ኤርትራ፡ ንናጽነት ከቢድ ዋጋ ዝኸፈሉ፡ ግን ከይቀሰኑ ዝሓለፉ ስድራ

ስድራ ቤት ኣቦይ መስፍን ጉዱም

ምንጪ ስእሊ, Saba

መግለጺ ስእሊ, ስድራ ቤት ኣቦይ መስፍን ጉዱም

ቅድሚ ዕስራ ዓመት፡ ኣብዛ ወርሒ መስከረም፡ ንናጽነት ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ልዕሊ ፍርቂ ዕደመኦም ሓቢሮም ዝተጓዕዙ፡ ኣብ ነዊሕ ተጋድሎ ሓድሕድ ዝተደጋገፉ ኣብ ዝለዓለ መሪሕነት እቲ ውድብ ብሓባር ዝሰርሑን ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ መንግስቲ ኣቚሞም ሓቢሮም ዝመርሑን ፖለቲከኛታት ኤርትራ ኣብ መገዲ ብሓሳብ ከምእተፈላለዩ ሰነዳት ይሕብሩ።

እቶም ብጉጅለ-15 ዝስመዩ ኵናት ዶባት ኢትዮ ኤርትራ 1998-2000 ብስምምዕ ኣልጀርስ ናብ ኣህጉራዊ መጋባእያ ምስ ተመርሐ፡ ንህዝቢ ብዝኣተናሉ ቃል መሰረት ሃገራዊ ቅዋም ኣዊጅና ብሰንኪ ኵናት ተሰናኺሉ ንዝጸንሐ መስርሕ ደሞክራሲያዊ ጉዕዞ ነተግብር ክብሉ እንከለው፡ ፕረዚደንት ኢሳይያስን ጉጅልኡን ከኣ ነቶም ለውጢ ዝሓተቱ 'ኣብ ኵናት ዶባት ተምበርኪኾም' ኢሉ ብምኽሳስ ብ18 መስከረም ከካብ ቤቶም ተወሲዶም ን20 ዓመታት ደሃይ ኣብ ዘይብሉ ቤት ማእሰርቲ ዒላዒሮ ተኣሲሮም።

እቶም እሱራት ክሳብ ሕጂ ኣብ ዝኾነ ቤት ፍርዲ ከይተራእዩ ብምስዋሮምን ስድራ ቤቶም ኮነ ደቆም ክርእዩዎምን ክረኽብዎምን ከምዘይከኣሉ ሰነዳት ኣምኒስት ኢንተርናሺል ኮነ ሂዩማን ራይትስ ዎች የረድእ።

ብሰንኪ እዚ ከኣ ብዙሓት ወለዲ ናይዞም ን20 ዓመት ተኣሲሮም ተሰዊሮም ዘለው ፖለቲከኛታት እሱራት፡ ዳግማይ ገጽ ደቆም ከይረኣዩ ብሞት ተፈልዮም።

ኣቦይ መስፍን ጉዱምን በዓልቲ ቤቶም ወይዘሮ ምስላ ደበሳይን ከኣ ካብቶም ብዙሓት ግዳያት ስድራታት እዮም። ነቶም ስድራ ቤት ብቐረባ እትፈልጦም ሳባ ፍስሃየ ብኸምዚ ዝስዕብ ተዘንቱ።

Short presentational grey line

ኣቦይ መስፍን ጉዱም፡ ኮምፕላስዮን ከይቀየሩ ንስሳ ዓመት ኣብ ፍያታሌሮ ከም መካኒክ እናሰርሑ ምስ በዓልቲ ቤቶም ወይዘሮ ምስላ ደበሳይ ሸውዓተ ቖልዑ ወሊዶም አዕብዮም ኣምሂሮም።

