ኣመሪካ፡ መረጻ ፍርቂ እብረ ስለምንታይ ልዕሊ ዝዀነ እዋን ኣገዳሲ ኰይኑ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መረጻታት ፍርቂ እብረ ኣመሪካ ኣዝዮም ኣገደስቲ እዮም። ኣብዚ መረጻ ንዅሎም መናብር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ሲሶ መናብር ሰነት፡ ብኣሻሓት ዝቝጸሩ መናብር ሓገግትን ፈጸምትን ግዝኣታት ንምሓዝ ውድድር ክካየድ እዩ።
ስሙ ከምዝሕብሮ መረጻታት ፍርቂ እብረ፡ ኣብ ፍርቂ ዘመነ ስልጣን እቲ ፕረዚደንት ዝካየዱ ኰይኖም፡ ዋላ'ኳ እቲ ፕረዚደንት ዝወዳደረሉ እንተዘይኰነ፡ ኣብተን ዝተረፋኦ ክልተ ዓመታት እንታይ ይሰርሕ ንዝብል ኣዝዩ ዝጸሉ እዩ።
ስምምዕ ዘይብሉ ባይቶ፡ እቲ ፕረዚደንት ንዘሕልፎም ሕግታትን ንከም ዳይና ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ዝህቦ ሽመትን ከተዓናቕፍ ይኽእል እዩ።
ኰይኑ ግን እቲ ሳዕቤናት በዚኦም ጥራይ ዘብቅዕ ኣይኰነን፤ ካብ ኣመሪካ ዝሓልፍ እዩ። ናይዚ ዓመት መረጻ ድማ ዝያዳ ትዅረት ዝሰሓበ ኰይኑ ኣሎ፤ ስለምንታይ?
“ህዝቢ ዓለም ንመረጻ ኣመሪካ ዝከታተሎ፡ ኣመሪካ ካብ ሃገራ ወጻኢ ንእትገብሮ ነገራት ስለዝውስኖ እዩ” ትብል ኣብ ትካል ፖሊሲ ቻታም ሃውስ፡ ዳይረክተር ፕሮግራም ኣመሪካ ዶ/ር ለስሊ ቪናጃሙሪ።
“ተወዳደርቲ ዲሞክራትን ሪፐብሊካንን ኣብ ወሰንቲ ጉዳያት ኣዐርዮም ዝጻረሩ ኣረኣእያታት ስለዘለዎም እዩ፡ እዞም መረጻታት ካብ ካልኦት መረጻታት ንላዕሊ ኣገደስቲ ዝገብሮም፡” ትብል።
እቲ ኣብ ዝመጽእ 8 ሕዳር ዝካየድ መረጻ፡ ኣብዞም ዝስዕቡ 6 ጉዳያት ጽልዋ ክህልዎ እዩ።
ምንጻል ጥንሲ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
“ክሳብ ዝዝክሮ ንደቂ ኣንስትዮ ኣመሪካ እቲ ኣዝዩ ኣገዳሲ መረጻ እዩ” ንትካል ስዊንግ ለፍት እትጕስጉስ ያስሚን ራጂ።
ዳይረክተር ሓደ ኣብ ምጣነ ስድራ ዝሰርሕ ትካል ዝነበረት ኢራናዊት ኣመሪካዊት ራጂ፡ እዚ መረጻ “ንመሰል ስርዓተ ጾታና ንድሕሪት ንምምላስ ንዝፍትኑ ሕሉፋት” ብድምጺ እንቃለሰሉ መረጻ ክኸውን እዩ ትብል።
ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኣመሪካ፡ ነቲ ኣብ 1973 ዝወጸ ነፍሰ ጾራት ኣብ ናይ መጀመርታ ሰለስተ ኣዋርሕ ጥንሲ ክሰዳ ዘፍቅድ፡ ብ ሮይ ኤንዲ ዋዲ ዝፍለጥ ሕጊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ከምዝሰረዞ ዝዝከር እዩ።
ውሳነ እቲ ቤት ፍርዲ፡ ሕድሕድ ግዝኣታት ኣመሪካ ምንጻል ጥንሲ ክኽልክላ ወይ ከጥብቓ ዝወሰነ ኰይኑ ዛጊድ 13 ግዝኣታት ተፈጻሚ ገይረናኦ።
እዚ ድማ ኣብቶም ኣብ ፍርቂ እብረ ዝካየዱ ጐስጓሳት ምረጹኒ ኣመሓደርቲ ግዝኣታት፡ ጉዳይ ምንጻል ጥንሲ ኣገዳሲ ጉዳይ ገይርዎ።
