ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝተኣገደ ከኒና ቻይና ጸገም ይፈጥር ኣሎ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሱዛን ዋማይታ ቅድሚ ሓደ ዓመት ሕማም ክስምዓ ምስ ጀመረ፡ እቲ ክትወስዶ ዝጀመረት ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ዘስዕቦ ጐድናዊ ሳዕቤን መሲልዋ ነይሩ።
ከምኡ ግን ኣይነበረን፤ እንታይ ደኣ ናይ ሸሞንተ ሰሙን ነፍሰጾር እያ ነይራ።
ኣብዚ ሕጂ እዋን፡ እታ ጓል 32 ዓመት ሱዛን ኣደ ሰለስተ ቈልዑ እያ። ኣይፈለጠትን እምበር እቲ ኣብ ሰነ 2021 ክትጥቀመሉ ዝጀመረት ከኒና ኣብ ኬንያ ተኣጊዱ እዩ።
እዚ ኣብ ጐደናታት ኬንያ "ሶፍያ" ብዝብል ሰም ዝፍለጥ ፍርያት ቻይና ዝዀነ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ፡ ኣብ ውሽጢ መዐሸጊኡ ዘሎ ኵሉ ዝርዝር ሓበሬታኡ'ውን ብቛንቋ ቻይና ጥራይ ዝተጻሕፈ እዩ።
ትርጕም ናይቲ ኣብ ቀዳማይ መስመር ዘሎ ጽሑፍ፡ "ሌቮኖርጀስትረል ፋስት ኢስተራዲዮል ታብለትስ" ከምዝሓዘ ይገልጽ። እቲ ከኒና "ንነዊሕ እዋን ዝሰርሕ ኣፋዊ መከላኸሊ ጥንሲ" ምዃኑ እቲ ካልኣይ መስመር ይሕብር። ብድሕሪኡ ኣብቲ ሳልሳይ መስመር፡ "ዚዡ ፋርማስዩቲካልስ ኮ ሊትድ" ዝብል ብዛዕባ ኣፍራዪ እቲ ክኒና ሓበሬታ ኣሎ።
እቲ ጸገም ግን እቲ ክኒና ልዑል መጠን ሌቮኖርጀስትረል ዘለዎ ምዃኑ እዩ። እዚ ድማ፡ ካብቲ ዝምከር መጠን ልዕሊ 40 ዕጽፊ ዝዛይድ ሌቮኖርጀስትረል ኣለዎ ማለት እዩ።
ብሰንኪ እዚ፡ መሸጣ እቲ ከኒና ቅድሚ 10 ዓመታት ብሰበስልጣን ኬንያ ተኣጊዱ እዩ።
ሌቮኖርጀስትረል ኣብ ብርክት ዝበሉ ኣገባባት መከላኸሊ ጥንሲ ዝውዕል ሆርሞናዊ መድሃኒት እዩ።
ሚኒስትሪ ጥዕና ብዛዕባ ርኽበታቱ ምሉእ ውጽኢት ቤተ-ፈተነ’ኳ እንተዘየካፈለ፡ እቲ ከኒና ከይሰርሐ ምትራፉን ጥንሲ ከም ዘጋጠመን ግን ይገልጽ።
ሕማም ርእስን ዕግርግር ምባል ስምዒትን
"ከምዝተኣገደ ኣይፈልጥን ነይረ። ብዙሓት መሓዙተይ ይጥቀማሉ ነይረን፣ ዝዀነ ጐድናዊ ሳዕቤን ኣይነበሮን" ትብል ሱዛን ዋማይታ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ።
ንሳ’ውን ከም ብዙሓት ካልኦት ኬንያውያን ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ክኒና ዝመረጸትሉ ምኽንያት፡ ተመጣጣኒ ዋጋ ስለዘለዎን ኣብ ወርሒ ሓደ ግዜ ጥራይ ስለዝውሰድን እዩ።