እንተኾነ እቶም "ተማሂሮም ከብርዩኒ እዮም፡ ስራሕ ምስ ሓዙ ከዕርፉኒ እዮም" ኢሎም ተስፋ ዝገበሩሎም ኣርባዕተ ኣወዳት ደቆም፡ ፍቕረ ካብ ቤት ትምህርቲ መኮንናት ሃረር ምስተመረቐ ኣብ 1972፡ ኣልኣዛር ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ብኢኮኖሚክስ ምስተመረቐ፡ ሰሪሖም ንዘዕበዩንን ዘምሃሩን ወለደይ ክሕግዝ ከይበለ ንናጽነት ኤርትራ ብ1975፡ ምሕረቱ ብ1976 ንእሽቶ ሓዎም ኣሮን ብ1977 ናብ ሜዳ ተጸንቢሮም።

እቶም ስድራ ነብሶም ከየቐደሙ፡ "ደቅና ምስ መዋፍርቶም ዓወት ሒዞም ብደሓነ ሰላም ይመለሱና፤ ኣብ ዝኸዱዎ እሽኾ ኣይጋኣዮም" እናበሉ ጸሎት እናገበሩ፡ ወረ ዓወትን ተስፋን ደቆም እናተጸናጸኑ፡ ነቲ ከቢድ ናብራ ገጢሞምዎ።

እቲ ልዕሊ ናብራን ናፍቖትን ዝጎድኦም ግን፡ ምስግና ወዶም ኣብ ከተማ ብምስጢር እናሰርሐ ብኣባላት ጸጥታ ስርዓት ደርግ ተታሒዙ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ አእምሮኡ ክሳብ ዝዘናበል ከም ሕሱም ተቐጥቂጡ፡ "ሰንኪሉን ካብ ስራሕ ወጻኢን'ዩ" ምስተባህለ ተፈቲሑ።

ክልቲኦም ወለዲ እቲ በሊሕ ውላዶም ብሕሱም ማህረምቲ አእምሮኡ ተጎዲኡ ምስ መጽኦም ሰምቢዶም። "ወላዲ፡ ዘፍቅሮ ውላዱ ብሰበስልጣን ክስንክል ምርኣይ ኣይጽወርን እዩ - ግን ፍቓድ ፈጣሪ ኮይኑ ወድና እቲ ምእንቲ ሃገርን ህዝብን ዝኽፈል ዋጋ ከፊሉዎ ኣሎ" ብምባል ነቲ መሪር ጓሂ ጸይሮሙዎ።

ስንክልንኡ፡ ማህረምቲ ዝባኑ፡ ምምዝባል አእምሮኡ፡ ብዓወት ዝድበሰሉን ወፋሮ በራኻን ተቓለስቲ ውሽጢ ዓድን ገጽ ንገጽ ዝራኸቡሉን ዝተሓቛቖፉሉን እዋን ክመጽእ እናተተስፈው፡ ነቲ ከቢድ ህይወት ተጸሚሞምዎ። "ኣብ ተስፋ ኩሉ ሳዕ ብርሃን ኣሎ" ብዝብል እምነት ንተስፈኦም ብጸሎት ኣማዕቊቦም ብርሃን ኤርትራ ክርእዩ ሃንቀው ኢሎም።

ኣቦይ መስፍንን ኣደይ ምስላን ውላዶም ካብ ማእሰርቲ ምፍትሑ እኳ እንተሐጎሶም፡ ብሰንኪ እቲ ዝወረዶ ከቢድ ማህረምቲ ስለዝተጎድአ ግን ተወሳኺ ጾር እዩ ኮይኑዎም። ግን ከኣ ሰብኣይን ሰበይትን "እንቋዕ ኣብ ኢዶም ኣይሞተ፤ ነዛ ንዓይንና እኳ ንርእዮ" ብምባል ነቲ ከቢድ ሰከም ከም ህያብ ተቐቢሎም ብፍቕሪ ሓብሒቦምዎ።

