ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ናዕበኛታት ንወተሃደራዊ መዓስከር ሕቡራት ሃገራት ኣቃጺሎም

ወተሃደራት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ቤኒ ኣብ ሓለዋ ጥቅምቲ 23፡ 2014

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣብ ደሪ ኮንጎ ዝርከብ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት፡ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ናይ ዓለምና እዩ

እቶም ናዕበኛታት፡ ወተሃደራት ሕቡራት ሃገራትን መንግስትን፡ ብእስላማዊ ሚሊሻ ንዝተኻየደ መጥቃዕቲ እኹል ክልከላ ኣይገበሩን ብምባል ቁጥዐኦም ይገልጹ።

ኪዳን ደሞክራስያዊ ሓይልታት፡ ሰንበት ምሸት ኣብ ዝገበሮ ሃንደበታዊ መጥቃዕቲ፡ ሸሞንተ ሰባት ቀቲሉ።

ሕቡራት ሃገራት 18,000 ኣባላት ዘለዎ ሓይሊ ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ኣዋፊሩ እኳ እንተሎ፡ ኣብቲ ስርዓት ኣልቦ ኮይኑ ዘሎ፡ ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር፡ ሕቡራት ሃገራትን መንግስትን ነቲ ዘይምርግጋእ ምሉእ ብምሉእ ክቆጻጸርዎ ኣይከኣሉን።

ኪዳን ደሞክራስያዊ ሓይልታት፡ ኣብቲ ብማዕድን ሃብታምን ምስ ኡጋንዳን ርዋንዳን ዝዳወብን ምብራቓዊ ክፋል እታ ሃገር ካብ ዝንቀሳቐሱ ጉጅለ ሚሊሻታት ሓደ እዩ።

እቲ ብኡጋንዳውያን ዕጡቓት ተቓለስቲ ዝቖመ ሚሊሻ፡ ኣብቲ ዞባ ብዙሕ ግፍዕታት ከም ዝፍጽም ይኽሰስ።

ብሰኑይ፡ ዝተቖጥዑ ሰባት ናብቲ ብሙንስኮ ናይ ዝፍለጥ ሓይሊ፡ ወተሃደራዊ መዓስከር ሕቡራት ሃገራት ብምምራሕ ኣንጻር እቲ መጥቃዕቲ ተቓውሞታቶም ገሊጾም።

ቴዲ ካታሊኮ ዝተብሃለ መራሒ ናይ ሓደ በርጌሳዊ ማሕበር ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ "ኣብ ቤትጽሕፈት ናይቲ መዓስከር ብርክት ዝበለ ክፍልታታት ተቓጺሉን ተሰሪቑን" ክብል ተዛሪቡ።

"ሓይልታተ ሕቡራት ሃገራት ግቡእ ስጉምቲ ስለዘይወሰዱ፡ ሙንስኮ [ወተሃደራት ሕቡራት ሃገራት] ካብ ቤኒ ክወጹ፡ ነበርቲ ይጠልቡ ኣለው" ኢሉ።

እቶም ሰልፈኛታት ኣቐዲሞም ንኣዳራሽ እታ ከተማ ብምውራር፡ ንቤትጽሕፈት ከንቲባ እታ ከተማ ከም ዘቃጸሉ ፖሊስ ብትዊተር ሓቢሩ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ፕረዚደንት ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ፌሊክስ ሺሰከዲ፡ ነቲ ተቓውሞ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ ወተሃደራት ሕቡራት ሃገራትን መንግስትን ሰላማውያን ሰባት ንምሕላው ሓባራዊ ስርሒት ከካይዱ ምዃኖም ተዛሪቡ።

እታ 200,000 ነበርቲ ዘለዋ ከተማ ቤኒ፡ ማእከል ምልባዕ ሕማም ኢቦላ ኮይና ጸኒሓ'ያ።

በቲ ለበዳ ልዕሊ 2,000 ሰባት ክሞቱ ከለው፡ ብሰንኪ እቲ ንዓመታት ዝቐጸለ ዘይምርግጋእ ኣገልግሎት ጥዕና እታ ከተማ ተሰናኺሉ ይርከብ።