ደቂ ኣንስትዮ ነቲ ሶፍያ ዝበሃል ክኒን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ክገዝኣ ይኽእላ እየን። መብዛሕትኦም ኣቕረብቲ ብብዝሒ ኣይሸጡን። ዋጋ ሓንቲ ከኒና 2.50 ዶላር (ካብ 300 ክሳብ 400 ሽሊን ኬንያ) ይኸውን።
ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ካልኦት ኣገባባት ውጥን ስድራቤት ድማ፡ እቲ መዓልታዊ ዝውሰድ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ይርከብዎም። ናይ ሓደ ወርሒ ቀረብ ኣብ መንግስታዊ ሆስፒታላት ኣስታት 1.70 ዶላር ይኸውን። ግን ቀረብ መንግስታዊ ሆስፒታላት ኵሉ ግዜ ውሕስነት ስለዘይብሉ ደቂ ኣንስትዮ ድሕሪኡ ካብ ፋርማሲታት ብኣዝዩ ዝለዓለ ዋጋ ክገዝኣ ኣለወን።
በዚ ምኽንያት ንሰለስተ ኣዋርሕ ዝጸንሕ ኣብ ሰብነት ዝትከል ሆርሞናዊ ሜላ ከምኡ’ውን ኣብ ውሽጢ ማህጸን ዝቕመጡን ንሓያሎ ዓመታት ዝሰርሑ ዝተፈላለዩ ሜላታት እቶም ልሙዳት ኣማራጺታት ይዀኑ። ሆርሞናዊ ሜላ ብ5 ዶላር ዝግዛእ ክኸውን እንከሎ እቶም ኣብ ውሽጢ ማህጸን ዝቕመጡ ድማ ዋጋኦም ክሳብ 9 ዶላር ይበጽሕ።
ኮንዶም ኣብ መንግስታዊ ኣብያተ ጽሕፈታትን ሽቓቕን ብነጻ ዝቐርብ’ኳ እንተዀነ ሓደ ሓደ ግዜ ግን ይውዳእ እዩ። ይዅን እምበር ኣብ ድኳናት ምዕዳግ ይከኣል’ዩ።

ምንጪ ስእሊ, PPB
"እቲ ዝጥቀሞ ዝነበርኩ ሆርሞናዊ ዘይኰነ T ቅርጺ ዘለዎ መከላኸሊ፡ ቃንዛ ሕቘ የስዕበለይ ስለ ዝነበረ፡ ንሱ ኣውጺአ ነቲ ከኒና ክጥቀም ወሲነ" ክትብል ሱዛን ዋማይታ ትገልጽ።
‘ሶፍያ’ ንኽትጥቀም ዝመኸራኣ መሓዙታ፡ ዝዀነ ክብደት ሰብነት ዘይምውሳኸን'ውን መሲጥዋ’ዩ። እዚ፡ ነታ ክብደት ሰብነት ክትቅንስ ከም እትቃለስ ትዛረብ ሱዛን፡ ቁልፊ ረቛሒ እዩ።
እንተዀነ፡ ነቲ ክኒና ክትወስድ ከላ ገና ካብ መጀመርታ ጀሚሩ ጽቡቕ ስምዒት ኣይተሰምዓን።
ኣብ መጀመርታ ክልተ ከኒና ብድሕሪኡ ድማ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ሓደ ከኒና ስለትወስድ፡ ኣካላታ ነቲ ሓድሽ መድሃኒት ንኽለምዶ ግዜ ከምዝወስድ ሓሲባ።
"ሕማም ርእስን ዕግርግር ዝብል ስምዒትን ክስምዓኒ ጀሚሩ። ኣብታ ቀዳመይቲ ወርሒ ወርሓዊ ጽግያተይ ኣይመጸንን" ትብል ሱዛን።
ኣብታ ዝቐጸለት ወርሒ፡ ጽግያታ ምስ መጸ ግን ኣይተጨነቐትን። ኣብ ሳልሳይ ወርሒ መሊሱ ምስ ቀረየ ጥራይ እያ ክትጭነቕ ዝጀመረት።