በዂሪ እቲ ስድራ ባህጉ እያ። ምስ ጎበዘት ተመርዕያ ሓዳራ ወጺኣ። ኣደይ ምስላ ምስ ንእሽቶ ጓለን ኣልማዝን እቲ ብማህረምቲ ዝሰንከለ ውላደን እየን ኣብታ ቤት።

ባህጉ ከኣ እናመጽአት ደሃየን ትገብርን ንስድርኣ ትሕግዝን። እቶም ኣርባዕተ ደቆም ናብ ቃልሲ ምስተጸምበሩ እታ ቤት ጸምያ እያ። ግን ከኣ ተስፋ ኣይተፈልያን ሓደ መዓልቲ እቲ ደቅናን መዛንኦም ዝወፈርሉ ዕላማ ክዕወት እዩ ብዝብል እምንቶ፡ ዓወት ቃልሲ እናክሰምዑ እናተሓጎሱ፡ ተጋደልቲ ተደፊኦም ንሳሕል ኣርሒቖም ክበሃል እናኽሰምዑ ፈጣሪ ንኸይጋደፎም እናጸለዩ ነቲ ነዊሕ ዓመታት ብተስፋ ነቢሮምዎ።

መበል ሳልሳይ ኣባል እታ ስድራ ፍቕረ መስፍን፡ ብትምህርቱ ጸብለል ዝበለ - ህርኩት፡ ንነገራት ህድእ ኢሉ ዝርኢ ዓቃል ግን ከኣ ዝተሰምዖን ዝተራእዮን ዝፍጽም ተባዕ ሰብ ነይሩ።

ኣብቲ ክቱር ሃገራዊ ስምዒት ዝተወዓወዓሉ እዋን ፍቕረ እውን ናይ ግዜ ሕቶ እንተዘይኮይኑ ሓደ መዓልቲ ናብ ቃልሲ ክጽንበር ስለዝወደኦ፡ ንሜዳ ምስላፉ ዘይተርፎ ከኣ ወተሃደራዊ ሞያን ክእለትን ኣጥርዩ ክወፍር ስለዝሓለነ ናብ ሃረር ወተሃደራዊ ኣካዳሚ ተጸምቢሩ ብልዑል ክእለትን ብልጫን ካዴት ኮይኑ ተመሪቑ።

ኣብ 1972 ከኣ ምስ መዛንኡ ናብ ሰውራ ተጸምቢሩ። ግቡእ ሞያዊ ወተሃደራዊ ስልጠና ወሲዱ ስለዝመጽአ፡ ነቲ ኣብ ሳሕል ዝተዋህበ ዝርካቡ ትምህርቲ ቀሲሙ ኣብተን ሽዑ ዝነበራ ሓይልታት ተጸምቢሩ፡ ካብ ተራ ክሳብ መራሕ ሓይሊ ብምብጻሕ ኣብ ቃልሲ ሓርነት ልዑል ተራ ኣበርኪቱ።

ድሕሪ ሰለስተ ዓመት ምስላፍ ፍቕረ፡ ምዕባዩ ሓው ኣልኣዛር ብ1975 ንሜዳ ተጸንቢሩ። ኣጋጣሚ ኮይኑ ከኣ ክልቲኦም አሕዋት ኣብ ሳሕል ተራኺቦም፡ ደሃይ ስድራን መተዓብይትን ተሓታቲቶም ፍቕሪ ሓድሕድ ኣውጺኦም።

ተጋዳላይ ፍቕረ መስፍን ኣብቲ ንከተማ ናቕፋ ሓራ ንምውጻእ ዝተኻየደ ናይ ሽዱሽተ ወርሒ ከባባ ሓይሉ መሪሑ፡ ንኹሉ እቲ መሪር ኩነታት፡ ከቢድ ጥሜት፡ ኣብቲ ቆራሪ ክሊማ ንዘጋጠሞም ሓያል ዕርቃን፡ ዋሕዲ ተተኳስን ድሩትነት ሕክምናን ተጻዊሩ ምስ ብጾቱ ተወፍዩ ኣገልጊሉ። ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብታ ከተማ ሓሊፉ።

