ኬንያ ስለምንታይ'ያ ሰራዊታ ኣብ ኲናት ኮንጐ ትጽንብር ዘላ?

ወተሃደራት ኬንያ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ኬንያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ሓደ ካብቶም ዝሓየሉ ሰራዊት ኣለዋ

ኣብቲ ካብ ዓለምና ዝነውሐ ቀታሊ ግጭታት ዝካየዶ ቦታ፡ ኣብ መንጎ ወተሃደራት ኮንጎን ብኤም23ን ዝጽውዑ ተቓወምትን ውግእ ድሕሪ ምውልዑ ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ሞይቶም ኣስታት 100,000 ከኣ ካብ ኣባይቶም ሃዲሞም ኣለው።

ኣብዚ እዋን እዚ፡ ሰራዊት ኬንያ ኣብታ ብማዕድን ዝሃብተመት እተፈላለዩ ዕጡቓት ጉጅለታት ዚዋግኡላ ዘለዉ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ፡ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት እታ ሃገር ብምዃን፡ ሰላም ንምንጋስ ናብቲ ውግእ ይጽንበሩ ኣለው።

ጠንቂ እቲ ኲናት እንታይ እዩ?

ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ቅድሚ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ብእተላዕለ ግጭት፡ ልዕሊ ሽዱሽተ ሚልዮን ሰባት ሞይቶም፡ ኣስታት 4.5 ሚልዮን ድማ ካብ ኣባይቶም ተመዛቢሎም።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ኣብ ምብራቕ እታ ሃገር ኣንጻር ልዕሊ 100 ዕጡቓት ጕጅለታት ኣብ ዝተገብረ ውግእ፡ ሰራዊት ዓቃብ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብዙሕ እኳ እንተ ዓየየ፡ እቲ መጥቃዕቲ ግን መሊሱ ብኢሱ እምበር ኣይነከየን።

ኤም23ን ሰራዊት ኮንጎን ንምጅማር እቲ ሕጂ ዘሎ ቅልውላው ንሓድሕዶም እዮም ዝካሰሱ።

እቲ ምስሕሓብ ኣዝዩ እናበርትዐ ስለዝመጽአ ፕረዝደንት ፊሊክስ ቲሺሴኬዲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ መንእሰያት እታ ሃገር ነቲ ሰራዊት ንምሕጋዝ ብረት ኣልዒሎም 'ብንቕሓት ኽዋግኡ’ ጻዊዒት ኣቕሪቡ።

ሳዕቤን እቲ ግጭት ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ጥራይ ኣይተሓጽረን።

ኣብ መንጎ ርዋንዳን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን እውን ዲፕሎማስያዊ ምስሕሓብ ኣኸቲሉ እዩ። ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ጐረቤታ ንዕጡቓት ኤም23 ከም እትድግፍ እያ ትኸስስ። ርዋንዳ ግን ነቲ ክሲ ትነጽጎ።

ከም ሳዕቤኑ ከኣ ደሞክራሲያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ኣብ ሃገራ ንዝነበረ ኣምባሳደር ርዋንዳ ሰጒጋቶ።

ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት እተመስረተ ብ ኤም23 ዝፍለጥ ዕጡቕ ጉጅለ፡ ነቶም ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝነብሩ ተወለድቲ ቱትሲ ካብ ሚሊሻታት ሁቱ ከምዝከላኸለሎም እዩ ዝገልጽ ።

ፕረዚደንት ርዋንዳ ፖል ካጋመ፡ ኣብ 1994 ሕሉፋት ሁቱ ኣብ ልዕሊ ቱትሲ ጃምላዊ ህልቂት ድሕሪ ምፍጻምም፡ መራሒ ናይቲ ኣንጻር ሁቱ ናይ ዝቃለስ ዕጡቕ ጉጅለ ቱትሲ ኮይኑ እዩ ናብ ስልጣን መጺኡ።

ኣብቲ እዋን ኣብ ሩዋንዳ ብዝተላዕለ ዓሌታዊ ግጭት ብኣማኢት ኣሽሓት ዚቝጸሩ ዓሌት ቱትሲ ተቐቲሎም እዮም።

ሓይልታት ፕረዚደንት ካጋመ ንሩዋንዳ ምስ ተቘጻጸሩ ከኣ፡ ብዙሓት ካብቶም ኣብ መንግስታዊ ስልጣን ዝነበሩ፡ በቲ ዝተፈጸመ ገበን ክሕተቱ ዝግብኦም ሰባት ናብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ሃዲሞም።

እታ ሃገር ናብቲ ዞባዊ ጕጅለ ካብ እትጽንበር ሒደት ኣዋርሕ እኳ እንተገበረት፡ መራሕቲ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ፡ ነዚ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ምብራቓዊ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝተወልዐ ኲናትን ንሱ ዘስዓቦ ቅልውላውን ንምህዳእ ሓደ ሓይሊ ኺልእኩ ተሰማሚዖም።

ክንደይ ዝኣክል ሰራዊት እዩ ናብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ክዋፈር?

