ፕረዚደንት ኬንያ ነበር ኡሁሩ ኬንያታ፡ ብምንታይ እዩ ክዝከር?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኡሁሩ ኬንያታ፡ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት ዳግም ፕረዚደንት ኬንያ ኰይኑ ክምረጽ እንከሎ፡ “ጥሙርን ውሁድን ሕብረተሰብ ክፈጥር እየ። ከምኡ’ውን፡ ኣንጻር ብልሽውና ዝግበር ቓልሲ ክዕወተሉ’የ” ኢሉ ነይሩ።
ሃገራዊ ሓድነት ንምምጻእ ኣብ መጋቢት 2018 ካብ መንጐ ዝወሰዶም ስጕምታት እቲ ሓደ፡ ምስ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊን ቀዳማይ ሚኒስተር ነበርን ራይላ ኦዲንጋ ዝገበሮ ስምምዕ እዩ።
'ስምምዕ ሰላም'
እዚ ምልክት ፖለቲካዊ ስምምዕ ክልቲኦም መራሕቲ ተገይሩ’ዩ ዝውሰድ።
እዚ “ምጭብባጥ ኢድ” [handshake] ተባሂሉ ዝፍለጥ ስምምዕ፡ ድሕሪ መረጻ 2017 ዝተፈጥረ ዘይምርግጋእ ንኸብቅዕ ሓጋዚ ተራ ነይርዎ።
ኣብቲ ግዜ፡ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ፡ ውጽኢት እቲ መረጻ ብምንጻግ ዳግም መረጻ ንኽካየድ ወሲኑ እዩ።
ነዚ ዝተቓወመ ራይላ ኦዲንጋ ድማ፡ ኣብ ናይሮቢ ኣብ ዘዳለዎ ጽምብል ናይ ባዕሉ ስነስርዓት ቃለማሕላ ገይሩ።
ድሒሩ ክልቲኦም ፖለቲከኛታት ኢድ ንኢድ ተጨባቢጦም ዕርቀ-ሰላም ከውርዱ ከለዉ፡ ምኽትል ኬንያታ ዝነበረ ዊልያም ሩቶ ግን፡ እዚ ውሕስነት መግቢ ንምምሕያሽ፡ ተበጻሕነት ሕክምናን መንበሪ ገዛን ንምርግጋጽ ከምኡ'ውን ዓውዲ ምፍራይ (ማኑፋክቸሪን) ንምዕባይ ዝተታሕዙ ኣጀንዳታት ኣዛቢዑ እዩ ብዝብል ኣይተቐበሎን።
ኣብ ግዜ ድማ ኡሁሩ ኬንያታን ዊልያም ሩቶን ዝነበሮም ርክብ ክሕርፍፍ ምኽንያት ኰይኑ እዩ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኬንያታ ኣብቲ ኣብ መጀመርታ ሰሙን ነሓሰ 2022 ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ መረጻ ነቲ መወዳድርቱ ዝነበረ ኦዲንጋ ብምድጋፍ፡ ንኽምረጽ ጐስጓስ ገይሩ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
እቲ ኣብ መንጐኡን ምኽትሉ ዝነበረ ሩቶን ዝነበረ ምትፍናን ድማ ድሕሪ መረጻ’ውን ቀጺሉ።
ኬንያታ፡ ሰላማዊ ምስግጋር ስልጣን ክህሉ ከም ዝገብር እኳ እንተገለጸ፡ ክሳብ ድሮ ዊልያም ሩቶ ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ ኰይኑ ቃለማሕላ ዝፈጸመሉ ዕለት፡ ዮሃና ከይበሎ እዩ ጸኒሑ።
ዊልያም ሩቶ፡ ትማሊ 13 መስከረም 2022 ቃለ ማሕላ ፈጺሙ።
