ሶማልያ፡ ላዕለዋይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኒኮላስ ሃይሶም ሰጒጓ

ላዕለዋይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኒኮላስ ሃይሶም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

መንግስቲ ሶማል፣ ንላዕለዋይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኒኮላስ ሃይሶም ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ፖለቲካ ኢድካ ኣእቲኻ ብምባል ካብታ ሃገር ከም ዝሰጎጎ ተፈሊጡ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኒኮላስ ሃይሶም ብዛዕባ ምቕታል ደገፍቲ መራሒ ኣልሸባብ ነበር ሙክታር ሮቦው ዝምልከት ተቓውም ከምዘስምዐ'ዩ ዝግለጽ።

ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ሶማል፣ ተቓውሞ ዘስምዑ 15 ሰባት ምቕታሉን ከምኡ'ውን ኣስታት 300 ሰባት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ብምእታውን ከም ዝውንጀል፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክት።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ንኣልሸባብ ዝቃለሱ ዘለው ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ሶማልያ ፡ ወተሃደራዊ ልብሲ ኣብ ምቕራብ ፡ ደሞዝ ኣብ ምኽፋል ከምኡ'ውን ኣብ ምዕላም ወተሃደራት ይተሓጋገዝ።

መራሒ ኣልሸባብ ነበር ሙክታር ሮቦው ኣብ 2017 ነቲ ጉጅለ ራሕሪሑ ኢዱ ንመንግስቲ ዝሃበ እንትኸውን፡ ኣብ መረጻ እታ ሃገር ንኽወዳደር ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ።

እንተኾነ ግን፡ መንግስቲ ሶማል ኣብቲ ምርጫ ንኸይሳተፍ ከም ዝኣገዶን፡ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ሶማል ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዘኣእተውዎን ይፍለጥ።

መንግስቲ ሶማል፡ ሙክታር ሮቦው ዛጊት (ዛጊድ) ''ሕሉፍ ስነ-ሓሳባቱ'' ከም ዘይገደፎ ኢዮም ዝሕብሩ።

ላዕለዋይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኒኮላስ ሃይሶም፡ ኣብ 30 ታሕሳስ ብዛዕባ ሕጋዊ መስርሕ ምእሳር ሙክታር ሮቦውን ከምኡ'ውን ቀጻሊ ምጠጥቃዕ ደገፍቱን ኣመልኪቱ መልእኽቲ ጽሒፉ ነይሩ።

እንተኮነ ግን፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሶማል፣ ኣብ ዘውፀኦ መግለጺ፣ ነቲ ላዕለዋይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት፣ ካብ ሶማል ክወጽእን ደጊሙ ናብታ ሃገር ከይምለስን ኣመልኪቱ።

መንግስቲ ሶማል፡ መዓልታዊ ንጥፈታቱ ከሰላስል ኣብ ናይ ወጻኢ ሓገዝ ይምርኮስ።

ኒኮላስ ሃይሶም፡ ሕጋዊ ኣማኻሪ ፕረዚድንት ኔልሰን ማንደላ ኮይኑ ሰሪሑ ኢዩ። ድሕሪኡ ወኪል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኮይኑ ኣብ ኣፍጋኒስታን፤ ሱዳን፤ ደቡብ ሱዳን ኣገልጊሉ።

ኣብ መስከረም 2018 ድማ ላዕለዋይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሶማልያ ኮይኑ ተመዲቡ።

ሶማልያ ካብ 1991 ድሕሪ ምውዳቕ ሲዒድ ባሬ ኣብ ጎንፅን ዕግርግርን ተሸሚማ ፀኒሓ።