ተጋዳላይ ፍቕረ ብወተሃደራዊ ክእለቱን ሰብኣዊ ባህርያቱን ውሩይ ስለዝነበረ ሕልፈቱ ኣይተሓብአን። ቀልጢፉ ኣብ አእዛን ኣልኣዛር ሓው በጺሑ።

ኣልኣዛር ብሕልፈት ፍቱው ሓው ሓዚኑን ጉህዩን። ግን ከኣ ኣብ ሰውራ እታ ንሰውኣት አሕዋትካን ብጾትካን እትኸፍላ ዝዓበየት ካሕሳ ኣሰሮም ሒዝካ ነቲ ዝተለምዎ ጉዕዞ ኣብ መፈጸምትኡ ምብጻሕ ስለዝኾነ ኣልኣዛር እውን ሕድሪ ንኡስ ሐውን ብጻዩን ንምፍጻም ዝያዳ ቀደም ተወፍዩ ክሰርሕ ምስ ነብሱ ቃል ኣትዩ።

ኣብ 1991 ናጽነት ኤርትራ ስድራ-ቤት እንዳቦይ መስፍን ካብቶም ናብ ቃልሲ ዝወፈሩ ኣርባዕተ ደቆም ክልተ ምቕሊ ረኺቦም፡ ኣልኣዛርን ኣብ ከቢድ ኵናት ተሃሪሙ ዝሰንከለ ምሕረቱ ወዶምን ብዓወት ተመሊሶሞም - ንፈጣሪኦም ኣመስጊኖም።

እቶም ብበረኻ ዝኣተው ኣልኣዛርን ምሕረቱን ከኣ፡ ምስቲ ንጥፈታት ሰውራ ከሳልጥ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝሰንከለ ሓዎምን አሓቶምን ተራኺቦም።

ኣቦይ መስፍንን ኣደይ ምስላን ኣልኣዛር ወዶም ወዲ ኣዋርሕ ሕጻን ሒዙ ኣብ ሜዳ ምስዝተመርዓዋ ተጋዳሊት ብጸይቱ ስለዝመጽኦም ምስ ናጽነት ንሓወቦታቱ ዝትክእ ዕምበባ ቖልዓ መጺኡና ብምባል ንፍቕረን ኣሮንን ከም ሞባእ ናጽነት ወፍዮም በቶም ዝተመልሱዎም ተጸናኒዖም።

እንተኾነ እቲ ደቅና ምስ ኣተው ክኸውን እዩ ዝበሉዎ ምሕደራን ፍትሕን ብኣግኡ ስለዘይረኣዩዎ፡ ህዝቢ ብምምሕዳራዊ ጉደለት ክማረር ምስ ጀመረ "ከመይ ከመይ እዩ ዝኸውን ዘሎ?" ብምባል ክጭነቑ ጀሚሮም።

ግን ከኣ እዞም ደቅና ሓንሳብ ደኣ ብሰላም ይመለሱና እምበር እቲ ምሕደራን መንግስትነትሲ ቀስ ኢሎም ይመሃሩዎ ዝብል ርእይቶ እንተነበሮም ሓደ መዓልቲ ክዕረ ተተስፍዮም "ኩሉ ከም ፍቓዱ እዩ" ብማለት ምንባር ቀጺሎም።

ኣደይ ምስላ ኣዝየን ውርዝይቲ ሃንደፍ ኢለን ዘይዛረባ ረዛን ኣደ ኔረን። ኩሉ ኣብ ከብደን እዩ። ንውሽጢ ይበኽያ ንውሽጢ የተንፍሳ። እቶም ናይ ስራሕ ኮምፕላስዮነ ቀይሮም ዘይፈልጡ፡ ብጻዕሮም ደቆም አዕብዮም ድሕሪ ናጽነት እውን ዘየዕረፉ ኣቦይ መስፍን እውን ሃንደፍ ኢሎም ዘይዛረቡ ዕጉስ ኣቦ ነይሮም።

