ኬንያ፡ ምሕራድ ደርሁ ኣብ ቤት ትምህርቲ ስለምንታይ'ዩ ክትዕ ፈጢሩ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኣብ ኬንያ፡ ክልተ ህጻናት መባእታ ቤት ትምህርቲ ደርሆ ክሓርዱ እንከለዉ ዘርኢ፡ ኣብ ብዙሓት ዝተዘርገሐ ቪድዮ፡ እቲ ሓድሽ ስርዓተ ትምህርቲ እታ ሃገር ዕግርግርን ብገለ ሸነኽ ድማ ላግጽን ይፈጥር ኣሎ።
ኣብቲ ንደቂ 11 ዓመት፡ ደርሆ ብኸመይ ከም እትሕረደን ትኽሸንን ዝወሃብ ትምህርቲ፡ ሓደ ወዲ ነታ ደርሆ ክሕዛን እቲ ሓደ ድማ ብፍርሒ ካራ ሒዙ ክሓርድ እንከሎን ይርአ።
ኣብቲ ቪድዮ፡ ተሃንጥዮም ዝዕዘቡ ዝነበሩ መማህርቶም፡ እቲ ብሞባይሉ ዝስእል መምህር፡ እንቋዕ ሓጐሰካ ክብሎ እንከሎ ይርእዩ።
ድሕሪኡ ኻልእ፡ ነቲ ኣካል እታ ደርሆ ኣብ ጥቓኡ ኣብ ዝነበረ ዝፈልሕ ማይ ዝሓዘ ድስቲ ከእትዎ መምርሒ ክህቦ ከሎ ክዕዘቡ ይረኣዩ።
እንተዀነ፡ እቲ ቈልዓ ነታ ርእሳ ዝተቘርጸት ደርሆ ኣብ ልዕሊ እቲ ድስቲ ከቐምጣ ክብል፡ እታ ምሉእ ብምሉእ ትንፋሳ ዘይሓለፈት ዝነበረት ርእሲ ዘይነበራ ደርሆ ኣኽናፋ ገፍገፍ ኣቢላ ትሃድም።
እታ ናይ 19 ካልኢት ክሊፕ፡ ብሰሓቕ መምህርን እታ ዘይዕድለኛ ርእሳ ዝተቘርጸት ደርሆ ገና እናሃደመትን እቶም ህጻናት እናጨደሩ ደድሕሪኣ ክሃድሙን ይርኣዩ።
ርእሲ ደርሆ ምስ ዝቝረጽ፡ ዓንዲ ሕቘኣ ገና ተረፍ ኦክስጅን ስለዘህልዎ ንሓያሎ ደቓይቕ ክንቀሳቐስን ክኸይድን ይኽእል እዩ።
እዚ ፍጻመ፡ እቶም ተመሃሮ ሻድሻይ ክፍሊ ክርስዕዎ ኣይክእሉን።
እቲ ቪድዮ፡ ንድሕነት እቶም ቈልዑ ብዝሻቐሉ ሰባት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ብዙሕ ኣዛሪቡ እዩ።
እንተዀነ፡ ብዛዕባ ስቓይ እታ ደርሆ ግን ዘልዓለ ዳርጋ የለን።
ኣብ ገጠራት ኬንያ፡ ደርሁ ክሕረዳ ምርኣይ ልሙድ እዩ።
ተመሃሮ፡ መባእታ ቤት ትምህርቲ ካብ ዝጅምሩ ኣትሒዞም፡ ንሓድሽ ስርዓተ ትምህርቲ መፈተንታ ኰይኖም ብምህላዎም፡ ኣብ ዝሓለፈ ሒደት ዓመታት ብዙሕ ዝተፈላለየ ግብራዊ ፕሮጀክትታት ከም ዝፍትኑ ክግበር ጸኒሑ እዩ።

ደገፍቲ ብቕዓት መሰረት ዝገበረ ስርዓተ ትምህርቲ (CBC) ዝያዳ ነዞም ተመሃሮ መባእታ ከም ፈለምቲ ይርእይዎም።
እዚ ድማ፡ ነቲ ዝኣረገ ኣብ ክልሰ-ሓሳብን ፈተናን ዝተመርኮሰ ስርዓት ብምምሕያሽ፡ ንህይወት መበል 21 ክፍለ ዘመን ንምግጣምን ስራሕ ንምርካብን ብዝበለጸ ስለ ዘዳልዎም እዩ ይብሉ።
ብተወሳኺ፡ ቀጻሊ ገምጋም ተመሃሮ ስለዘሎ፡ ነቲ ዓቢይ ጸገም መንግስቲ ኰይኑ ዝጸንሐ ኣብ ፈተናታት ዝግበር ምቕዳሕን ምትላልን ከም ዘጕድል ይምጕቱ።
ኣስታት 1.25 ሚልዮን ተመሃሮ ሻድሻይ ክፍሊ ኬንያ፡ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብቲ ናብ ካልኣይ ደረጃ ንምሕላፍ ዝውስን ፈተና ክሳተፉ እዮም።
