ህይወት ዝረኣዩ ንኣሽቱ ነገራት እዮም እቶም ዓበይቲ ነገራት።"

"መዓልታዊ ክበራበር ከለኹ ሎሚ እንታይ ክስእል እየ ኢለ እሓስብ። ኣነ ካልእ ሓቂ ክዛረብ ዝፍትን ሰብ ጥራይ እየ፡" ይብል።