ደጊም ናጽነትና ተጎናጺፍና፡ እዝግሄር ፈቒዱ ምቕሊ እውን ስለዝረኸብና "ተመስገን" ዝብሉ ዝነበሩ ኣቦይ መስፍን፡ እቲ ካብ ብሱል ጥረ ኮይኑ ካብ በረኻ ዝኣተወ ኣልኣዛር ወዶም፡ ነቶም ሕቶ ቅዋማዊ ምትካል ደሞክራሲያዊ ስርዓትን ዝሓተቱ፡ መንግስቲ ግን ኣብ ኩናት ዶባት ሃገር ክሒዶም ኢሉ ዝውንጅሎም ግን ከኣ ኣብ ዝኾነ ቤት ፍርዲ ዘየቕረቦም መቓልስቱ ተኣሲሩ ምስተሰወረ ሰብኣይን ሰበይትን ክጻወሩዎ ኣይከኣሉን።

እቲ ኣብ እርጋኖም ክኣልዮምን ክጥውሮምን ተስፋ ዝነበሮም " ሃገረይ - ህዝበይ!" ክብል ንእስነቱ አሕሊፉ ደጊም "ወለደይ - ኣቦይ ኣደይ!" ክብል ዝጽበዩዎ ዝነበሩ ውላዶም፡ ልዕሊ ደቁን ስድርኡን ወለዱን መትከሉን ዕላምኡን ኣቐዲሙ ምስተኣስረ ክልቲኦም ወለዲ ሞራሎም ተተንኪፉ።

ኣደይ ምስላ፡ ማእሰርቲ ኣልኣዛር ምስ ሰምዓ፡ ብስንባደ ሃንደበት ኣፈን ምስተሎግመ ክሳብ ካብ ዓለም ብጓህን ብስጭትን ዝፈለያ ከይተዛረባ ሓሊፈን። ክልቲአም ወለዲ ከኣ ኣኣብ ዓመቶም ዓሪፎም።

ኣልኣዛር ኣብ ዝተላእኮ ሓላፍነት ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊትን ኣብ ደጀንን ክሳብ ኣብ ሱዳንን ሮማ ኢጣልያን ተላኢኹ ብተወፋይነት ኣገልጊሉ ክሳብ ብ2001 ንሕቶ ለውጢ ብምድጋፉ ብዘይ ንቡር መስርሕ ቤት ፍርዲ ተኣሲሩ ዝስወር ንሃገሩ ኣገልጊሉ።

ኣብ 2005፡ ኣብ ገልዓሎ ማእከል መዘናግዒ ዝሰርሑ ኣሃዱ፡ ሓወልቲ ናይ ሓያሎ ካብቶም ኣብ ግንባር ናቕፋ ዝተሰውኡ ጀጋኑ ሃኒጾም። እቲ ማእከል ክምረቕ እንከሎ ስድራ ስውኣት ስለዝተዓደሙ፡ ኣቦይ መስፍንን ጓሎምን ኣብ ምምራቕ ሓወልቲ እቲ ኣብ ናቕፋ ዝተሰወአ ፍቕረ ወዶም ኣብ ገልዓሎ ውዒሎም።

ሽዑ ንሓወልቲ ፍቕረን ስውኣት ብጾቱን ምስ ረኣዩ፡ "እንታይ'ሞ፡ ሃገርኩም ዘላቶ ኩነታትን፡ ህዝብኹም ዘለዎ ሃለዋትን እንተትርእዩስ እንታይ ኮን ምበልኩም" ኢሎም ርእሶም ከምዘድነኑ ነዚ ታሪኽ ዘዘንተወት ሳባ ፍስሃየ ተረድእ።