ናይ ተምሃሮ ዕዮ ብምስራሕ ኣብ ምትላል ዝሕግዙ ዘለዉ ጸሓፍቲ

ሓንቲ ኢድ እናጸሓፈት ካልኣይቲ ኢድ ነቲ ወረቐት ክትቕበልን ገንዘብ ክተረክብን ዘርእይ ስእሊ

ሓደ ተምሃራይ ኣብ ለንደን ወይ ኒው ዮርክ ኮይኑ፡ ትምህርታዊ ዕዮኡ ብመገዲ ኢንተርነት ኣቢሉ ዝረኸቦ ካልእ ሰብ ክሰርሓሉ ሃሰውሰው እንተዳኣ ኢሉ እቲ ዕዮ ኣብ ኬንያ ብዘሎ ሰብ ዝስረሐሉ ዕድል ዳርጋ ሚእቲ ምእታዊት እዩ፡፡ ቢቢሲ ትረንዲን ብዛዕባ እቶም: ወጻአተኛታት ከጭበርብሩ ዝሕግዙ ዘለዉ: ኣሰሮም ዘይረኣይ ጸሓፍቲ (ጎስት ራይተርስ) ካብ ናይሮቢ ዝስዕብ ጸብጻብ ኣዳልዩ ኣሎ፡፡

መምህር ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ ከነዲ፡ ንዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ግን ኣብ ካልእ ዕዮ ወፊሩ ኣሎ፡፡ ‘‘ትምህርታዊ ጽሑፋት የዳሉ’’ ክብል ይገልጾ፡፡

ንሱ ኣካል እቲ ኣብ ኬንያ እናዓበየ ዝመጽእ ዘሎ ዓለም ለኻዊ ኢንዳስትሪ እዩ፡፡ እንተኾነ እቲ ከነዲን መሰላቱን ‘‘ትምህርታዊ ጽሑፍ’’ ኢሎም ዝጽውዕዎ፡ ካልእ ህዝቢ ዓለም ምትላል ወይ ምቑባይ እዩ ዝብሎ፡፡

ትምህርታዊ ዕዮ ዝኸብዶ ወይ ኣይግዱ እንተኾንካ ኬነዲን መሰላቱን ነቲ ስራሕ ይሰርሑልካ፡፡ ንስኻ ድማ ከምዘይትፍለጥ ተስፋ ብምግባር ዝሰራሕካዮ አምሲልካ ተቕርቦ፡፡

እቶም ነቲ ሰራሕን ኣስራሕን ዘራኽቡ ደለልቲ ‘‘ኢሰይ ሚል’’ ዝበሃል ድህረ ገጻት ዝውንኑን እቲ ከስርሕ ዝደልይ ሰብ ምልክታ ዝልጥፈሎምን እዮም፡፡

መብዛሕተኦም እቶም ድህረ ገጻት ኣብ ኣመሪካን ምብራቕ ኣውሮጳን ዝርከቡ ኮይኖም ክሳብ ፍርቂ እቲ መስርሒ ዋጋ ዝካፈሉ እዮም፡፡ መጠን እቲ ክፍሊት ከም ዓይነትን ክብደትን እቲ ዕዮ ዝፈላለ ኮይኑ ክሳብ ናይ ዶክትሬት መመረቒ ጽሑፍ (ፒኤችዲ ተሲስ) ዝበጽሑ ስራሕቲ ይዕየዩ፡፡

ከኔዲን ዝቖጸሮም ሰራሕተኛታትን ኣብ ወርሒ ክሳብ 200 ዝበጽሑ ጽሑፋትን ናይ ኦንላይን ፈተናታትን ይሰርሑ፡፡

ነዚ ዓውዲ ንግዲ ዘጽንዑ ሰባት ከምዝገልጽዎ ኬንያ ናይቲ ብውዕል ዝካየድ ምትላል ‘‘ኮንትራክት ቺቲንግ’’ ሕምብርቲ እያ፡፡ እቲ ምኽንያት ከኣ ቀሊል እዩ፤ ኬንያ ቋንቋ እንግሊዝ ዝዝረበላ፣ ጽፉፍ ስርዓተ ትምህርቲ ዘለዋ ግን ድማ ብፍላይ ንመናእሰይ ድኹም ቁጠባዊ ዕድላት ለዘዋ ብምዃና እዩ፡፡