ድሕሪ እቲ ብ2007 ዝተኻየደ መረጻ ብዝተላዕለ ዓሌታዊ ጐንጺ፡ ኣስታት 1200 ሰባት ክሞቱ እንከለው፡ ኣሽሓት ካብ ቤት ንብረቶም ከም ዝተመዛበሉ ይዝከር።
ኬንያታ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝጸንሓሎም ዓመታት ድማ፡ ሓድነት ንምምጻእን ጥሙር ማሕበረሰብ ንምፍጣርን ዝነበሮ ባህጊ ኣዐዊቱ’ዩ ክብሉ ተዓዘብቲ ይገልጹ።
ይዅን’ምበር፡ እቲ ስምምዕ ኣብቲ ተቓውሞ ሸነኽ ክፍተት ገዲፉ እዩ።
“ኣብ ውሽጢ መንግስቲ መን ኣሎ መን የለን ዝብል ደንገርገር ፈጢሩ’ዩ” ትብል ተንታኒት ፖለቲካን፡ ሓላፊት ናይቲ መናእሰይ ናብ ፖለቲካ ክሳተፉ ዝጕስጉስ 'ሲሳ ፕሌስ' ዝተበሃለ ዘይመንግስታዊ ትካል ነሪማ ዋኮ-ኦጂዋ።
ንመንግስቲ ክቈጻጸር ዝኽእል ድልዱል ሰልፊ ተቓውሞ ዘይምህላው ድማ፡ ኬንያታ ብልሽውናን ብኽነት ሃብቲ መንግስትን ኣብ ምቍጽጻር ክፈሽል ምኽንያት ኰይኑ።
ንራይላ ኦዲንጋ ኣብ ዝጕስጉሰሉ እዋን፡ ኬንያታ ኣብ ልዕሊ ኣብ ብልሽውና ዝጥሓሉ ውልቀሰባት ስጕምቲ ኣብ ምውሳድ ተለሳሊሱ ከም ዝነበረ ተኣሚኑ’ዩ።
ብ2021፡ እታ ሃገር መዓልታዊ ብሰንኪ ብልሽውና ክልተ ቢልዮን ሽሊንግ [17 ሚልዮን ዶላር] ትስእን ምህላዋ ተዛሪቡ ነይሩ።
“ንዓይ፡ እቲ ግሁድ ሕቶ ‘ከምኡ ምዃኑ እንተፈሊጥካ፡ ስለ ምንታይ ገለ ነገር ዘይገበርካ?’ ዝብል እዩ። ቤት ፍርዲ ዝሓዞም ብርክት ዝበሉ ጉዳያት ኣለው፤ ግን ክኣ ብጌጋ መገዲ ዝኸዱ ዘለዉ’ዮም ዝመስሉ” ይብል ክኢላ ግብሪ ኮዲ ኣፍሪቃ ኒክሂል ሂራ።
ገዘፍቲ ፕሮጀክታት ትሕተ ቕርጺ
ምምሕዳር ኬንያታ፡ ኣብ መላእ እታ ሃገር ኣብ ትሕተ ቕርጺ ዓይነታዊ ስራሕ ሰሪሑ’ሎ።
እዞም ፕሮጀክታት ካብ ህንጸት ዓበይቲ ዲጋታት፡ ስታድዮማት፡ ዝርግሐ ኤሌክትሪክ፡ መገዲ ባቡርን ጽርግያታትን ዝኣመሰሉ እዩ።
ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ኬንያታ ዝተሃንጸ መሳለጥያ መንገዲ ናይሮቢ'ውን [ኤክስፕረስ-ወይ] ምጥቃስ ይክኣል።
እዞም ወፍርታት ግን፡ ብገዚፍ ልቓሕ እዮም ተሰሪሖም።
ንኣብነት፡ ካብ ሞምባሳ ናብ ናይሮቢ ዝወስድ ብቻይና ዝተሰርሐ መንገዲ ባቡር፡ ንኸፈልቲ ግብሪ ኬንያ 3.2 ቢሊዮን ዶላር ዝሓቶም’ዩ።
እዚ፡ ምስቲ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት ታንዛንያን ኢትዮጵያን ዝተሰርሑ ተመሳሰልቲ ፕሮጀክታት ክነጻጸር እንከሎ ኣዝዩ ዝተጋነነ ዋጋ ወጻኢ ተገይሩሉ እዩ ክብሉ ተንተንቲ ኣለው።
እዚ፡ መጠን ልቓሕ እታ ሃገር ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ገይሩዎ’ዩ፤ ነዚ ዕዳ ንምኽፋል ድማ ዓመታት ክወስድ እዩ።
ኣብ ቀዳመይ ዘመን ስልጣን ኡሁሩ ኬንያታ [2013 ኣ.ኣ] 50 ቢልዮን ዝነበረ ዕዳ ኬንያ፡ ኣብ 2021 ናብ 72.1 ቢልዮን ዶላር ክብ ኢሉ’ሎ።
