ቋንቋ መላእ ኣፍሪቃ ንምዃን ዝወዳደር ዘሎ ስዋሂሊ

ምንጪ ስእሊ, Annabel Lankai
ልዕሊ 200 ሚልዮን ተዛረብቲ ዘለዎ፡ ምብራቕ ኣፍሪቃ ዝመበቆሉ ቋንቋ ስዋሂሊ ሓደ ካብ 10 ብብዝሒ ዝዝረቡ ቋንቋታት ዓለም ክኸውን እንከሎ ናይታ ኣህጉር ናይ ስራሕ ቋንቋ ንምግባሩ ዝግበር ጻዕርታት ሓያሎ ከም ዝኾኑ ፕሪያ ሲፒ ትገልጽ።
"ካብ ናይ ገዛእቲ [ባዕዲ] ቋንቋታት እንርሕቐሉ ዝበለጸ እዋን እዩ" ።
እዚ ዘረባ ናይ ሓደ ፓን-ኣፍሪን ኣተሓሳስባ ዝጉስጉስ ሰብ ዘይኮነ ናይ ጋናዊት ተመሃሪት ቋንቋ ስዋሂሊ ዝኾነት ኔኣ ኦዳርሊ ላንካይ እዩ።
እቲ ቃላታ ግና መቃልሕ ናይቲ ብዙሓት ሰብ ራኢ እታ ኣህጉር ክብልዎ ዝጸንሑ እዩ።
ኣፍሪቃ "ናትናን ንዓናን ዝኾነ ነገር ክህልዋ ኣለዎ" ክትብል ከኣ ትውስኽ እታ ጓል 23 ዓመት።
ስዋሂሊን ላህጃታቱን ካብ ገለ ክፋል ሶማልያ ንታሕቲ ክሳዕ ሞዛምቢክ ንምዕራብ ከኣ ክሳዕ ዴሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ይዝርጋሕ።
እቲ ላንካይ እትመሃረሉ ኣብ ርእሰ ከተማ ኣክራ ዝርከብ ዩኒቨርስቲ ጋና ግና ካብቲ መበቆል ስዋሂሊ - ገማግም ኬንያን ታንዛንያን ኣስታት 4,500 ኪሜ ርሒቑ እዩ ዝርከብ።
እዚ ከም ሓደ መርኣያ ናይቲ እናዓበየን እናሰፍሐን ዝመጽእ ዘሎ ጥርዓን ክውሰድ ይኽእል እዩ።
እንተኾነ ግና ላንካይ፡ ስዋሂሊ ክተጽንዕ ምዃና ምስ ነገረቶም መሓዙታን ስድራቤታን ከም ዝደንጸዎም ትገልጽ።
ንሳ ግና እቲ ቋንቋ ምምላኻ ስራሕ ኣብ ምርካብ ክሕግዛ ከም ዝኽእል ትኣምን።
ዩኔስኮ ን 7 ሓምለ ከም ዓለምለኻዊ መዓልቲ ስዋሂሊ ክትኸውን ሓርዩዋ ኣሎ።
ኣስታት 40% ቃላቱ ካብ ቋንቋ ዓረብ ዝተወሰደ ምዃኑ ዝግለጽ ስዋሂሊ ፈለማ ብኣዕራብ ነጋዶ እዩ ኣብ ገማግም ምብራቕ ኣፍሪቃ ተዘርጊሑ።
ኣብ መወዳእታ 19ን 20ን ክፍለዘበን ከኣ ኣብቲ ዞባ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ጀርመንን ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ዝነበራ ሃገራት ምምሕዳራውን ናይ ትምህርትን ቋንቋ ኮነ።
ኣብታ ኣህጉር ምስ እንግሊዝኛ፡ ፈረንሳን ፖርቹጊዝን ከም ኣማራጺ ኮይኑ ክዝረብ እኳ እንተጸንሐ ኣብዚ እዋን እቲ ጎስጓስ ሓይሊ ወሲኹ ይርከብ።
ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ዘካየዶ ጉባኤ፡ ስዋሂሊ ወግዓዊ ናይ ስራሕ ቋንቋ ክኸውን ወሲኑ ኣሎ።