ስለዚ ነቶም ናብራ ንምጥጣሕ ዝቃለሱ: ፍልጥቶም ንወጻእተኛታት ብምሃብ ቅርሺ ዝረኽቡሉ መገዲ ኣሎ ማለት እዩ፡፡

እቶም ነቲ ሰራሕን ኣስራሕን ዘራኽቡ ድህረ ገጻት እቶም ስራሕቲ ብጸዓዱ ከምዝስርሑ ኣምሲሎም እዮም ዘቕርቡዎም፡፡ ኮይኑ ግና እቲ ሓቂ ካልእ እዩ፤ እቲ ስራሕ ኣብ ኬንያ ዝስረሐሉ ዕድል ኣዝዩ ዝለዓለ እዩ፡፡

ወዲ 30 ዓመት ከኔዲ ወርሓዊ 150 ሽሕ ናይ ኬንያ ሽልንግ ወይ ኣስታት 1,500 ዶላር ኣመሪካ ይረክብ፡፡ እዚ ድማ ካብ ማእከላይ ወርሓዊ ደሞዝ ብቐሩብ ዝዛይድን ናይቲ መምህር እናሃለወ ዝኽፈሎ ዝነበረ ኣርባዕተ ዕጽፍን እዩ፡፡

መትከላት ትምህርቲ ዓለም ክሽርሸር ኣብ ምግባር ምስታፉ ግን እንታይ ስምዒት ይፈጥረሉ ይኸውን?

ከም መጠን መምህር ዝነበርኩ ሰብ፡ ስነ ምግባር ከምዝጠሓስኩ ይስመዐኒ እዩ ዝብል ከኔዲ ‘‘ይሓስብ እየ፤ ግን ልዕሊ ህይወተይ ዘጨንቐኒ እንታይ ኣሎ? ብዛዕባ ስነ ምግባር ክትሓስብ እኮ ፈለማ ክትነብር ኣለካ’’ ብምባል ንገንዘብ ኢሉ ከምዝሰርሕ ይዛረብ፡፡

ከነዲ ዓማዊሉ ብዝሰረሐሎም ስራሕ ዲግሪ ወይ ካልእ ወረቐት ሒዞም ካብ ናቱ ዝሓይሽ ኣታዊ ክረኽቡ ከምዝኽእሉ ይፈልጥ እዩ፡፡

‘‘ሽዑ ውድድርካ ምስኦም ከምዘይኮነ ትፈልጥ፤ ገለ እዋን እቲ ውድድር ኣንጻር ድኽነት እዩ’’ ይብል፡፡

ዋላኳ ኣብ ካልኦት ሃገራት እውን ትምህርታዊ ጽሑፋት ዘዳለዉ እንተሃለዉ እቶም ኣብ ኬንያ ዘለዉ ግን ናይ ባዕሎም ኣገባብ ኣማዕቢሎም እዮም፡፡

ናይ መመረቒ ጋውን ዝለበሱ ተማሃሮ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

ተወሳኺ ኣታዊ ንምርካብ ካብ ዝሰርሑ ማእከለዎት ሰብ ሞያ ክሳብ ተምሃሮ ኣብቲ ስራሕ ይሳተፉ ፡፡

ደቪድ ካብቶም ናይ ትምህርቲ ወጻኢታቶም ኣብዚ ስራሕ ብምስራሕ ዝሽፍኑ 10 ሰባት ሓደ ከምዝኾነ ይገልጽ፡፡

‘‘ስድራ ቤተይ ንናይ ትምህርቲ ወጻእታተይ ክሽፍኑ ኣይክእሉን እዮም’’ ብምባል ድማ ወጻእታቱ ንምሽፋንን እንተመሊእሉ ድማ ስድራ ቤቱ ንምሕጋዝን ከምዝጥቀመሉ ይገልጽ፡፡

