ሓድሽ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ፡ ንዝምድና ኢትዮጵያን ኬንያ ከመይ ክጸልዎ እዩ?

ኣምባሳደር ባጫ ደበሌ ምስ ምሩጽ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ

ምንጪ ስእሊ, ETHIOPIAN EMBASSY IN KENYA

መግለጺ ስእሊ, ኣምባሳደር ባጫ ደበሌ ምስ ምሩጽ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ

ኬንያ ኣብ ዝሓለፈ መጀመርታ ወርሒ ነሓሰ ብዘካየደቶ ሃገራዊ መረጻ ሓድሽ ፕረዚደንት መሪጻ’ላ። ኣብዚ መረጻ፡ ዊልያም ሩቶ፡ ነቲ ሓያል መወዳድርቱ ምኩር ፖለቲከኛ ራይላ ኦዲንጋ ስዒሩ እዩ ፕረዚደንት ክኸውን ክኢሉ ኣሎ።

በዚ መሰረት፡ ሩቶ እታ ሃገር ኣብ 1963 ናጽነታ ካብ እትረክብ ንነጀው መበል ሓምሻይ ፕረዚደነት ኮይኑ ኣሎ።

እቲ ካብ 2013 ኣትሒዙ ን10 ዓመታት ንኬንያ ክመርሕ ዝጸንሐ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ፡ ነቲ ጽባሕ 13 መስከረም ቃለመሓላ ዝፍጽም ሓድሽ ፕረዚደትን ዊልያም ሩቶ መንበረ ስልጣኑ ከረክብ እዩ።

ምምጻእ ሩቶ ናብ ስልጣን፡ ኲናት ሓድሕድ ሰሜን ኢትዮጵያ ዳግም ኣብ ዝተባርዓሉ እዋን እዩ።

ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ መንጎ መንግስቲ ፌደራልን ሓይልታት ትግራይን ንዝተወልዐ ግጭት መዕለቢ ንምርካብ ንፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሊሴጉን ኦባሳንጆ ፍሉይ ልኡኽ ጌሩ መዚዙ እዩ።

ሓይልታት ትግራይ ግና ድርድር ብመንጎኝነት ኬንያ ክካየድ እዮም ብተደጋጋሚ ክሓቱ ጸኒሖም።

እዚ ድማ ኣብ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ጽልዋ ክህልዎ ምዃኑ ብኣጋኡ ክግመት ይከኣል።

ስለዚ፡ ፕረዚደንትነት ሩቶ፡ ኣብ መንጐ ኢትዮጲያን ኬንያን ዘሎ ዝምድና ብኸመይ ክጸልዎ ይኽእል?

ዝምድና ኢትዮጲያን ኬንያን

መወዓውዒ ስገሮ፣ ንባብካ ቀጽል
ዋትስኣፕ ቻነል ቢቢሲ ትግርኛ

ዜና፡ ትንታነን ታሪኻትን ብቐጥታ ኣብ ዋትስኣፕ ንምርካብ

ነዚ መላግቦ ብምጥዋቕ ኣባል ቻነልና ኵኑ!

መዛዘሚ መወዓውዒ ዋትስኣፕ ቻነል

ኬንያ፡ ኣብ 1963 ናጽነታ ድሕሪ ምርካባ፡ ኣብ መንጐ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ጸጥታውን ቁጠባ’ውን ዝምድና ጸኑሑ እዩ።

ኢትዮጵያ ምስ ኬንያ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ዝጀመረት፡ ኣብ 1945 [ኣ.ኣ] ኣብ ናይሮቢ ቈንስላዊ ቤት ጽሕፈት ድሕሪ ምኽፋታ ምዃኑ፡ ኣብ ክሊ ጸጥታን ሰላምን ክልቲአን ሃገራት ናይ ማስተርስ መጽናዕታዊ ጽሑፉ ዘዳለወ ኣቶ መለሰ ዘለቀ ይገልጽ።

ተንታኒ ጉዳያት ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝዀነ ዓብዱላሂ ቦሩ፡ “ዝምድና ክልቲአን ሃገራት፡ ምስ ናይ ካልኦት ሃገራት እንክነጻጸር እቲ ዝሓየለ ዝምድና እዩ፡” ይብል።

