ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ሞቓድሾ ብዛዕባ ምንታይ ይዝቲ ይኸዉን?

ሚኒስትር ጉደዓኣት ወጻኢ ኤርትራ ኣብ ሶማሊያ ወግዓዊ ምብጻሕ የካይድ ኣሎ

ብሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ላዕለዋይ ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ ንሞቓድሾ ኣትዩ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ ምስ ፕረዚደንት ሶማሊያ መሓመድ ዓብዱላሂን ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር፡ ሓሰን ዓሊ ኬየረን ክራኸብ'ዩ።

ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ፕረዚደንታት ኤርትራን ሶማልያን ዲፕሎማሲያዊ ርክብ ንምምሕያሽ ብሓባር ክሰርሑ ተሰማሚዖም'ዮም።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ወግዓዊ ዑደት ስራሕ ሰለስተ መዓልታት ዘካየደ ፕረዚደንት ሶማሊያ መሓመድ ዓብዱላሂ፡ ኣብ ኤርትራ ዝተነብረ ማዕቐብ ክለዓል ሕቶ ምቕራቡ ዝዝከር'ዩ።

ክልቲኤን ሃገራት፡ ምስ ጥሩፋት ዕጡቓት ብዛዕባ ክህልወን ዝኽእል ርክብ ብዉድብ ሕቡራት ሃገራት ዝተመዘዘ ተቖጻጻሪ ጉጅለ ይቆጻጸረን ምንባሩ ይፍለጥ።

ኤርትራ ኣብ ሶማል ንዝንቀሳቐስ ኣልሸባብ ትሕግዝ እያ ብዝብል ክሲ ብባይቶ ጸጥታ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ማዕቀብ ተገይሩላ እዩ። እንተኾነ ኣብዝሓለፈ ዓመት እቲ ዘጻፈሪ ዝነበረ ጉጅለ፡ ዝኾነ ዓይነት መረዳእታ ከምዘይረኸበ ሓቢሩ።

ምስ ኤርትራ ሓድሽ ምዕራፍ ዲፕሎማሲ ዝጀመረት ኢትዮጵያ እውን ኣብ ኤርትራ ንዝተነብረ ማዕቀብ ክለዓል ሕቶ ኣቕሪባ እያ። ሶማልያ እውን ንተበግሶኢ ኢትዮጵያ ተኸቲላ እያ ተመሳሳሊ ስጉምቲ ወሲዳ። ይኹን እምበር ጎረቤት ሃገር ጂቡቲ፡ ሶማል ንዝወሰደቶ ተበግሶ ምልዓል እገዳ ኤርትራ ብዝምልከት ብዘይምሕጓሳ ተቓዉሞኣ ምግላጻ ይዝከር።