ኣብ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዝሰኸሩ ወተሃደራት 15 ሰባት ቀቲሎም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ምብራቓዊ ክፋል ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ክልተ ዝሰኸሩ ወተሃደራት ኣብ ዝተፈላለየ ቦታታት ብዝፈጸምዎ መጥቃዕቲ 15 ሰባት ተቐቲሎም።
እቶም ግዳያት ዳርጋ ኩላቶም ሲቪላውያን ምንባሮም ተገሊጹ።
ሓደ በዓል ስልጣን ዞባ ደቡብ ኪቩ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ኣብ ቀላይ ታንጋኒካ ኣብ ጃልባ ዝነበረ ሓደ ወተሃደር፡ ሰለስተ ቆልዑ ዝርከብዎም ሸሞንተ ተጓዓዝቲ ድሕሪ ምቕታሉ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ ሓቢሩ።
ብሰንበት’ውን ካልእ ወተሃደር ኣብ ዞባ ኢቱሪ ንሓደ ኮሎኔል፣ ሓላዊኡን ሓሙሽተ ሲቪላውያንን ቀቲሉ።
እቲ ሰኺሩ ምንባሩ ዝተገለጸ ወተሃደር ክሃድም ኣብ ዝፈተነሉ ብብጻዩ ከም ዝተቐተለ እቲ ሓበሬታ ኣነጺሩ።
ኣቐድም ኣቢሉ፡ ንዝተጠርጠሩ ሰባት ኣብ ቀይዲ ንምእታው ናብ ሓደ ከባቢ ዝተንቀሳቐሱ ወተሃደራት ኣብ ልዕሊ ተኣኪቡ ዝጸንሖም ህዝቢ ቦምባ ክድርብዩ እንከለው፡ ሽዱሽተ ሰባት ከምዝቖሰሉ ተገሊጹ ነይሩ።
ህዝቢ ምብራቓዊ ደሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተ ዓመታት ግዳይ መጥቃዕቲ ዕጡቓት ጉጅለታት እዩ ኮይኑ ዘሎ።
ፕረዚደንት ፌሊክስ ሺሰከዲ፡ ምውጋድ ጎንጺ፡ ቀዳምነታት መንግስቱ ከም ዝኸውን ተመባጺዑ ነይሩ።
ክልተ ዞባታት እታ ሃገር ኣብ ክባ ካብ ዝኣትዋ ዳርጋ ዓመት ኮይኑወን ኣሎ።
እንተኾነ ግና እዚ ኣብ ልዕሊ እቶም ዕጡቓት ዝፈጠሮ ጽልዋ ትሑት ከምዝኾነን ሓደ ሓደ ግዜ ወተሃደራት ኮንጎ ዘይግቡእ ተግባራት ክፍጽሙ ይድርኽ ከምዘሎን ይግለጽ።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