ብድሕሪኡ በዓል ቤታ ብዛዕባ እቲ ከኒና መከላኸሊ ጥንሲ ክፍትሽ ምስጀመረ፡ ተኣጊዱ ከም ዝነበረ ፈሊጡ።
"ዝተኣገደ ከኒና ብምጥቃም ሰንቢድና። ጥንስቲ ምዃነይ ምስ ተረዳእኩ ድማ ብዛዕባ ኣብ ውላደይ ክህልዎ ዝኽእል ሳዕቤን ተሰኪፈ" ትብል።
ሕጂ ጥዕይቲ ጓል ሰለስተ ወርሒ ቈልዓ ኣላቶም፣ እንተዀነ እዞም መጻምድቲ ብሰንኪ ሕጽረት ሓበሬታን ጓሎም እናዓበየት ኣብ እትኸደሉ እዋን ክህልዎ ብዛዕባ ዝኽእል ጽልዋን ተረቢሾም ኣለዉ።
'ሓደ ሜላ ንዅሉ ኣይምጥንን'ዩ'
ኣብ ትሕተ ሰሃራ ኣፍሪቃ ካብተን ዘመናዊ ሜላታት መከላኸሊ ጥንሲ ዘድልየን ደቂ ኣንስትዮ እተን 50 ሚእታዊት ጥራይ ከምዝረኽባ ውድብ ጥዕና ዓለም (WHO) ይሕብር።
ኣብ ኬንያ፡ ብሰንኪ ባህላውን ሃይማኖታውን እምነት እቲ ብተባዕታይ ዝተቐርጸ ሕብረተሰብ፡ ብዛዕባ መከላኸሊ ጥንሲ ብግልጺ ኣይዛረብን።
ገለ ደቂ ተባዕትዮ ኣንስቶም መከላኸሊ ጥንሲ ክጥቀማ ዘይፈቕዱ ክዀኑ እንከለው፡ ገለ ሃይማኖታት ድማ ይቃወማ እየን። ንኣብነት ኣብ ምብራቓዊ ኬንያ ዝርከብ ጕጅለ ምእመናን ካቮኖክያ መጽሓፍ ቅዱስ ጸሎት ጥራይ እዩ ዝምዕድ ዝብል እምነት ስለ ዘለዎ ንዅሉ ዘመናዊ ሕክምና ይነጽግ።
ክኢላ ብዝሒ ህዝብን ልምዓትን ዶክተር ጆሴፊን ኪባሩ፡ ዘመናዊ ኣገባብ ውጥን ስድራቤት ተቐባልነት ንኽረክብ ብመሰረታዊ ኣገባብ ዝበለጸ ከምዝዀነ ትገልጽ።
"ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ካብቲ ሰራሕተኛ ክንክን ጥዕና ንላዕሊ ንጐረቤትን መሓዛን ክትኣምን ተኽእሎ ስለዘለዋ፡ ብሓበሬታ ዝያዳ ግንዛበ ዝረኸቡ ወለንተኛታት ማሕበረሰብ ጥዕና የድልዩና" ክትብል ንቢቢሲ ገሊጻ።
ብዛዕባ እቶም ዘለዉ ኣገባባት መከላኸሊ ጥንሲ፡ ብዙሓት ክእለዩ ዘለዎም ጽውጽዋያትን ግጉይ ኣረኣእያታትን ከምኡ’ውን ሕጽረት ግንዛበ ከምዘሎ ትዛረብ።
ደቂ ኣንስትዮ ዝሰርሓለን ኣገባብ ውጥን ስድራቤት ንኽረኽባ ንወሃብቲ ክንክን ጥዕና ክውከሳ ከምዘለወን ሓኪም ማህጸን ብሪጂድ ሞንዳ ትገልጽ።
ንሳ፡ "ሓደ ሜላ ንዅሉ ኣይምጥንን'ዩ" ክትብል ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ግን ገለ ደቂ ኣንስትዮ እውን ኣብ ገጠራት ኣብ ዝርከባ መዐደሊ መድሃኒታት ቀጻሊ ቀረብ ስለዘይረኽባ፡ ዝተፈላለዩ ኣገባባት መከላኸሊ ጥንሲ ክሓዋውሳ ተገዲደን እየን።
እቲ ሶፍያ ዝበሃል ክኒን ዋላ'ኳ ተኣጊዱ እንተዀነ ብቐሊሉ ዝርከብ እዩ። ደቂ ኣንስትዮ ዝተኣገደ ምዃኑ ዘይምፍላጠን ድማ ብሰንኪ ድኹም መልእኽቲ ህዝባዊ ጥዕና ዝመጸ ከምዝዀነ ዶክተር ኪባሩ ትገልጽ።