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ናይ 360 ብሪጣንያውያንን ኣመሪካውያንን ጽሑፋት ኣዳልዩ እዩ፡፡ መዓልታዊ ክሳብ 15 ገጻት በምጽሓፍ ድማ ንገጽ 250 ናይ ኬንያ ሽልንግ ወይ 1.5 ፖውንድ ይኽፈሎ፡፡

ኣብታ ዝተወለደላ ገጠር መሬት ተኻርዩ ንምዝራእ ዝኸውን እኹል ኣታዊ ከምዝረክብ ዝገልጽ ደቪድ መጻኢኡ የጣጥሕ ከምዘሎ ይኣምን፡፡ ናይ ባዕልኻ ገጽ (ኣካውንት) ምኽፋት ከቢድ ከምዝኾነ ብምግለጽ ድማ ካብ ካልኦት ሰባት እናተቐበለ ከምዝሰርሕ ይዛረብ፡፡

እቶም ብዓማዊል ሓሙሽተ ኮኸብ ዝተውሃቦም ኣካውንትታት እውን ብኽቡር ዋጋ ዝሽየጡ ሃብትታት እዮም፡፡

‘‘ልዕሊ 10 ኣካውንትታት ገዚአ እየ’’ ዝብል ከነዲ ገሊኦም ክሳብ 500 ሽሕ ናይ ኬንያ ሽልንግ ወይ 3,300 ፓውንድ ከምዝውድኡ ይገልጽ፡፡

ደቪድ እውን ምስተመረቐ ናይ ባዕሉ ኣካውንት ክህልዎ እዩ ዝደሊ፡፡

ከም ጆን ዝበሉ ኣብዚ ዓውዲ ዝነጥፉ ሰባት ግና ነዚ ስራሕ ብኣወንታ ኣይጥምትዎን እዮም፡፡ ንሱ ተመሪቑ እቲ ዝምነዮ ናይ ሚድያ ስራሕ እንተረኺቡ ነዚ ስራሕ ክጥንጥኖ እዩ ዝደሊ፡፡

‘‘ናይ ነርሲንግ ተምሃሮ ትምህርታዊ ዕዮ ዝሰርሑ ኣለዉ፤ ፈተና ከፊሎም ብኻልእ ሰብ ኣብ ዘስርሑ ሰባት ከይደ ክሕከም ኣይደልን’’ ብምባል እዚ ስራሕ ክጠፍእ ከምዘለዎ ይገልጽ፡፡

ኣብ መልቲሚድያ ዩኒቨርሲቲ ናይሮቢ እትምህር ዶ/ር ግላድየስ ኒያቺዮ፡ ነዚ ዓይነት ምትላል ናይ ምክልኻል ሓልፍነት ናይተን ተምሃሮአን ከፊሎም ዘስርሑ ዘለዉ ሃፍታም ሃገራት ከምዝኾነ ትሕብር፡፡

ገለ ሃገራት ስጉምቲ ምውሳድ ጀሚረን እየን፡፡ ንኣብነት ኣውስትራልያ ትምህርታዊ ጽሑፋት ዘዳልዉ ትካላት ኣጊዳ እያ፡፡ እንግሊዝ እውን ተመሳሳሊ ምንቅስቓስ ጀሚራ ከምዘላ ይግለጽ፡፡ እንተኾነ እዚ ነቲ ዶብ ተሳጋሪ ዓውዲ ብኸመይ ደው ከምዘብሎ ንጹር ኣይኮነን፡፡