ሓሳብ ሰባት ንምፍላጥ ዝእከቡ ድምጽታት፡ ደገፍቲ ሪፐብሊካን ኣንጻር ምንጻል ጥንሲ ዘቕነዐ ዝያዳ ድልየት ከምዘለዎም ዘመልክቱ እዮም።
ኣብ ከም ካሊፎርኒያ፡ ኬንታኪ፡ ሞንታናን ቬርሞንትን ዝኣመሰላ ግዝኣታት ዲሞክራት እንተተሳዒሮም፡ ምንጻል ጥንሲ ብሓደ ለይቲ ክኽልከል ይኽእል እዩ እትብል ራጂ፡ ብተመሳሳሊ ዲሞክራት ኣብ ኮንግረስ እንተተሳዒሮም “ሪፐብሊካን ብደረጃ ሃገር ንምንጻል ጥንሲ ናይ ምኽልካል ውጥን ኣለዎም፡” ትብል።
ጉዳይ ዩክረይን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን ዝፈጸመቶ ወራር ስዒቡ፡ ኣመሪካ ንዩክረይን እትህቦ ሓገዝ፡ ክልቲኦም ውድባት ዝተሰማምዕሉ ጉዳይ ኰይኑ፡ ዶ/ር ቪንጃሙሪ ብወገና ፖሊሲ ወጻኢ ኣመሪካ፡ ክልቲኦም ሰልፊታት ኣብ ወሰንቲ ጉዳያት ወጻኢ ካብ ዝፈላለዩሉ ዝሰማምዑሉ ከምዝበዝሕ ትኣምን።
ኰይኑ ግን እዚ ተመሳሳሊ ቅዋም ዝሕዘሉ ዓውዲ ኣብ ቀረባ ክልወጥ ከምዝኽእል ምልክታት ኣለዉ።
ኣብ መረጻ ኮንግረስ ሪፐብሊካን እንተ ተዓዊቶም ንዩክረይን ዝወሃብ ድጋፍ ክቕጽል ብዛዕባ ምዃኑ ሰክፍታ ከምዘለዎ ፕረዚደንት ባይደን ዕላዊ ገይሩ እዩ።
ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ መራሒ ሪፐብሊካን ዝዀነ፡ ኬቨን ማካርቲ፡ ውድቡ እንተተዓዊቱ፡ ንዩክረይን ዘይተኣደነ ገንዘብ ከምዘይህቡ ምግላጹ ዝዝከር እዩ።
“ብፍላይ ካብ ወተሃደራዊ ሓገዝ ወጻኢ፡ ንዩክረይን ዝምልከት ፖሊሲ እንታይ ከምዝኸውን ክንርኢ ኢና” ይብል ምሁር ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ዶ/ር ፒተር ፊን።
ለውጢ ክሊማ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ምምሕዳር ባይደንን ትራምፕን ኣብ ጉዳይ ክሊማ ዘለዎም መርገጽ ዝወዳደር ኣይኰነን፤ ዶናልድ ትራምፕ ንስምምዕ ፓሪክ ክነጽጐ እንከሎ፡ ምምሕዳር ባይደን ግን ለውጢ ክሊማ ንምክልኻል ኣገደስቲ ሕጊታት ኣጽዲቑ።
“ሪፐብሊካን ብዙሓት ንክሊማዊ ለውጢ ዝኽሕዱ ኣባላት ከምዘለዉዎ ዘጠራጥር ኣይኰነን” ትብል ዶ/ር ቪንጃሙሪ።
“ብፍላይ ብዙሕ ወጻኢ ዝሓትት እንተኰይኑ፡ ነቲ ንክሊማ ዝሰማማዕ ሕጊ ካብ ከቐጽልዎ ክኽልክልዎ ተኽእሎ ኣሎ።"
ስደት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ጉዳይ ፍልሰት ካብቶም ንኣመሪካውያን ዘገድስዎም ነጥቢታት ሓደ እዩ። ፒው ሪሰርች ዝተባህለ ርእይቶ ህዝቢ ዝእክብ ትካል ኣብ ቀረባ ዕላዊ ከምዝገበሮ፡ ካብ ሰለስተ ኣድመጽቲ ደገፍቲ ሪፐብሊካን እቶም ክልተ ጉዳይ ስደት “ኣዝዩ ኣገዳሲ” ከምዝዀነ ይኣምኑ።
ኣብቲ ብ 8 ሕዳር ዝካየድ መረጻ ሪፓብሊካን እንተስዒሮም፡ ኣብ ጉዳይ ስደት ጥቡቕ ሕጊ ክተኣታቶ ተኽእሎ ኣሎ።