ብተመሳሳሊ፡ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ባጫ ደበሌ፡ ዝምድና ክልቲኤን ሃገራት፡ ድሕር’ቲ ኢጣልያ ንኢትዮጵያ ዝወረረትሉ ግዜ ኣትሒዙ እናሓየለ ምምጽኡ ይገልጽ።

“ምስ ኬንያ ፍሉይ ዝምድና እዩ ዘለና። እዚ ዝምድና’ዚ ዝጀመርዎ ኣቦታትና እዮም፤ ኣብ ግዜ ሃይለስላሰ፡ ሓርበኛታት ሃዲሞም ዝተዓቘቡሉ ኬንያ እዩ።

ኬንያውያን ድማ፡ ሓርበኛታትና ተቐቢሎም ኣዕጢቘም ንኢትዮጵያ ኣፋንዮምዎም። ኬንያውያን ካብ መግዛእቲ ንምልቓቕ ኣብ ዝገብርዎ ዝነበሩ ቃልሲ፡ መንግስቲ ኢትዮጲያ ሓጊዝዎም እዩ። ስለዚ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ፍሉይ እዩ ክበሃል ይከኣል፡” ይብል ኣምባሳደር ባጫ።

ኬንያ ካብ ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ድሕሪ ምዃና፡ ምስ ኢትዮጵያ ቅልጡፍ ዝዀነ ኣብ ጉዳያት ውትህድርናን ሰላምን ዘተኰረ ስምምዕ ከም ዝገበረት፡ ዓብዱላሂ ቦሩ ይገልጽ።

ክልቲአን ሃገራት ነዚ ስምምዕ ዝተገደሳሉ ቀንዲ ምኽንያት፡ ክልቲአን ብወገን ሶማልያ ዝመጽእ ተመሳሳሊ ጸጥታዊ ስግኣት ስለዝነበረን እዩ።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ኬንያ ኰይኑ ዝሰርሐን ኣብዚ እዋን ዳይሬክተር ህዝባዊ ዲፕሎማሲ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዘሎን ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ፡ “ዝምድና ኢትዮጵያን ኬንያን ነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ እዩ፡” ይብል።

ኢትዮጵያ ከም ሶማልያ፡ ኤርትራን ሱዳንን ምስ ዝበላ ጐረባብታ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ኣብ ኲናት ኣትያ እያ።

ኣብ 1977 መንግስቲ ዚያድ ባረ - ሶማልያ - ንኢትዮጵያ ኣብ ዝወረረሉ’ውን ኣብታ ሃገር ኣብ ኲናት ኣትያ እያ። ምስ ሱዳን’ውን፡ ሽሕ’ኳ መጠነ ሰፊሕ ዝዀነ ኲናት እንተዘይተላዕለ፡ ብጉዳይ ዶብን ብሰንኪ ግድብ ህዳሰን ብዝተፈጥረ ኵነታት መጠናዊ ዝዀነ ግጭታትን ምትፍናንን ኣሎ።

ምስ ኤርትራ’ውን ድሕሪ እቲ ኣብ 1998 ዝተወልዐ ኲናት ዶብ ክሳዕ 2018 ኣብ ኲነተ ኲናት እያ ጸኒሓ።

ኬንያን ኢትዮጵያን ግን፡ ሓሓሊፉ እቶም ኣብ ዶባት ዝነብሩ ሕብረተሰባት ዘካይድዎ ንኣሽቱ ግጭታት እንተዘይኰይኑ፡ ብደረጃ ሃገር ናብ ኲናት ኣትየን ከምዘይፈልጣ ኣምባሳደር ዲና የረድእ።

ቅርበት ኤምባሲ ኢትዮጵያ ቤተመንግስቲ ኬንያን

ኣብ ኬንያ ዘሎ ቤት ጽሕፈት ኤምባሲ ኢትዮጵያ፡ ቀዳሞት ካብ ዝበሃሉ ኤምባሲታት ሓደ እዩ።

ኣብ ርእሲ’ዚ፡ ንቤተመንግስቲ ኬንያ ዝቐረበ፡ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ጥራይ እዩ። እዚ ኸኣ ተሓሲቡ ዝተገብረ ምዃኑ ኣምባሳደር ዲና ይገልጽ።

“ጆሞ ኬንያታ፡ ንስኻትኩም ካብዚ ክትርሕቁ የብልኩምን፡ ኣብዚ ኣብ ጥቓና ክትኰኑ ኣለኩም፡ ብምባል፡ ኣብ ጥቓ’ቲ ቤትመንግስቲ ንኤምባሲ ኢትዮጲያ ዝኸውን ቦታ ባዕሉ ሂቡና፡” ይብል።

