ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ንሰራሕተኛታት ሕቡራት ሃገራት ንዝቐተሉ ዓሰርተታት ዜጋታት ሞት ፈሪዳ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ዲሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣብ ቅትለት ክልተ ሰብ ሞያ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ተሳትፎ ነይሩዎም ንዝበለቶም ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ኣባላት ዕጡቕ ጉጅለ ሞት ፈሪዳ፡፡
ኣብ 2017 ስዊዲናዊት-ቺላዊት ዛይዳ ካታላንን ኣመሪካዊ ሚካኤል ሻርፕን ኣብ ግዝኣት ካሳይ ተጨውዮም ተቐቲሎም፡፡
እቶም ግዳያት ድሕሪ እቲ ኣብ መንጎ ሓይልታት መንግስትን እቶም ዕጡቓትን ዝተወለዐ ጎንጺ ተረኺቦም ዝተባህሉ ጃምላዊ መቓብራት ይምርምሩ ነይሮም፡፡
ተርጓሚቶም ዝነበረት ቤቱ ሺንተላ እውን ተቐቲላ፡፡ ምስተጨወዩ ድሕሪ 16 መዓልቲታት ኣስከሬኖም ተረኺቡ፡፡
ካብቶም ግዳያት ሓንቲ ዝኾነት ካታላን ድማ ርእሳ ተቖሪጹ ተረኺባ።
ኣብቲ እዋን ውድብ ሕቡራት ሃገራት በቲ ኣብ ሰራሕተኛታቱ ዝተፈጸመ ቕትለት ኣዝዩ ከምዝሰንበደ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ትካል ፍትሒ ንምርካብ ዝከኣሎ ኩሉ ከምዝገብር ዋና ጸሓፊ ኣንቶንዮ ጉተረዝ ገሊጹ ነይሩ፡፡
በቲ ኣብ 2017 ደው ዝበለ ጎንጺ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ተቐቲሎም እዮም፡፡
በሰንኪ እቲ ኣብ 2016 ንመቕተልቲ ባህላዊ መራሒ ካምዊና ሳፑ ስዒቡ ዝተወለዐ ጎንጺ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ሰባት እውን ተፈናቒሎም፡፡
እቶም ተጠርጠርቲ ድሕሪ ኣብ ወታሃደራዊ ቤት ፍርዲ ዝተኻየደ ኣርባዕተ ዓመት ዝወሰደ መጋባእያ እዮም ውሳነ ረኺቦም ዘለዉ፡፡
ካብቶም ተኸሰስቲ ዳርጋ ኩሎም ሚልሻታት ከምዝኾኑ ዝተገለጸ 51 ሰባት ሞት ተፈሪድዎም ኣሎ፡፡
እንተኾነ ዲሞክራቲክ ኮንጎ ንፍርዲ ሞት ኣወንዚፋቶ ስለዘላ፡ እቲ መቕጻዕቲ ዕድመ ልክዕ እስራት ናይ ምዃን ዕድል ኣለዎ፡፡
እቶም ተጠርጠርቲ ካብ ግብረ ሽበራን ቅትለትን ክሳብ ኣካላት ሰብ ምቁርራጽ ዝብል ክስታት ቀሪቡሎም፡፡







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