ተንተንቲ፡ እታ ሃገር ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ንእተመዝግቦ ዘላ ዓቢይ ቁጠባ ዝምግብ ሓደስቲ ትሕተ ቕርጺ የድልያ’ዩ እኳ እንተበሉ፡ ኣብ ጉዳይ ዘይግቡእ ምሕደራ ሃብቲ ግን ሕቶ የልዕሉ።
“ልቓሕ ጸገም'ኳ እንተዘይብሉ፡ እቲ ቀንዲ ጉዳይ ከመይ ኢና ንጥቀመሉ ዘለና ዝብል’ዩ” ይብል ሂራ።

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኬንያታ፡ ኣብ ዕዳጋ ዝተጠበሰ ስጋ
ካብ ፖለቲካ ወጻኢ፡ ብዙሓት ንኬንያታ ብዝነበሮ ምቑሉል ስብእና ክናፍቝዎ እዮም።
ብፍላይ ምስ ሰባት ክራኸብ እንከሎ፡ ገዛእ ርእሱ ኰይኑ ቅልል ብዝበለ መገዲ እዩ ዝቐርብ።
ኣብ ናይሮቢ፡ ሓለውቲ ብቐረባ ርሕቀት ኰይኖም እናዓጀብዎ ህድእ ኢሉ ብእግሩ ክጕዓዝ ምርኣይ ልሙድ'ዩ።
ሓሓሊፉ ከኣ፡ ብተራ ሰባትን መራሕትን ተኸቢቡ ኣብ ሓደ ዕዳጋ፡ ኣብ ኬንያ ኣዝዩ ዝፍቶ መግቢ፡ ‘ንያማ ቾማ’ [ዝተጠብሰ ስጋ] ክበልዕ ይርአ።
ኬንያታ ኣብ ውድድራት ጐልፍ እውን ይርአ'ዩ።
እቲ ክሳብ ሕጂ ዝነብረሉ ዝነበረ ቤተ መንግስቲ [state house] ድማ፡ ንህጻናትን ፍሉጣት ሰባትን ክፉት ብምግባር፡ ብናጻ ክብጻሕ ከም ዝኽእል ገይሩ እዩ።
ኣቐዲሙ፡ እቲ ከባቢ ኣብ ስልጣን ካብ ዘለው ሰባት ወጻኢ ክኣትውዎ ኣይፍቀድን ነይሩ።
ኬንያታ፡ ብዙሓት ክዝክርዎ ዝገብሮ ካልእ ባህሪያት’ውን ኣለዎ።
ንኣብነት፡ መደረ ኣብ ዘስምዓሉ ግዜ ካብቲ ዝተዳለወሉ ጽሑፍ ውጽእ ኢሉ፡ ብድሕሪ መጋረጃ ብዛዕባ ዝግበሩ ዝእንፍቱ ነገራት ይዛረብ እዩ።
ዋኮ-ኦጂዋ፡ እዚ ተፈታዊ ክገብሮ ይኽእል’ዩ፤ ግን ድማ ገሊኡ ናብ ዘይእርኑብነት ከምርሕ ይኽእል እዩ ትብል።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መብጽዓታት ትምህርቲ
ኬንያታ፡ ኵሎም ተመሃሮ መባእታዊ ቤት ትምህርቲ ናይ ዲጂታል ክእለቶም ንከዕብዩ ላፕቶፕን ታብለታትን ክገዝኣልኩም’የ ኢሉ፡ ኣብ 2013 መብጽዓ ኣትዩ ነይሩ።
እንተዀነ፡ እዚ ካብ መፈተኒ ምዕራፍ ሓሊፉ ብዙሕ ኣይሰጐመን።
ገሊኦም ናብ ኣብያተ ትምህርቲ ዝተልኣኹ ቀረባት ኣብ መዓልኦም ከይውዓሉ ክተርፉ እንከለው፡ ገሊኦም ድማ ብሰንኪ ሕጽረት መኸዘኒ ክፍልታት ተሰሪቘም።
ተዓዘብቲ ዓውዲ ትምህርቲ፡ እቲ መደብ ንመምሃራን እኹል ስልጠና ብዘይምሃብን ብሰንኪ ሕጽረት ቀረብ ኤሌክትሪክን ከም ዘይተዓወተን ይገልጹ።
“መንግስቲ፡ ኣብ ኵለን ኣብያተ ትምህርቲ ቤተ-ኮምፒዩተር ብምህናጽ እተን ኮምፒዩተራት ከእትወን ኣማኺርናዮ ነይርና። እዚ ብቐሊሉ ክዕወት ምኽአለ፤ ግን ከኣ እቶም ነዚ ውሳነ ዝውስኑ ሰባት ንዓና ኣይሰምዑናን” ይብል ካባጂ።
