ዕዉታት ሽልማት ኦስካር 'ዚ ዓመት በዓል መን እዮም?

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣብ መበል 95 ሽልማት ኦስካር እዚ ዓመት’ዚ፡ ‘ኤቭሪቲን ኤቭሪወር ኦል ኣት ዋንስ’ [Everything Everywhere All at Once - EEAAO] ዘርእስታ ጅር ‘ሳይንስ ፊክሽን’ ዝዀነት ፊልም፡ ብብሉጽ ስእሊ ከምኡ’ውን ካልኦት ሽዱሽተ ሽልማታት ከም ዝዓተረት ተፈሊጡ።
ዳይረክተራት እዛ ፊልም ዳኒኤል ክዋን ምስ ዳኒኤል ሸነርት ብሓባር፡ ንብሉጽ ዳይሬክተር ፊልም ዝወሃብ ሽልማት ተዓወትቲ ኰይኖም ኣለዉ። ኣብዚ ዓውዲ፡ ስተቨን ስፒልበርግ፡ ብ ፊልም 'ዘ-ፈብልማንስ'፣ ቶድ ፊልድ፡ ብፊልም 'ታር' ካልኣይን ሳልሳይን ተሸለምቲ ኰይኖም ኣለዉ።
ኮኾብ ተዋሳኢት ኤስያዊት ኣሜሪካዊት ሚከል ያኦህ፡ ኣብ ፊልም 'ኤቭሪቲን ኤቭሪወር ኦል ኣት ዋንስ’ ብዘንጸባረቐቶ ብቕዓት፡ ብልጽቲ ተዋሳኢት ተባሂላ ክትሽልመ እንከላ፡ ምስኣ ዝሰርሑ ተዋሳእቲ፡ ኪ ሁይ ኵኣን ሓጋዚ ተዋሳኢ ከምኡ’ውን ጃሚ ሊ ኩርቲስ ሓጋዚት ተዋሳኢት ተባሂሎም ተሸሊሞም።
ኣብ ታሪኽ ሽልማት ኦስካር፡ ቅድሚ ሕጂ ዝዀነት ፊልም ብብሉጽ ስእሊ፡ ብሉጽ ዳይረክተር፡ ከምኡ’ውን ሰለስተ ሽልማታት ተዋስኦ ብሓደ ዝወሰደት የላን።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ተዋሳኢት ሚከል ያኦህ፡ ኣብዚ ብልጽቲ ተዋሳኢት ተባሂላ ዝተሸለመትሉ ምሸት ኣብ ዝሃበቶ ቃል፡ ‘ንዅሎም ነቶም ንኣይ ዝመስሉ ነዚ ጽንብል ዝዕዘቡ ዘለዉ ንኣሽቱ ኣወዳትን ኣዋልድን፡ እዚ ድርኺት ተስፋን ተኽእሎታትን እዩ፡” ኢላ።
ብሉጽ ደጋፊ ቀንዲ ተዋስኣይ ኰይኑ ዝተሸለመ፡ ኪ ሁይ ኵዋን ብወገኑ ንተዓዘብቲ ኣብ ዘስምዖ ቃል፡ “ጕዕዞ [ሂወተይ] ኣብ ጃልባ እዩ ፈሊሙ፤ ሓደ ዓመት ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ኣሕሊፈ፡ ከምኡ እናበልኩ ድማ ኣብ መወዳእታ ኣብዚ ዝዓበየ መድረኽ ሆሊዉድ ዓሊበ፡” ኢሉ።
እቲ ተዋስኣይ፡ ህጻን ኰይኑ ካብ ቬትናም ከም ስደተኛ ናብ ሆንግ ኮንግ ግዒዙ ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ኣሜሪካ።