ናይ ቁጠባዊ ምትሕግጋዝ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪቃ'ውን (ኢኤሲ) ወግዓዊ ቋንቋ እዩ።
ስዋሂሊ ኣብ 2019፡ ኣብ ማሕበረሰብ ልምዓት ደቡባዊ ኣፍሪቃ (ኤስኤዲሲ) ኣፍልጦ ዝተዋሃቦ እንኮ ኣፍሪቃዊ ቋንቋ ክኸውን ክኢሉ እዩ።
ኣብ ቀረባ እዋን ዩኒቨርስቲ ኣዲስ ኣበባ - ኢትዮጵያ ቋንቋ ስዋሂሊ ምምሃር ክጅምር ምዃኑ ምግላጹ'ውን ይዝከር።
ዝርግሐ ስዋሂሊ ኣብ ኣፍሪቃ እናዓበየ ክኸይድ ምዃኑ ገለ ተመራመርቲ ቋንቋ የረድኡ።
ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ቤትትምህርቲ መጽናዕትታት ኣፍሪቃ ተመራማሪ ቋንቋ ስዋሂሊ ዝኾነ ቶም ጀልፕክ፡ ኣብታ ኣህጉር ዘሎ ምትእስሳር እናሓየለ ብዝኸደ መጠን ሰባት ሓባራዊ መረዳድኢ ክደልዩ ምዃኖም ይምጉት።
ስዋሂሊ ኣብ ምብራቕን ማእከላይን ኣፍሪቃ ምስ ዝዝረቡ ካልኦት ቋንቋታት ዘለዎ ቅርበት ኣብቲ ከባቢ ንዝህልዎ ቦታ ዘሐይል ምዃኑ ከኣ ይኣምን።
ኣብ ካልእ ከባቢታት ኣፍሪቃ ግና ናይ ስነሓሳብ ጉዳይ ክኸውን ይኽእል እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ስዋሂሊ ናይ ፓን-ኣፍሪካን ቋንቋ ናይ ምግባር ሓሳብ ኣብ 1960 እዩ ብቀዳማይ ፕረዚደንት ታንዛንያ ጁልየስ ኔረረ ድፍኢት ተጌሩሉ።
ንሱ ድሕሪ ነጻነት ንሃገሩ ናብ ሓድነት ኣብ ምምጻእ ንቋንቋ ስዋሂሊ ከም ዝተጠቀመ ይግለጽ።
ቋንቋታት ኣውሮጳ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዎም ጽልዋ ጌና ዓብዪ እዩ - ካብዚ ንምእላይ ከኣ ከቢድ ጻዕሪ ዝሓትት ስራሕ እዩ።
ኣብዚ እዋን ካብ 54 ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብተን 27 እንግሊዝኛ እቲ ወግዓዊ ወይ'ውን ካልኣይ ቋንቋ ክኸውን እንከሎ፡ ቋንቋ ፈረንሳ ኣብ 21 ሃገራት ኣፍሪቃ ወግዓዊ እዩ።
ስዋሂሊ ኣብ ምብራቕ፡ ማእከላይን ደቡባውን ኣፍሪቃ ጽቡቕ ተቐባልነት ዘለዎ እኳ እንተኾነ ኣብ ምዕራባውን ሰሜናውን ክፋል እታ ኣህጉር ብድሆታት ኣለዎ።
ኣብ ሰሜን ዓረብኛ ዓብላሊ ክኸውን እንከሎ ኣብ ምዕራብ ከኣ ከም ሃውሳ፡ ኢግቦን የሩባን ዝኣመሰሉ ክወዳደርዎ ዝኽእሉ ኣፍሪቃውያን ቋንቋታት ኣለው።









![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