ንመጀመርታ ግዜ ድማ እዚ ፈተና ኣብ ናይ መወዳእታ ነጥቦም 40% ጥራይ እዩ ዘበርክት፤ ምኽንያቱ እቲ ዝተረፈ መምዘኒ እቲ ካብ ቀዳማይ ክፍሊ ኣትሒዙ ዝግበር ገምጋም/ምምዛን ክሽፍኖ እዩ።
እንተዀነ፡ ገለ ወለዲ በዚ ሓድሽ ዓይነት ኣመሃህራ ሕጕሳት ኣይኰኑን፡ ምኽንያቱ ተመሃሮ ንግብራዊ ትምህርቲ ዝሕግዞም ደርሆ ከይተረፈ ከምጽኡ ስለዝግደዱ።
ኣብ ምብራቕ ኬንያ ኣብ እትርከብ ቤት ትምህርቲ ካንጉንዶ መምህር ስነፍልጠት ዝዀነ ጅሚማህ ጊታሪ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ፡ ነዚ ሓሳብ ናይ ገለ ወለዲ ትድግፍ።
“ሓሙሻይ ክፍሊ’የ ዝምህር፣ ተመሃሮ ጨርቂ ኣምጺኦም መንዲል ክሰፍዩ ኣብ ዝሓተትናሉ፡ ገለ ተመሃሮ ነታ ጨርቂ ክዕድጉ ዓቕሚ ስለዘይብሎም፡ በቲ ዘለዎም ተመሃሮ ዘምጽእዎ ገይርና ክንምህሮም ተገዲድና” ትብል።
እታ መምህር ኣስዒባ፡ ገለ መምሃራን ነዚ ሓዲሽ ዓይነት ኣመሃህራ ከም ረብሓ ብምጥቃም፡ ንተመሃሮ መምህሪ ዝኸውን ስጋ ኣምጽኡ ከምዝብልዎም ትሕብር።
እዛ ክስተት ናይ ደርሆ ኣብ መስከረም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስ ተዘርገሐት፡ መምሃራን ተመሃሮ ዘምጽእወን ደርሁ ኣብ ውሽጢ ኦፊስ ኰይኖም እናበልዑ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስ ተዘርግሐ፡ ብዙሓት ብቝጠዐ ርእይቶኦም ክህቡ ተራእዮም።
ኣብ ምዕራብ ኬንያ ኣባል ሃገራዊ ባይቶ ዝዀነ ዲድሙስ ባራሳ፡ "ንኸብዶም ዘይብሎም ወለዲ ብደቆም ኣቢልካ ደርሆ ኣምጽኡ ምባል ኣይግቡእን’ዩ" ይብል።
እቲ ናይቶም ተመሃሮን ናይታ ደርሆን ዛንታ፡ ናብ እዝኑ ዝበጽሖ ሓድሽ ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ፡ ነቲ ኣብ እዋን ኡሁሩ ኬንያታ ዝተኣታተወ ሓድሽ ኣገባብ ኣመሃህራ ዝግምግም 49 ኣባላት ዝሓቘፈ ሓይሊ ዕማም ኣቚሙ ኣሎ።
እቲ ሓይሊ ዕማም፡ እቲ ኣገባብ ኣመሃህራ ይቐጽልዶ ይቋረጽ ኣብ ዝብል ነጥቢ ቅድሚ ወርሒ ጥሪ ርእይቶኡ ክህበሉ’ዩ።
ገለ ወለዲ ነቲ ሓዲሽ ዓይነት ኣመሃህራ’ኳ እንተዘይጸልእዎ፡ ሕጽረት መጻሕፍትን ጉድለት ሚዛንን ከምዘለዎ ይማጐቱ።
ሮዚና ኪሲሉ፡ ኣብ ናይሮቢ ትነብር ኣደ ክልተ ቈልዑ እያ፡ ንሳ ምስ ቢቢሲ ኣብ ዝገበረቶ ቃለ መጠይቕ፡ “ጓለይ ራብዓይ ክፍሊ’ያ፡ 12 ዓይነት ትምህርቲ ኸኣ ትመሃር፣ ኵሉ ኸኣ ብተግባር ዝስነ’ዩ፣ ዝበዝሐ ግዜ ነቲ ብተግባር ዝስራሕ ዕዮታት ኣብ ምስራሕ ስለ ዘሕልፍዎ፡ ነቲ ኣብ ከፍሊ ክምሃርዎ ዝግባኦም ኣይሽፍንዎን’ዮም፡” ትብል።
