ዊልያም ሩቶ ሓሙሻይ ፕረዚደንት ኬንያ ኮይኑ ቃለ መሓላ ፈጺሙ

ዊልያም ሩቶ ቃለማሕላ ኣብ ዝፈጸመሉ፡ 13 መስከረም

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ዊልያም ሩቶ ሓሙሻይ ፕረዚደንት ኬንያ ኮይኑ ቃለ መሓላ ፈጺሙ

ዕውት ፕረዚደንታዊ መረጻ ኬንያ ዊልያም ሳሙይ ሩቶ፡ ሓሙሻይ ፕረዚደንት ኬንያ ብምዃን ቃለ መሓላ ፈጺሙ።

ወዲ 55 ዓመት ፕረዚደንት ሩቶ፡ ኣብቲ 60 ሽሕ ሰባት ዝተዓደምዎ ስታድዩም ካሳራኒ፡ መጽሓፍ ቅዱስ ሒዙ ማሕላ ብምፍጻም፡ ቅዋም እታ ሃገር ከኽብርን ከጽንዕን ምዃኑ ቃል ኣትዩ።

ኣብቲ ብላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝጸደቐ ውጽኢት መረጻ፡ ብ50.5 ሚእታዊት ድምጺ ክዕወት እንከሎ፡ መነሓንሕቱ ራይላ ኦዲንጋ ድማ 48.8 ሚእታዊት ድምጺ ረኺቡ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኬንያ ነቲ ናይ ምጥፍፋእ ክስታት ዝቐረበሉ ልዑል ንሕንሕ ዝተኻየደሉ መረጸ፡ ‘ናጻን ፍትሓውን እዩ’ ብምባል ኣጽዲቑዎ ምንባሩ ይዝከር።

እቲ ዝተሳዕረ ኦዲንጋ፡ ብዛዕባ እቲ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ ዘለዎ ነቐፌታ'ኳ እንተቕረበ፡ ነቲ ውሳነ ግን ተቐቢልዎ'ዩ።

እንተኾነ ግን ዋላ እኳ እቲ ዕድመ እንተበጽሖ፡ ኣብቲ ናይ ሎሚ በዓለ ሲመት ኣይተሳተፈን።

እቲ ሓድሽ ፕረዚደንት ኣብቲ ወግዓዊ ስነስርዓት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እቲ መረጻ ሓይል ንሕንሕ ዝተራእየሉ ከምዝነበረ ብምግላጽ፡ ደሞክራስያዊ ትካላት ኬንያ ዘለወን ኣገዳስነት ዘመስከረ'ዩ ክብል ተዛሪቡ።

"ሎሚ ካብ ካልኦት መዓልታት ኣዝያ ዝተፈለየት’ያ፡ ብሓይሊ ኣምላኽ ኣብዚ ክንበጽሕ ምኽኣልና ምስክርነትና ንህበላ መዓልቲ ኮይና ኣላ፡ ሓደ ካብ ጭው ዝበለ ሃገረሰብ ዝመጽአ ሰብ ፕረዚደንት ሪፓብሊክ ኬንያ ክኸውን ከኢሉ ኣሎ።

"ሎሚ መዓልቲ ኣብዛ ሃገር ሰለማዊ መረጻ ዝተወለደላ መዓልቲ ክንብላ ንኽእል ኢና፡ ሓያላት ፖሎቲካውያን ሰልፍታት ጥምረት ብምፍጣር ኣጀንዳታተን ናብ ህዝቢ ኣቐሪበን ብህዝቢ ኬንያ ዝተፈተናሉ መረጻ’ዩ ነይሩ፡ በቲ ውጽኢት ዘይዓገባ ሰልፍታት ዲሞክራስያዊ መሰለን ተጠቒመን ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ከይደን’የን።