ጂሚ ሊ ክርቲስ ኣብ 64 ዓመት ዕድመኣ ንፈለማ እዋን ብ ፊልም ኤቭሪቲን ኤቭሪዌር ኦል ኣት ዋንስ ሽልማት ኦስካር ረኺባ። እንተዀነ እታ ተዋሳኢት ንጽንብል ሽልማታት ሓዳስ ኣይኰነትን፡ እዩ ዝበሃለላ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ሎሚ ዓመት፡ በዛ ፊልም ንሽልማት ‘ባፍታ’ ተሓጽያ ነይራ፤ ብተወሳኺ፡ ኣብ 1988 ን ‘ኤ ፊሽ ኮልድ ዋንዳ’፡ ኣብ 1983 ድማ ብ ‘ትሬዲን ፕለይስስ’ ንሽልማት ተሓጽያ ነይራ።
እዛ ተዋሳኢት፡ ካብዚ ሽልማታት ወጻኢ፡ ኣብ 2020 ኣብተን ዘስካሕክሓ ፊልምታት ሃሎዊን፡ ገጸ-ባህሪ 'ላውሪ ስትሮድ' ሒዛ ደሚቓ ተራእያ እያ። ኣብታ ኣብ 1978 ዝፈለመት መበቈላዊት ስራሕ ኣትሒዛ ኣብ ሸውዓተ ካብተንፊልምታት ከም ዝተዋስአት ይፍለጥ።
ብተወሳኺ ኣብታ ኣብ 2019 ዝተሰርሐት ፊልም ናይቭስ ኣውት፡ [Knives Out] ተዋሲኣ፤ ኣብ ርእሲኡ ኣብ 1994 ድማ ኣብ ኣክሽን ፊልም 'ትሩ ላይስ' [True Lies] ምስ ኣርኖልድ ሽዋዚንገር ተዋሲኣ።
ኣብ ወግዓዊ ጽንብል ሽልማት ኦስካር ንፈለማ እዋን ዝተሳተፈ፡ ኣብታ ዕውትቲ ፊልም [Everything Everywhere All at Once - EEAAO] ዝተዋስአ እድሪስ ኢልባ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ዓወት ፊልም ኤቭሪቲን ኤቭሪወር ኦል ኣት ዋንስ፡ ወሳኒ ዝዀነሉ ምኽንያት ኣረዲኡ።
“እቲ ብዙሕነት እታ ፊልም ኣመና ኣገዳሲ እዩ። እዛ ፊልም ብዛዕባ ምድህሳስን ምምርማርን ሓሳባት እያ። ዛንታታት ግጭትን ስቓይን ክንነግር ንኽእል ኢና፤ እዛ ፊልም ግን ጽንብል ቅጅልታ [ስእለ-ኣእምሮ] እያ፡” ኢሉ።
እድሪስ፡ ኣብተን ብሉጻት ሓጸርቲ ኣኒሜሽን ኣብ ዝብል ምድብ ዝተሸለማ ዘ-ቦይ፡ ዘ-ሞል፡ ዘ-ፎክስ ከምኡ’ውን ዘ-ሆርስ ዝተባህላ ካርቱን ፊልምታት ብድምጺ ዝተዋስአ'ውን እዩ።
‘ኣካል ናይ ከምዚ ዝኣመሰለ ዓቢይ ሳይንሳዊ ፊልም ምዃነይ ሓበን ይስምዓኒ፡ ድሕሪ ምባል፡ “ብሓቂ፡ እቲ ዛዕባ ሕያውነትን ደቂ ሰብን ዝዀነ ኣዘናትዋ እዛ ፊልም፡ [ኣብ እዋን ለበዳ ኮቪድ] ንመላእ ዓለም ማሪኹ እዩ፡” ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ብዘይካ’ዚ፡ ብሬንዳን ፍሬዘር ኣብ ‘ዘ ዌል’ ብሉጽ ተዋስኣይ ክዕወት እንከሎ፡ ብቛንቋ ጀርመን ዝፈረየት፡ ጸረ-ኲናት ፊልም ‘ኦል ኳየት ኦን ዘ ወስተርን ፍሮንት’ ዘርእስታ ፊልም ኸኣ፡ ብልጽቲ ኣህጉራዊት ፊልም ዘጠቓልል ኣርባዕተ ሽልማታት ወሲዳ።