ኣብ ኬንያ፡ ተመሃሮ ኣብ ሓደ ዓመት ሰለስተ ሰሚስተር’ዮም ዝመሃሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግን ነቲ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ዝተኸሰረ ግዜ ንምክሕሓስ ኣብ ሓደ ዓመት ኣርባዕተ ሰሚስተር ከምዝመሃሩ’ዩ ተገይሩ።
ኣብ ልዕሊኡ፡ እቶም መምሃራን’ውን ነዚ ሓድሽ ዝተኣታተወ ኣገባብ ኣመሃህራ ሓደስቲ ስለዝዀኑ፡ ነቲ ኣገባብ ንምርዓም ግዜ ከምዘድልዮም’ዩ ዝግለጽ።
ኣብ ጭው ዝበለ ገጠር ዝርከቡ ተመሃሮ፡ ምሕንባስ ብተግባር ንኽመሃሩ ንዝወጽአ መደብ፡ ኣብቲ ከባቢ ቀላይ ወይ መሕበሲ ጋብላ ስለዘይብሎም ኣብ መሬት ሰፋሕፋሕ እናበሉ ልክዕ ከምዝሕምብሱ ዘለዉ ከንገርግሩ ዘርኢ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ድሕሪ ምዝርግሑ፡ ብዙሓት ርእይቶኦም ክህብሉ ተራእዮም’ዮም።
ኣብ ናይሮቡ ዝምህሩ ማርዮንን ሙዶንን ግን፡ እቲ ብተግባር ዝግበር ዓይነት ትምህርቲ ከከም ከባቢኡ ክርዓም ከምዝከኣል’ዮም ዝገልጹ።
“ገለ ነገራት ኣዝኡ ይጋነን ኣሎ፡ እዚ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ንርእዮ ዘለና፡ ካብቲ ዝተውሃበና መምርሒታት ወጻኢ’ዩ። ምስ ግዜ መምሃራን ኵሉ ብተግባር ክግበር ከምዘይክእል ክርድኦም ክጅምር’ዩ።"
ሃገራዊ ማሕበር መምሃራን ኬንያ’ውን፡ ምምሃራን ግቡእ ስልጠና ክሳብ ዝወሃቦም እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ምሉእ ብምሉእ ከይተኣታቶ ምሕጽንታ ኣቕሪቡ’ሎ።

ዳይረክተር ናይ ሓደ ብሕቲ ቤት ትምህርቲ ናይሮቢ፡ ሶፍያ ምቤቪ፡ እቲ ሓድሽ ኣገባብ ኣመሃህራ ጽቡቕ ተበግሶ'ኳ እንተነበሮ፡ ኣዝዩ ብታህዋኽ ከምዝተተግበረ ትዛረብ።
እታ ንሳ ተምህረላ ቤት ትምህቲ፡ ኣማራጺ ስርዓተ ትምህርቲ ትህብ - እዚ ድማ ብመሰረት ሕጊ ኬንያ ብክፍሊ ትምህርቲ ክሳብ ዝጸደቐ ንብሕቲ ትካላት ፍቝድ እዩ።
ገለ ዓቕሚ ዘለዎም ወለዲ፡ መጻኢ ደቈም ከምዚ ኣብ ፈተነ ዝተምስረተ ክኸውን ስለዘይደልዩ፡ ከምዚ ኣማራጺ ስርዓተ ትምህርቲ ዘለወን ናይ ብሕቲ ኣብያተ ትምህርቲ ይመርጹ ኣለዉ።
ሚስ ምቤቪ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ "ንሓደ ስርዓተ ትምህርቲ ምጽጋን ርሑቕ ዝኸይድ ጽልዋ ኣለዎ። ቅድሚ ምሉእ ምዝርጋሕን ምስፋሕን ጸጋታትን መምህራን ምስልጣንን ብዙሕ ክስራሕ ኣለዎ።"
"ትምህርቲ ፖለቲካዊ ምግባር ደው ኣቢልና፡ ንህጻናት ብቕዓትን ጽሬትን ዘለዎ ትምህርቲ ንምርግጋጽ ቅኑዕ ነገር ክንገብር ከም እንኽእል ጥራይ ተስፋ እገብር።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







