ዓቃቢ ሰላም ውሕሃ፡ 'ንዲሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎ ራሕሪሑ ኣይወጽእን'

ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት አንቶኒዮ ጉተረስ፡ ዓቕሚ ኣብ ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘሎ ዓቃቢ ሰላም ንምዕባይ ከምዝሰርሕ ቃል ኣትዩ።
እዚ ድማ፡ ኣብ ልዕሊ ሕማም ኢቦላ ንምክልኻል ዝነጥፉ ሰራሕተኛታት ጥዕና ጽዑቕ መጥቃዕትታት ይፍጸመሉ ኣብ ዘሎ እዋን እዩ ተገሊጹ ዘሎ።
ኣንቶኒዮ ጉተረስ ምስ ፕረዚደንት እታ ሃገር ብሰኑይ ኣብ ዝነበሮ ርክብ፡ ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ዴሞክራሲያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዘሎ ኩነታት ሰላም ከምዘይተመሓየሸን፡ ዓቃቢ ሰላም እንተዘይህሉ ድማ እቲ ኩነታት ክጋደድ ምዃኑን ሓቢሩ።
ዝሓለፈ ዓመት፡ ፕረዚደንት ነበር ጆሴፍ ካቢላ፡ ዓቃቢ ሰላም ልእኽቶኡ ከዐውት ስለዘይከኣለ ካብታ ሃገር ክወጽእ ጸዊዑ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ጉተረስ ከምዝበሎ፡ ናይ መወዳእታ ዕላማ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብታ ሃገር ንኣስታት ዒስራ ዓመት ዝጸንሐ ዓቃቢ ሰላም ዘየድልየሉ ኩነታት ምፍጣር እዩ።
እንተኾነ፡ ውሕሃ "ንህዝቢ ኮንጎ ራሕሪሑ ኣይወጽእን" ኢሉ።
ኣብታ ሃገር ኣስታት 16,000 ሰራዊት ዓቃቢ ሰላም ዘሎ ኾይኑ፡ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ልኡኽ ውድብ ሕቡራት ሃገራት እዩ።
ዕጡቓት መብዛሕትኡ እዋን ምስ ሰላማውያን ሰባት እናተሓወሱ እዮም ኣብ ልዕሊ ማእከላት ምክልኻል ሕማም ኢቦላ መጥቃዕቲ ዝፍጽሙ። እዚ ድማ ቫይረስ ኢቦላ ንምክልኻል ንዝግበር ዘሎ ጻዕርታት ኣዝዩ እዩ ዝሃስዮ።
እቶም ዕጡቓት፡ መልክዕ ደባይ-ውግእ ዘለዎ ስልትታት ስለዝጥቀሙን ኣብ ርሑቕ ከባብታት ነቲ መጥቃዕቲ ስለዝፍጽምዎን፡ ሰራዊት ኮንጎን ሓይልታት ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ንክቆጻጸርዎ ኣጸገሙዎም ይርከብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







