ኡጋንዳውያን ናብ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ከይገሹ ተኸልኪሎም

ኣብቲ ኡጋንዳውያን ከይሰግሩ ዝተኸልከልሉ ከተማ ጊሰንዪ

ምንጪ ስእሊ, BBC Great Lakes

መግለጺ ስእሊ, ኣብቲ ኡጋንዳውያን ከይሰግሩ ዝተኸልከልሉ ከተማ ጊሰንዪ

ዝበዝሑ ኡጓንዳውያን ናብታ ብኢቦላ ተጠቒዓ ዘላ ከተማ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝኾነት ከተማ ጎማ ከይገሹ ተኸልኪሎም።

እዚ ድሕሪ እቲ ናይ ክልቲኤን ሃገራት ሚኒስተራት ፋይናንስ፡ ብሰሉስ ተራኺቦም፡ ቁጠባዊ ርክባት እዘን ክልተ ሃገራት ብህሉው ኩነታት፡ ኣብታ ማእክል ዕዳጋን መንበር ክልተ ሚልዮን ኣህዛብን ዝኮነት ከተማ ጎማ ክጽሎ ከምዘይብሉ ድሕሪ ዝገበርዎ ስምምዕ'ዩ ዝኸውን ዘሎ።

ኣብ ምብራቕ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ተኸሲቱ ዘሎ ሕማም ኢቦላ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ልዕሊ 1800 ሰባት ቀቲሉ ይርከብ።

ብወገን ርዋንዳ፡ ናይ ስራሕ ፍቃድ ዘለዎም ርዋንዳውያን ጥራይ እዮም ካብን ናብን ክልቲኤን ሃገራት ክንቀሳቀሱ ተፈቒድሎም ዘሎ፡ ብወገን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝኮነ ሰብ ክኣትኡን ክወጽእን ፍቁድ እዩ ዘሎ።

እዚ ርዋንዳውያን ናብ ጎማ ከይገሹ ዝኽልክል ስጉምቲ ንሂወት ኣሽሓት ከም ዝጸሉ ኣብቲ ቦታ ዘሎ ጋዜጤኛ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ጆስፊን ንሪሃቦቢን፡ ኣብቲ ሸነክ ናይ ርዋንዳ ዝኾነ ጊሰንዪ፡ ትነብር ኮይና፡ ንዝሓለፈ ክልተ ክልተ ማዓላታት እቲ ሰቒታ ትበልዓሉ ኣሕምልታ ናብ ከተማ ጎማ ከይትወስዶ ከም ዝተኸልከለት ሓቢራ።

ጆስፊን ንሪሃቦቢን"ንሕና ተኸልኪልና ኢና፡ ኮንጎሊዝ ግን ይኣትዉን ይወጹን ኣለዉ፡ ንምንታይ'ዩ ከምዚ ዝኸውን ኢልና ንሓትት ኣለና" ትብል።

ጆስፊን ንሪሃቦቢን ኣስኢባ "እቲ ጸገም ኢቦላ እንተኾይኑ፡ ኮንጎሊስከ ነቲ ሕማም ሒዘሞ ክመጽኡ ኣይክእሉን ድዮም?" ብምባል ሕቶ ተቐምጥ።

ማቲንዶ ንሰንጊኡመቫ ኣብ ከተማ ጊሰንዪ ዝነብር ኮይኑ፡ ናብ ከተማ ጎማ ብምካድ ህንጻዊ ስራሓት ዝሰርሕ ኡጓንዳዊ እዩ።

ስርሑ ንኸይሰርሕ ስለዝተኸልከለ ከኣ ብሕርቓን "ሰሪሕና ካብ ኢድና ናብ ኣፍና ኢና ንነብር፡ ዝዓቖርናዮ የብልናን፡ ከመይ ኢልና ኢና ክንነብር ዝድለ ዘሎ?" ብምባል ብነድሪ ተዛሪቡ።