ድሕሪ ዓሰርተ ዓመታት ዓወታ መዳልያ ኦሎምፒክ ዝተሸለመት ኣትለት፣ ግን ብኸመይ?

ኬንያዊት ኣትሌት ፓሜላ ጀሊሞ

ምንጪ ስእሊ, NOCK media kenya

መግለጺ ስእሊ, ኬንያዊት ኣትሌት ፓሜላ ጀሊሞ

ኬንያዊት ኣትለት ፓሜላ ጀሊሞ፡ ኣብ 2012 ኣብ ለንደን ኣብ ዝተኻየደ ኦሎምፒክ፡ ኣብ 800 ሜትሮ ጉያ ራብዓይቲ እያ ወጺኣ። ድሕሪ 10 ዓመታት ከኣ ነሓስ መዳልያ ተዋሂባ ኣላ።

ራብዐይቲ ወጺኣ ድኣ ናይ ምንታይ ሜዳልያ ዘየብል ኣይኮነን፡ እቲ ዛንታ ከምዚ’ዩ።

እዛ ብ’ኤልዶረት ኤክስፕረስ’ ዝብል ሳጓ ኣትፍለጥ ኬንያዊት ኣትለት፡ ንሳ ራብዐይቲ ኣብ ዝወጽኣትሉ ኦሎምፒክ ለንደን 2012፡ ሩስያዊት ማሪያ ሳቪኖቫ’ያ ቀዳመይቲ ወጺኣ።

እንተዀነ ኣብ 2015 እታ ቀዳመይቲ ዝወጽአት ሩስያዊት ኣትለት ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ከምዝወሰደት ዓለምለኻዊ ኮሚተ ኦሎምፒክ ስለዘረጋገጸ፡ እቲ ሳልሳይ ደረጃን ነሓስ መዳልያን ነታ ኣብቲ ውድድር ራብዓይቲ ኰይና ውድድራ ዝዛዘመት ኬንያዊት ፓሜላ ጀሊሞ ክወሃብ ተወሲኑ።

ፓሜላ ጀሊሞ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓጺር ቃል፡ ተጠቃምነት ሓይሊ ዝህብ መድሃኒት ንስፖርት ሃሳዪ እዩ ኢላ ብምዅናን “ነቶም ነቲ ስፖርት ብቅንዕና ዝርህጽሉ ዘሻቕል’ዩ” ኢላ።

ነታ ድሕሪ 10 ዓመታት ዝተወሃበታ ነሓስ መዳልያ ኦሎምፒክ ለንደን 2012 ኣመልኪታ ኸኣ፡ “እዚ ልክዕ ከም ሕልሚ’ዩ፡ ሓቂ ንምዝራብ ነሓስ መዳልያ ክወሃብ ምዃነይ ምስ ተነገርኩ ኣይኣመንኩን። ዝዀነ ኣትለት እቲ ዝለዓለ ሕልሙ ኣብ ኦሎምፒክ መዳልያ ምዕዋት’ዩ ክኸውን ዝኽእል፤ ኣነ ኸኣ ነዛ መዳልያ ብስድራይ ተዓጂበ ስለዝተቐበልክዋ ናይ ኵሉ ሓጐስ’ዩ ነይሩ” ኢላ።