" እቲ ዝተውሃበ ውሳነ ኸኣ ነቶም ዝኸሰሱ ምጥርጣሮም ዝዓብስ ጥራይ ዘይኮነስ ኣብ ልዕሊ ኮምሽን ብርጫን ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ሃገርናን ዘለና እምነት’ውን ዘበርኽ’ዩ፡ ብዙሓት ሃገራት ኸኣ ከምዚ ናትና ዓይነት መረጻ ክህልወን’የ ሃርር ዝብላ" ኢሉ።

ንኬንያ ንክልተ ናይ ሓሙሽተ ዓመታት ብፕረዚደንትነት ዝመርሐን ደጋፊ ራይላ ኦዲንጋ ዝነበረን፡ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ምስ በዓልቲ ቤቱ ኣብቲ ስነስርዓት ተረኺቡ።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ፡ ዝርከብዎም ብዙሓት መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ኣብቲ ብቀጥታ ብቴሌቪዥን ዝተመሓላለፈ በዓል ተረኺቦም ነይሮም።

ኬንያ ኣብ 1963 ካብ መግዛእቲ ብሪጣንያ ናጽነት ካብ እትጎናጸፍ ንደሓር፡ ሓሙሽተ ፕረዚደንታት ርእያ'ላ።

ካብዚኦም ኣቦን ወድን ይርከብዎም።

ቀዳማይ ፕረዚደንት ኬንያ ጆሞ ኬንያታ ኮይኑ ወዱ ድማ፡ እዚ ሕዚ ስልጣኑ ዘረክብ ዘሎ 4ይ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ እዩ።

ነፍስሄር ዳኒኤል ኣራፕ ሞይን ኪባኪን ንኬንያ ንነዊሕ እዋን መሪሖምዋ እዮም።

ዊልያምሩቶ ኸኣ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ ምርጫ ብጸቢብ ድምጺ ብልጫ እዩ ተዓዊቱ።

ተቓዋሚኡ ራይላ ኦዲንጋ፡ ነቲ ውጽኢት ብምንጻግ ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ይግባይ ኢሉ ነይሩ።

ይኹን እምበር፡ እቲ ቤት ፍርዲ ንዓወት ዊልያም ሩቶ ኣጽዲቑ'ሎ።

ነዚ ስዒቡ ራይላ ኦዲንጋ ነቲ ቤት ፍርዲ ዝሃቦ ውሳነ ተቐቢልዎ። ኣብቲ ናይ ሎሚ ስነስርዓት ቃለ መሓላ ከምዘይሳተፍ'ዩ ገሊጹ።

ስልጣኑ ዘረከበ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ክሳብ መወዳእታ ነቲ ዝተሳዕረ ራይላ ኦዲንጋ'ዩ ዝድግፍ።

ክሳብ ትማሊ'ውን ንፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ናይ እንቋዕ ሓጎሰካ መልእኽቲ ኣይሰደደን።

መወዳእታ ግን፡ ትማሊ ሰኑይ ናብ ቤተ መንግስቲ ጸዊዑ ምስ በዓል ቤቱ ብሓባር ተቐቢሎም ኣብቲ ቤተ መንግስቲ ዑደት ኣግቢሮሞም።

ሎሚ ቃለ መሓላ ዝፈጸመ ሩቶ፡ ንዝሓለፉ 10 ዓመታት ምክትል ኡሁሩ ኬንያታ ኮይኑ ኣገልጊሉ'ዩ።

ይኹን እምበር ኣብ መንጎኡን ኡሁሩን ግርጭት ተፈጢሩ ኣሎ።

ዊልያም ሩቶ ናብ ስልጣን ድሕሪ ምምጽኡ ካብቲ ኣብታ ሃገር ዘሎ ኵምራ ዕዳ መውጽኢ መንገዲ ክደሊ ትጽቢት ይግበር።

ኬንያ ዘይተለምደ ዕዉት መረፃ ብምክያዳ ብማሕበረሰብ ዓለም ናእዳ ረኺባ እያ።