"መራኸቢ ብዙሃን ጥራይ እዅል ኣይኮነን። ኣብ ታሕታይ መሰረታት ኮነ ኢልካ ህዝባዊ መልእኽቲ ምልኣኽ፡ ሓደ መድሃኒት ንምንታይ ከምዝተኣገደ ሓፋሽ ኣጸቢቝ ንኽርድኦ ኣገዳሲ'ዩ" ትብል።
ንዝእመና ዓማዊል ዝሽየጥ
ሰራሕተኛታት ቤት መድሓኒት ብርግጽ ከምዝተኣገደ ይፈልጡ እዮም። ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሚኒስትሪ ጥዕና ተወሳኺ መጠንቀቕታ ሂቡ እዩ። ይኹን እምበር ብሰንኪ ጠለብ ነቲ ከኒና ሕጂ’ውን ይሸጥዎ ኣለዉ።
ብግልጺ ዘይኮነስ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ክገዝኣ ንዝመጻ ዝኣምንወን ዓማዊል እዮም ዝሸጥዎ።
ቢቢሲ ኣብ ርእሰ ከተማ ናይሮቢ ንዝርከባ ሓያሎ ፋርማሲታት ብዛዕባ ሶፍያ ሕቶታት ኣቕሪቡ ነይሩ። መብዛሕትኦም እቲ መድሓኒት ከምዘየዕሽየጥ ገሊጾም።
ስሙ ክግለጽ ዘይደለየ ሓደ ሸያጢ፡ ኣብ መርኣዪ’ኳ እንተዘይተዘርገሐ፡ ፋርማሲታት ግን ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ካብ ዘምጽኡ ኣቕረብቲ ክገዝእዎ ከምዝኸኣሉ ገሊጹ።
ኣብ መጀመርታ ናይዚ ወርሒ፡ ሓደ በዓል ስልጣን ቦርድ ፋርማሲን መርዛማትን ንጋዜጣ ኬንያ ስታንዳርድ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣብ ዶብ ዩጋንዳ ሓደ ጽዕነት ከምዝተዓገተ ሓቢሩ ነይሩ።
ሱዛን፡ ነቲ ከኒና ካብ ኣቕረብቲ ብብዝሒ ካብ ትገዝእ ሓንቲ መሓዛኣ ከምዝገዝኣቶ ትዛረብ።
ንሳ፡ እዛ መሓዛን ካልኦትን ነቲ ከኒና ዝሓበርዋን ሰባት እቲ ክኒና ከም ዝተኣገደ ይፈልጡ እዮም ትብል።
ንሳ ምጥናሳን ከምኡ’ውን ኣብ ዝተፈላለዩ ጕጅለታት ፈይስቡክ ንኣደታት ኬንያ ዝቐርቡ ጥርዓናትን ካብ ምጥቃም ከምዘይኣገዶም ትገልጽ።
ብውሑዱ ኣብ ሰለስተ ካብዞም መድረኻት ብዛዕባ ሶፍያ ዘተታት ተኻይዱ እዩ፣ ነቲ ክኒና ዝወስዳ ዝነበራ ሓያሎ ደቂ ኣንስትዮ ከምዝጠነሳ ገሊጸን እየን።
እዚ ድማ ንሱዛን፡ መሓዙታን ካልኦት ደቂ ኣንስትዮን ካልእ ዓይነት መከላኸሊ ጥንሲ ኣብ ግምት ከእትዋ ምምሕጻን ክትቅጽል ኣእሚንዋ ኣሎ።
"በቃ ክኒና ሶፍያ ምጥቃስ ንባዕሉ ከምዘፍርሓኒ እፈልጥ እየ። ራብዓይ ጥንሲ ንምክልኻል እንታይ ዓይነት ኣገባብ ውጥን ስድራቤት ከም ዝጥቀም ኣይፈልጥን እየ። ግን ወዲአ ኣለኹ፣ ምስቲ ከኒና ዘለኒ ርክብ ወዲአ ኣለኹ።"




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