ብዛዕባ ብዝሒ እቶም ኣብኡ ዝዋፈሩ ወተሃደራት ንጹር ኣሃዝ የለን። ክሳዕ ሕጂ፡ ኣርባዕተ ሃገራት፡ ማለት ኬንያ፡ ዩጋንዳ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ቡሩንዲ ጥራሕ’የን ወተሃደራተን ይልእካ ከም ዘለዋ ዝገለጻ።

ሓደ ሽሕ ሰራዊት ኬንያ ምስ’ቶም ኣብ መጀመርታ ነሓሰ ናብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝኣተዉ ናይ ቡሩንዲ ወተሃደራት፡ ሰላም ንምኽባር ክተሓባበሩ እዮም።

ታንዛንያ ተዋጋእቲ ሰራዊት ክትልእኽ ድያ ኣይክትልእክልን ንጹር ነገር የሎን።

ወተሃደራውያን ሰበ-ስልጣን፡ ጸጥታውን ስልታውን ምኽንያት ከም ዘለዎም ብምጥቃስ ቍጽሪ እቶም ዝለኣኹ ወተሃደራት ክገልጹ ኣይደለዩን።

ኣብዚ እዋን እዚ ወተሃደራት ቡሩንዲ ኣብ ጥቓ ደቡብ ኪቩ ቡካቩ ኣብ ዝርከብ ሉቤዚ ዝበሃል ቦታ እዮም ዓስኪሮም ዘለዉ። እቲ ኬንያዊ ሓያሊ ከኣ ኣብ ሰሜን ኪቩ ኣብ ጥቓ ጎማ ሰፊሩ ንዞባዊ ሓይሊ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ክእዝዝ እዩ ።

ርዋንዳ እውን ኣባል ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ እያ። ይኹን እምበር [ምስ ደሞክራስያዊት ሪፖብሊክ ኮንጎ ብዘለዋ ምስሕሓብ] ኣብቲ ዞባ ምስ ዝሳተፍ ዘሎ ሓይሊ ክትጽንበር ኣይተደልየን።

ሰራዊት ምብራቕ ኣፍሪቃ እንታይ ለውጢ ክገብር’ዩ?

ተቓወምቲ ሓይልታት ኤም23 ኣብ ምብራቓዊ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ንዝርከባ ሓያሎ ከተማታት ሒዞምወን ኣለዉ።

ኣብዚ ቀረባ ሳምንቲ ከኣ ተወሳኺ ቦታታት ይቆጻጸሩ ኣለው። ሰራዊት ምብራቕ ኣፍሪቃ ከኣ ኣብተን ቅልውላው ዘለወን ሰለስተ ኣውራጃታት፡ ማለት ኣብ ሰሜን ኪቩ፡ ደቡብ ኪቩን ኢቱሪን ክህሉ እዩ፤ ግን ንሱ ጥራይ ኣይኰነን ኣብቲ ቦታ ዝዋጋእ ሓይሊ።

ነፍሲ ወከፍ ክፍልታት እተፈላለየ ተልእኾ ክህልዎ እዩ። ወተሃደራት ኬንያ ድሮ ሰራዊት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝርከበሉ ሰሜናዊ ኪቩ ንዝርከቡ ተቓወምቲ ከተኵሩ እዮም።

ሰራዊት ዩጋንዳ ነቲ ኣብ ሰሜን ኪቩን ኢቱሪን ዝርከብ ምስ እስላማዊ መንግስቲ ምትእስሳር ዘለዎ ጥሙር ደሞክራስያዊ ሓይልታት ክገጥሙ እዮም። ጥሙር ደሞክራስያዊ ሓይልታት ኣብ ዩጋንዳ መጥቃዕትታት ክፍጽም ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ።

ኣብ ደቡብ ኪቩ ዝሰፈሩ ሰራዊት ቡሩንዲ ምስ ሚሊሻ ታባራ ክዋግኡ እዮም። ሓይልታት ደቡብ ሱዳን ከኣ ምስ ተረፍ ሎርድ ሬዚስታንስ ኣርሚ ክዋግኡ እዮም።

ካብ መንበሪኦም ዝተመዛበሉ ደቂ ኮንጎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ህዝቢ ካብቲ ኲናት ብምህዳም ናብ ከባቢ ዶባት ክኸይድ ጸኒሑ ኣሎ

ሓይሊ ምብራቕ ኣፍሪቃ ካብ ተልእኾ ሕቡራት ሃገራት ብምንታይ ይፍለ?

