ድምፂ ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራውያን ኣብ ቀፅሪ ሕቡራት ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, GIRMAY ABRAHAM
ሎሚ 22 ሰነ 2018 ካብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኤውሮጳ፡ ካብ ዓባይ ብሪጣንያ፡ ጀርመን፡ ኢጣልያ፡ ስዊድን፡ ኖርወይን ከተማታት ስዊዘርላንድን ዝመጽኡ ኤርትራውያን፡ ወትሩ ሰነ ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ንጉዳይ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ሃገራት ንዘካይዶ ገምጋምን ንዘሕልፎ እማመን ንምድጋፍ ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም።
እዚ ንመርማሪ ኮሚሽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንምድጋፍ፡ ዓመታዊ ገምጋም ሰብኣዊ መሰላት ሃገራት ኣብ ዝካየደሉ መጋባእያ፡ ሰነ መጽአ ኣብ ጄነቫ ስዊዘርላንድ ኣብ ዝርከብ ቀጽሪ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝካየድ ሰላማዊ ሰልፊ፡ ኣብ ኤርትራ ብዘይ ንቡር ክስን መስርሕ ፍርድን ተቐይዶም ዘለዉ እሱራት ክፍትሑ፡ ናይ እምነትን ኣምልኾን መሰላት ክኽበር፡ ናይ ምጽሓፍን ሓሳብካ ምግላጽን፡ ናይ ምውዳብን ማሕበራት ምምስራትን መሰላት ክፍቀድ፡ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ዘጽደቖ ቅዋም ክትግበርን ዝሓትት ጠለባት ይርከቦ።
ኣብዚ ሎሚ ዝተኻየደ ሰልፊ ከኣ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብመሰረት ስምምዕ ኣልጀርስ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ቅድመ ኩነት ብይን ኮሚሽን ዶባት ከምዝትግብር ብምግላጽ ንዘቕረቦ ሰላማዊ ጻውዒት፡ መንግስቲ ኤርትራ ልኡኽ ንምስዳድ ዘለዎ ቅርቡነት ብምግላጽ ንዝተቐበሎ ናይ ሰላም መንፈስ፡ ግዜ ከይበልዐ ክትግበርን ኣብ ክልቲኡ ህዝብታት ሰላም ክሰፍንን ዝጽውዕ ጭርሖ ከምዝነበሮ ተፈሊጡ።
ኣብቲ ሰላማዊ ሰልፊ ዝተሳተፈ ግርማይ ኣብርሃም፡ ኣብ ኤርትራ፡ ሰላምን ቅሳነትን ክሰፍን መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ክኽበር፡ እሱራት ፖለቲካን ሕልናን ብዘይ ቅድመ ኩነት ክፍትሑ ከምዝግባእ ተዛሪቡ።

ምንጪ ስእሊ, GIRMAY ABRAHAM
ዜጋታት ኣብ ዝኣመኑሉን ዝመረጽዎን ሃይማኖት ከምልኹ ፍቓድ ምሕታት ስለዘየድልዮም፡ ስርዓት ኤርትራ ነዚ ጠለባት እዚ ንኽምልስ ድምጹ ከስምዕ ከምዝመጽአ ብምሕባር "ሕቶና ሕቶ ደለይቲ ፍትሕን ሰላምን ክሳብ ዝምለስ ድምጺ ውጹዓት ካብ ምቅላሕ ኣይክበኩርን እየ" ይብል።
ዘውዲ ተስፋማርያም ብወገና፡ ኣብዚ ንሳልሳይ -- ራብዓይ እብረ ዝካየድ ዘሎ ሰለማዊ ሰልፊ ዝተረኽበትሉ ምኽንያት ግህሰት ሰበኣዊ መሰላት ደው ክብልን፡ እዚ ሕጂ ተኸሲቱ ዘሎ ጉዳይ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ከኣ ንረብሓ ውጹዕ ህዝቢ ክልቲኡ ሃገራት ብዘዕግብ ክካየድን ድምጻ ንምስማዕ ምዃኑ ሓቢራ።
ንሳ ኣስዒባ "ዝበዝሑ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ብህዝቢ ዝተመርጹ ስለዘይኮኑ፡ ንስልጣኖም እምበር ንህዝቦም ቀዳምነት ኣይህቡን እዮም።

ምንጪ ስእሊ, ZEWDI TSEFAMARIAM
እዚ ኣብ ኤርትራ ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዘሎ ስርዓት እውን ብህዝቢ ስለዘይተመርጸ፡ ቀደሙ እውን ብትምክሕቱን ጌግኡን ኣብ ሽግር ስለዝኣተና፡ ኣብዚ ሕጂ ዝግበር ልዝብን ዝርርብን ከኣ ዳግማይ ኣብ ሽግር ከየእትወና ህዝቢ ኤርትራ ዓቲቡ ክከታተሎ እምሕጸን ኢላ።
ተወለድቲ ብሄረ ዓፈር ከዲጃ መሓመድን ኸሚሳ ኣቡበከርን ካብ ጀርመን ብወገነን፡ ኣብ ዓሰብ ዝርከቡ ሓይልታት ኢመሬት ንደቀባት ዓፈር ባሕራዊ ንጥፈታቶም ንምክያድ ይዕንቅፉዎም ስለዘለዉ ካብ ኤርትራ ክወጽኡን ባሕሪ ንኣግልግሎት ደቀባቱ ክውዕልን ድምጸን ንምስማዕ ከምዝመጽኣ ሓቢረን።
ካብ ስዊድን ዝመጽአ ኣዳላዊ ሰላማዊ ሰልፊ ጄነቭ ኣቶ ስዒድ ኣደም ከኣ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ደለይቲ ፍትሒ ዜጋታት ብዝግበርዎ ዘይተሓለለ ጻዕርን ብዝሃብዎ ድምጽን፡ መርማሪት ኮሚሽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ቆይማ፡ ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመት ኩለንትናዊ መጽናዕቲ ኣብ ኤርትራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ምፍጻሙ ምርግጋጻ ኣካል ናይቲ ንሱን መሰልቱን ደለይቲ ፍትሒ ዜጋታት ዝገበሩዎ ጻዕሪ ምዃኑ ብምርግጋጽ፡ "ክሳብ ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት ዝረጋገጽ ጻዕረይ ቀጻሊ እዩ" ኢሉ።

ምንጪ ስእሊ, KEDIJA AND KEMILA
ባይቶ ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ወትሩ ሰነ ካብ 21-27 ኣብ ዘሎ ዕለታት፡ ዓመታዊ፡ ምዕባለን ምምሕያሽን ሰብኣዊ መሰላት ዜጋታት እተን ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ዝኽሰሳ ሃገራት ገምጊሙ ናይ ምምሕያሽ እማመታት የቕርብ። ኣብ ዓመቱ ከኣ ብመሰረት እቲ ኣቐዲሙ ዝሃቦ እማመ ገምጋም ይገብር።
እዞም ሎሚ ኣብ ጄነቭ ስዊዘርላንድ " ግህሰት ሰብኣዊ መሰል ዜጋታት ደው ይበል" ክበሉ ዝወዓሉ ደለይቲ ፍትሒ ኢና ዝበሉ ዜጋታት እምበኣር ኣብ ኤርትራ መሰረታዊ ሰብኣዊ መሰላት ክትግብር እዮም ክጽውዑ ውዒሎም።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