ብምውሳእ፡ ተሸለሚ ኦስካር እዚ ዓመት ዝዀነ ተዋስኣይ ብሬንዳን ፍሬዘር፡ ንዓመታት ካብ ዓይኒ ሽልማታት ሆሊዉድ ርሒቝ ድሕሪ ምጽናሕ’ዩ፡ ኣብ ፊልም ዘ ዌል ብዘርኣዮ ብቕዓት ተሸሊሙ፤ ንሱ ብዙሕ ግዜ ሃሲሱ ድሕሪ ምጽናሕ እዩ ድንቂ ብቕዓቱ ኣርእዩ ዘሎ።
እዚ ወዲ 54 ዓመት ንዳይረክተር ናይታ ፊልም፡ "ዳረን ኣሮኖፍስኪ ፈጠራዊ መስመር ህይወት ስለ ዝቐረበለይ ኣዝየ እየ ዘመስግኖ" ኢሉ።
ፍሬዘር ካብ ከምዚ ዝኣመሰለ ድምቀት ቅድሚ ምህሳሱ፡ ዓቢ ኮኾብ ፊልም ዝነበረ ኰይኑ፡ ኣብ ከም በዓል 'ጆርጅ ኦፍ ዘ ጃንግል'፡ ዘ ሙሚ' ዝኣመሰላ ፊልምታት ተዋሲኡ ምንባሩ ይዝከር።
ንሱ ግን ነቲ ኣቐዲሙ ዝረኸቦ ክብሪ ዳግማይ ንምምላስ ኣብ ዝቃለሰሉ ዝነበረ እዋን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ንኣሽቱ ተራታት እናወሰደ ካብ ኣቓልቦ ወጻኢ ኰይኑ ዓመታት ኣሕሊፉ እዩ።
እዚ [ምህሳስ] ድማ፡ ኣብ ፊልም ዘ ዌል ከም ሓደ ልዕሊ ዓቐን ክብደት [ገዚፍ] ኰይኑ ምስታ ዝተፈልየቶ ጓሉ ዝነበሮ ርክብ ክጽግን ዝቃለስ ፕሮፈሰር ገጸባህሪ ሒዙ ብዘርኣዮ ዓቕሙ ተቐይሩ'ሎ።
ፍሬዘር ኣብዛ ፊልም፡ መልክዑ/ቍመናኡ ብሓፈሻ ብጽቡቕ ኣገባብ ፍጹም ተቐይሩ ዝቐረበ ኰይኑ፡ እዛ ፊልም እውን ብዓውዲ ብሉጽ ሜክኣፕን ቅዲ ጸጕርን ተዓዊታ እያ።
ኣብ ሽልማት እዚ ዓመት’ዚ፡ ንብሉጽ ዳይሬክተር ኣብ ዝወሃብ ምድብ፡ ዝተረቝሓ ደቀንስትዮ ዘየለዋ ኰይነን፡ ካናዳዊት ሰራሒት ፊልም ሳራ ፖለይ፡ ብብሉጽ ‘ዝረዓመ ስክሪን ፕለይ’ ብ ፊልም ‘ዉመን ቶኪን’ ተሸሊማ’ላ።

ምንጪ ስእሊ, EPA-EFE/REX/Shutterstock
ህንዲ፡ ኣብታ ምሸት፡ ‘ዘ ኤለፋንት ዊስፐረርስ’ ብእትብል ሓጻር ሰነዳዊት ፊልም ካልኣይቲ ሽልማት ኦስካር ረኺባ'ላ።
እታ ኣብ ደቡባዊ ህንዲ ኣብ ዝርከቡ ኣኽራናት ኒልጊሪ ዝተቐድሐት ፊልም፡ ሓደ ዝተጐድአ ንእሽቶ ሓርማዝ፡ ምስ ኣላይኡ ዘሕልፎ ሂወትን ጥቡቕ ምትእስሳርን ትድህስስ።
እዛ ሰነዳዊት ፊልም፡ ንከም በዓል ‘ስትሬንጀር ኣት ዘ ጌት’ን ‘ሃው ዱ ዩ ሜዠር አ ዪር?’ ዝኣመሰላ ተወዳደርቲ ፊልምታት ረቲዓ እያ ኣብዚ ምድብ ዝተዓወተት ፈላሚት ህንዳዊ ፍርያት ንምዃን በቒዓ ዘላ።
ብዙሓት ህንዳውያን ንሰራሕቲ እዛ ፊልም መጒሶም ኣብ ትዊተር ክጽሕፉ ተራእዮም ኣለዉ።
ዳይረክተር ድማ፡ "ነቲ ሽልማት ንኣደ ሃገር ህንዲ ምውፋዩ" ናእዳ ረኺቡ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