ሓይሊ ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንዕጡቓት ጉጅለታት ዕላማ ዝገበረ ምዃኑ ብንጹር ተገሊጹ ኣሎ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት ካብ 2000 ኣትሒዙ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዓቃብ ሰላም ሰራዊት ብምስፋር ንሰላማውያን ሰባት ኣብ ምዕቋብን ንሰራዊት ኮንጎ ኣብ ምድጋፍን ጥራይ እዩ ተሓጺሩ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ ደሓር፡ ኣብቲ ዞባ ንዚንቀሳቐሱ ዕጡቓት ጕጅለታት ዝዓለመ መጥቃዕቲ ክፍጽም ሓላፍነት ዘለዎ ሰራዊት ክፍጠር ፈቒዱ።

ሰባት ካብቲ ውግእ ፈሪሖም ናብ ከባቢ ዶብ ይሃድሙ ኣለው።

እቲ ናይ ጣልቃ ብርጌድ ዝበሃል፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃን ታንዛንያን ማላዊን ዝተዋጽአ ሰራዊት እዩ።

ብዙሓት ደቂ ኮንጎ ግና ነቲ ሞኑስኮ ተባሂሉ ዝጽዋዕ 13,000 ዝበጽሕ ሰራዊት ሕቡራት ሃገራት ካብቶም ተቓወምቲ ክከላኸለሎም ብዘይምኽኣሉ ብትሪ ይነቕፉዎ።

ኣብ መጀመርታ ናይዛ ዓመት፡ ተቓዋሚ ጉጅለ ኤም23 እናሓየለ ድሕሪ ምምጽኡ፡ ኣብ ልዕሊ ው.ሕ.ሃ. ተቓውሞታት ይቕጽል ኣሎ።

ተንተንቲ ጸጥታ፡ እቲ ኩነታት ክሃድእ እንተኸይኑ፡ ሓይልታት ጸጥታ ምብራቕ ኣፍሪቃን ሞኑስኮን ሓቢሮምን ተወሃሂዶምን ክሰርሑ ከምዘለዎም ይገልጹ።

ኬንያ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እንታይ እዩ ዘገድሳ?

ኬንያ ኣብ መንጎ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን እቶም ተቓወምትን፡ ዘላቒ ሰላም ኣብ ምስፋን እጃማ ኣበርኪታ እያ።

ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ወርሒ መጋቢት እያ ናብ ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተጸንቢራ።

ሽዑ ኣብቲ መስርሕ ቀንዲ ተራ ዝተጻወተ ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፡ ነቲ ዝርርብ ሰላም ንምቅልጣፍን ነቲ ክልቲኦም ወገናት ኣብ ናይሮቢ እተሰማምዑሉ ስምምዕ ሰላም ኣብ ግብሪ ንምውዓልን ከሳልጥ ተመዚዙ ኣሎ።

ተንተንቲ ምክልኻልን ጸጥታን ግና፡ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ እቲ ሓላፍነት በቲ ሕጂ ንፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ዝተክአ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ክተሓዝ ትደልይ ምንባራ ይዛረቡ።

ኬንያ፡ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ምዕቡል ቁጠባ ዘለዋ ሃገር ብምዃና፡ ኣብ ብምሉኡ እቲ ዞባ ብንግድን ወፍርን ንግዳዊ ዝምድናኣ ከተስፍሕ ትጽዕር ኣላ።

ስለምንታይ እዩ ምብራቓዊ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘይተረጋግአ?

ምብራቓዊ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ፍሉይ ተፈጥሮኣዊ ሃብቲ ማዕድናት እዩ ዘለዎ። ኣብቲ ንልዕሊ ሰለስተ ዓሰርተ ዓመታት ዝጸንሐ ዕጥቃዊ ግጭት ከኣ ማዕድናት ዓቢ ተራ ነይሩዎም።

ሓያሎ ተቓወምቲ ጕጅለታት ነቲ ዞባ ንምቁጽጻር ዝደልዩሉ ቀንዲ ምኽንያት ከኣ፡ ከም ቲን ፡ ታንግስተን፡ ታንታሉን ወርቅን ዝኣመሰለ ማዕድናት ንምምዝማዝ እዩ።

ፕረዚደንት ቲሺሰከዲ፡ ርዋንዳ ኣብቲ ዞባ ንዘሎ ማዕድናት ንምዕናው ነቲ ሰላም እቲ ኸባቢ ትዘርጎ ከምዘላ እዩ ዝገልጽ።

ርዋንዳ ግና ኣብ ዘይምርግጋእ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝዀነ ይኹን ግደ ከም ዘይብላ እያ ትገልጽ።

ይኹን እምበር፡ ብ1990 ነቲ ብዕጡቓት ሚሊሻታት ሁቱ ዝግበር መጥቃዕትታት ደው ንምባል ክልተ ሳዕ ሰራዊታ ናብታ ዓባይ ጐረቤታ ሃገር ኮንጎ ሊኢኻ እያ።

እዚ ከኣ ኣብ መወዳእታ፡ ካብ ሸውዓተ ሃገራት ኣፍሪቃ ምስ ዝመጽኡ ሰራዊት ናብ ግጭት ዝኣተውሉ ኣጋጣሚ ፈጢሩ።

ብ2002 ብሕቡራት ሃገራት ዝተወደበት ጕጅለ ክኢላታት ኣብ ዘቕረበቶ ጸብጻብ፡ ምስ ሓይልታት ጸጥታ ዩጋንዳ፡ ርዋንዳ፡ ዚምባብወን ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን ምትእስሳር ዘለዎም ገበነኛታት ንማዕድናት እታ ሃገር ብምምዝማዝ ከም እተጠቕሙ ገሊጹ ነይሩ።