እዚ ጥራይ ዘይኰነ’ውን፡ መንበሪ ገዛ ኣምባሳደር ኢትዮጵያ’ውን፡ ኣብ ቀጽሪ’ቲ ጥቓ ቤተመንግስቲ ዝርከብ ኤምባሲ እዩ።

ኬንያ፡ ካብ መግዛእቲ እንግሊዝ ሓራ ካብ ዝዀነትሉ ኣትሒዙ ቀዳማይ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝዀነ ጆሞ ኬንያታ፡ ምስ ሃጸይ ሃይለስላሰ ቅርበትን ዕርክነትን ነይርዎም።

ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ፡ ኣብ 1963 [ኣ.ኣ] ኣብ ዝተመስረተሉ እዋን፡ ግደን ኣበርክቶን እዞም ክልተ መራሕቲ መሰረታዊ እዩ ነይሩ።

“ሃይለስላሰን ኬንያታን ጽቡቕ ዝምድና እዩ ነይርዎም፣ ብቐጻሊ ተራኺቦም ይመኻኸሩ። ድሕሪኦም ዝሰዓቡ መራሕቲ ክልቲአን ሃገራት ድማ ክሳዕ ሕጂ ጽቡቕ ዝምድና እዩ ዘለዎም፡” ይብል እምባሳደር ዲና።

መረጻ ሓድሽ ፕረዚደንት ኣብ ኬንያ

ዊልያም ሩቶ ናብ ስልጣን ምምጻኡ ንኢትዮጵያ ከም ሓደ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ምዃኑ ዝግምግሙ ኣለው።

ኣብ መንጐ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ዝተፈጥረ ኲናት ብሰላም ንምዕራፉ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ፡ ኡሁሩ ኬንያታ ብመንጐኝነት ክመርሖ፡ መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣይመርጽን።

መንግስቲ፡ እቲ ድርድር ብሕብረት ኣፍሪቃ ክካየድ እዩ ዝደሊ።

ሓይልታት ትግራይ ድማ፡ መንጐኝነት ኡሁሩ ኬንያታ ይመርጹ።

ኢትዮጵያ ንመንጎኝነት ኬንያ ዘይምምራጻ፡ ከም መርኣያ ናይቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኣሉታዊ ዝምድና ምዃኑ ዝገልጹ ኣለው።

በዚ መሰረት ድማ፡ ምምጻእ ሓድሽ ፕረዚደንት ዊልያም ሩቶ ናብ ስልጣን ከም ጽቡቕ ዕድል ይቘጽርዎ።

ፖለቲካዊ ተንታኒ ዓብዱላሂ ቦሩ ግን በዚ ሓሳብ ኣይሰማማዕን።

“ፕረዚደንትነት ሩቶ፡ ኣብ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ዝዀነ ለውጢ ኣየምጽእን እዩ፡” ድሕሪ ምባል፡ “

“ፖሊሲ ዝምድናታት ወጻኢ ኬንያ፡ ሓደ ሰብ ፕረዚደንት ብምዃኑን ዘይምዃኑን ዝውሰን ኣይኰነን። ኬንያ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ሃገራት ኢዳ ኣይተእቱን እያ፡” ይብል።

ኣተሓሒዙ ዓብዱላሂ፡ “ህወሓት፡ ኬንያ ናብ ዝዀነ ከምዘይተሻሩ ስለዝፈልጥ ኡሁሩ መሪጹ፣ መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ንሕብረት ኣፍሪቃ ከእምን ስለዝቐሎ፡ ንዕኡ መሪጹ፣ እምበር ኣብ መንጐ ክልቲአን ሃገራት ዝዀነ ቍርቍስ ስለዘሎ ኰይኑ ኣይኰነን፡” ይብል።

ኣምባሳደር ዲና ብወገኑ፡ ኢትዮጵያ እቲ ድርድር ሰላም ብሕብረት ኣፍሪቃ ክምራሕ ዝሓተተሉ ምኽንያት፡ እቲ ብኦባሳንጆ ዝተጀመረ ስራሕ ኣብ መፈጸምታኡ ንኽበጽሕ ጥራይ እዩ፤ ኡሁሩ ኬንያታ ከም ተወሳኺ ኰይኑ ክቐርብ ዝዀነ ጸገም ከም ዘይብላ ይዛረብ።