ምልሰት ትራምፕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መረጻ 2022 ኣብ ታሪኽ ፖለቲካ ኣመሪካ ዝለዓለ ምክፍፋል ኣብ ዝተራእየሉ እዋን እዩ ዝካየድ ዘሎ። ትራምፕ ኣብቲ ኣብ 2022 ዝተኻየደ መረጻ፡ ድምጺ ተሰሪቝኒ ዝብል ክሲ መርትዖ ዘይብሉ ክሲ ኣቕሪቡ ምንባሩ ይዝከር።
ትራምፕ ሕጂ'ውን ኣብ ደምበ ሪፓብሊካን ጸላዊ ሰብ እዩ።
“ትራምፕ ኣብ 2024 ደጊሙ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ሕልሚ ኣሎዎ፤ ስለዚ ዝድግፎም ተወዳደርቲ ዝረኽብዎ ውጽኢት ነቲ ዘለዎ ውጥን ኣገዳሲ እዩ’ ይብል ዶ/ር ፊን።
“እዞም መረጻታት ብዛዕባኡ እዮም።”
ዲሞክራሲ ኣመሪካ ይፍተን ድዩ ዘሎ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
እዚ መረጻ ድሕሪ እቲ ኣብ ጥሪ 2021 ኣብ ካፒቶል ዝተኻየደ ናዕቢ ደገፍቲ ትራምፕ ዝካየድ ዘሎ ፈላማይ መረጻ እዩ።
“መወዳእታ እዚ መረጻ፡ ጉዳይ ዲሞክራሲ ኣብ ኣመሪካ እዩ፤ ክቕጽል ድዩ፡ መረጻታት ነጻን ፍትሓውን ክዀኑ ይኽእሉ ድዮም ዝብል እዩ” ትብል ዶ/ር ቪንጃሙሪ።
ካብቶም ትራምፕ ዘቕረቦም ኣማኢት ተወዳደርቲ እቶም ዝበዝሑ፡ ነቲ ኣብ 2020 ትራምፕ ተዓዊቱ ነይሩ ዝብል መሰረት ዘይብሉ ምጕት ዝደግሙ ከምዝዀኑ እዮም ተንተንቲ ዝገልጹ።
ነቲ ፕረዚደንት ምቕጻዕ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ካብ 1946 ጀሚሩ ሰልፊ ናይቲ ፕረዚደንት፡ ኣፈጻጽማኦም ክግምገም እንከሎ ኣብ ፍርቂ እብረ እቲ ዝተሓተ እዩ።
ንባይደን ዝምልከት ድማ፡ 40 ሚእታዊት ኣመሪካውያን ጥራሕ እዮም ውድብ ዲሞክራት ጽቡቕ ኣፈጻጽማ ከምዘለዎ መረጋገጺ ዝሃቡ።
ፋይቭ ሰርቲአይት ዝተባህለ ኣመሪካዊ ድሕረ-ገጽ ኣብ ዝኣከቦ ሓበሬታ፡ ሪፓብሊካን ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዲሞክራት ገልቢጦም ዝበዝሕ ድምጺ ክሕዙ ከምዝኽእሉ ዝግምት ኰይኑ ኣብ ሰነት ግን ዲሞክራት ከምዝዕወቱ ተነብዩ።
ነቲ ፕረዚደንት ግን ዓወት ሰነት እዩ ዘገድሶ። ምኽንያቱ ላዕለዋይ ዳይና ሓዊሱ ሽመት መንግስታዊ ሰብመዚ ዘጽድቕ ሰነት እዩ።
እንተዀነ ሪፓብሊካን ዝበዝሕ መናብር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ እንተተቘጻጺሮም፡ ነቲ ኣባል ዲሞክራት ዝዀነ ፕረዚደንት ዓበይቲ ሕግታት ከጽድቕ ዕንቅፋት ክዀንዎ ይኽእሉ።
ብተወሳኺ ነቲ ናዕቢ ካፒቶል ከጻሪ ዝቘመ ኮሚተ ክብትንዎን ኣብ ልዕሊ ባይደን ናይ ባዕሎም ምርመራ ክገብሩን ስልጣን ክረኽቡ ይኽእሉ።
ስለዚ ኣብ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ለውጢ እንተተፈጢሩ፡ ኣብ ዋሽንግተን ዘሎ ሓይሊ ስልጣን ክቀያየርን ኣመሪካ ምስ ደጋዊ ዓለም ኣብ ዘለዋ ርክባት ጸቕጢ ክፈጥርን ይኽእል እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