ይዅን’ምበር፡ ምምሕዳር ኬንያታ ሃገራዊ ስርዓተ ትምህርቲ (ካሪኩለም) ክመሓየሽ ገይሩ’ዩ።
ኣብቲ ዝተገብረ ዕረያ ዝቐርቡ ገለ ተቓውሞታት'ኳ እንተሃለው፡ እቲ ሓድሽ ስርዓት ትምህርቲ፡ ኣክንዲ ተመሃሮ ፈተና ጥራይ ክሓልፉ ትዅረት ምግባር ዓቕሚ ዘለዎም ተመሃሮ ስራሕ ክረኽቡ ዘኽእሎም ክእለታት ክረኽቡ ገይሩ እዩ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብታ ሃገር ተበጻሕነት ኣገልግሎት ጥዕና ንምርግጋጽ ዝነበረ ሰፊሕ መደብ ምሉእ ብምሉእ'ኳ እንተዘይተተግበረ፡ ብዝሒ ዓራውቲ ሆስፒታላት ወሲኹን ሓደሽቲ ሆስፒታላት ተሃኒጾምን እዮም።
ዓለምለኻዊ ጽልዋ ኬንያታ
ካብ ዘቤታዊ ጉዳይ ሓሊፉ ኣብ ዝሓለፉ ዓሰርተ ዓመታት፡ ኬንያ ብደረጃ ዓለም ዘለዋ ጽልዋ ዓብዩ’ዩ።
ኣብ ለካቲት 2022፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ድሕሪ ምኹናና፡ ተቐያሪ ፕረዚደንት ቤት ምኽሪ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ተረኪባ'ያ።
ኣምባሳደር ኬንያ ኣብ ሕቡራት ሃገራት ማርቲን ኪማኒ፡ ኣብቲ እዋን ኣብ ልዕሊ ኣፍሪቃ ዝነበረ ተመኵሮ ባዕዳዊ መግዛእትን ቅልውላው ሩስያ-ዩክረይንን ብምንጽጻር ዘቕረቦ መግለጺ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ብብዝሒ ተወጊዕሉ ነይሩ።
ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ጉዳይ ቅልውላው ሩስያ-ዩክረይን ጸግዒ ኣክንዲ ምውሳድ ድምጸ-ተዓቅቦ እየን መሪጸን።
ብተወሳኺ ኬንያታ ኣቦ መንበር ማሕበረሰብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ኰይኑ ኣገልጊሉ’ዩ።
ኣብ ኢትዮጵያን ዴሞክራሲያዊት ሪፐብሊክ ኮንጎን ዘለው ጐንጽታት ንኽፍትሑ ጻዕሪ ክገብር ጸኒሑ'ሎ።
ብኻልእ ወገን፡ ኣብ እዋን መሪሕነት ኬንያታ፡ ኬንያ፡ መጥቃዕቲ እስላማዊ ጕጅለታት፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስን ምኽባር ዋጋታትን ኲናት ሩስያ-ዩክረይን ስዒቡ ዝተፈጥሩ ፈተናት በዲሆምዋ እዮም።
ኬንያታ፡ ትማሊ ንምኽትሉ ዝነበረን ኣብ መረጻ ዝተዓወተን ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ስልጣኑ ኣረኪቡ ኣሎ።
እቲ ሓድሽ ምምሕዳር ድማ፡ ዓበይቲ መብጽዓታት ኣትዩ እዩ።
እዚኦም፡ ልዑል ሽቕለት ኣልቦነትን ምኽባር ዋጋታትን ምፍታሕ ዝብሉ ይርከቡዎም። ኣብ ወርሒ ነሓሰ፡ ዝቕባበ ዋጋ 8.5 ሚእታዊት ኰይኑ ተመዝጊቡ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