ፕሮፌሰር ዩኒቨርስቲ ናይሮቢ ዝኾነ ፒተር ፓጉዋንጃ፡ ኬንያ ሓድሽ ፕረዚደንት ምርካባ ንኽልቲአን ሃገራት ዘምጽኦ ለውጢ ከምዘየለ ይዛረብ።

ዊልያም ሩቶ ንዝሓለፈ “ዓሰርተ ዓመታት ምክትል ኡሁሩ ኮይኑ ብምግልጋሉ፡ ኣብ ፖሊሲ ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ዘምጽኦ ለውጢ ኣይክህሉን እዩ” ኢሉ።

ኣብቲ ኣብ ኬንያ ክካየድ ዝጸንሐ ፕረዚደንታዊ መረጻ፡ ኡሁሩ ደጋፊ ‘ቲ ዝተሳዕረ ራይላ ኦዲንጋ እዩ ነይሩ። ዘይከምቲ ዝሓሰቦ ድማ፡ እቲ ምኽትሉ ኰይኑ ክሰርሕ ዝጸንሐን፡ ካብዚ ቀረባ እዋናት ዝምድናኦም ዝሓርፈፈን ዊልያም ሩቶ እዩ ስልጣን ዝሕዝ ዘሎ።

“ስለዚ ኦዲንጋ ኣብዚ ምርጫ ምስዓሩ፡ ምናልባት ንመንጐኝነት ኡሁሩ ክጸልዎ ይኽእል እዩ፡” ድሕሪ ምባል ዓብዱላሂ ቦሩ፡ “ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ፡ ኣብ ጉዳይ መንጐኝነት ኡሁሩ ሕቶ ክህልዎ ይኽእል እዩ፣ እንተዀነ ዝምድና ክልቲአን ሃገራት ብንቡር እዩ ዝኸይድ ዘሎ፡” ይብል።

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይን ፕረዚደንት ኡሁሩን

ድሕሪ ፕረዚደንታዊ መረጻ ዊልያም ሩቶ፡ ብቕጽበት መልእኽቲ ዮሃና ካብ ዝለኣኹ መራሕቲ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ እዩ።

ነዚ ኣመልኪቱ ዓብዱላሂ ቦሩ፡ ጽቡቕ ዝምድና ኣብ ዘለወን ሃገራት ዝግበር እምበር ዝተፈልየ ትርጕም ከምዘይብሉ እዩ ይዛረብ።

“እንተዀነ ግን ክልቲኦም ሰዓብቲ እምነት ፕሮቴስታንት ምዃኖም፡ ዝምድናኦም ዝያዳ ከደልድሉ ዕድል ከርሕወሎም እዩ፡” ይብል።

“ኣብ መንጐ ክልቲኦም መራሕቲ ድልዱል ዝምድና እንተሃልዩ፡ ኢትዮጵያ ነቲ ኣብ ልዕሊ ሽምግልና ኬንያ ዝጸንሓ ጥርጣረ ከፍኵሶ ይኽእል እዩ፤ እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ጽቡቕ ዕድል እዩ፡” ብምባል ዓብዱላሂ ወሲኹ የረድእ።

ፕሮፌሰር ፒተር በዚ ሃሳብ ኣብ ርእሲ ምስምምዑ፡ ኬንያ ንሽምግልና ምችእቲ ምዃና’ውን ይውስኽ።

“ኬንያ ኣባል ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ስለዝዀነት፡ ዲፕሎማስያዊ ደገፍ ምዕራባውያን ስለዘለዋ፡ ነዚ ዘተ ሰላም ንምክያድ ብቕዕቲ እያ።”

ኣምባሳደር ዲና ግን፡ “እዚ ጉዳይ ብኸምቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝተጀመሮ በቲ ሕብረት ክውዳእ ኢና ንደሊ፤ ካብዚ ወጻኢ ግን ምስ ኬንያ ዝዀነ ጸገም የብልናን፡” ይብል።

ፕሮፌሰር ፒተር፡ ክልቲኦም ተዋጋእቲ ሓይልታት፡ ኣብ ኬንያ ይኵን ዊልያም ሩቶ እምነት ስለዘለዎም፡ ኬንያ ነዚ ሽምግልና ብመንጐኝነት ክትመርሖ ዓቕሚ ኣለዋ ይብል።