ኤርትራ ኣብ ዓለም ንዝነውሐ እዋን ሰባት ዝተኣስሩላ ሃገር'ያ- ሕቡራት ሃገራት

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ኩነታት ምግሃስ ሰባዊ መሰላት ኤርትራ እናገደደ ይኸይድ ኣሎ ክብል ሓደ ኪኢላ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።
ፍሉይ ተኸታታሊ ጉዳያት ሰባዊ መሰላት ኣብ ኤርትራ ንሓፈሻዊ ባይቶ ሕቡራት ሃገራት ትማሊ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ፡ እቲ ኩነታት "ኣዝዩ እናኸፍአ ይኸይድ ኣሎ" ክብል ኣጠንቂቑ።
እቲ ኣብ 2020 ዝተመዘዘ ፍሉይ ተኸታታሊ (ስፐሻል ራፑቶር) ሱዳናዊ መሓመድ ዓብደልሳላም ባቢከር፡ እታ ሃገር ኣባል ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ኮይና ከተብቅዕ ምስኡ ዘይምትሕብባራ "ብድሆ" ኮይኑ ከምዘሎ ገሊጹ።
"ንዝተዋህቦ መዝነትን ለበዋታት ኣካላት ሰባዊ መሰላትን ምሉእ ምትሕብባር ዘይምሃብ ትቕጽሎ ብምህላዋ፡ ንተኣማንነትን ክብርን ስርዓት ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ምልክት ሕቶ ዘእቱ'ዩ" ከምዝበለ፡ ቤት ጽሕፈት ሰባዊ መሰላት እቲ ውድብ ኣብ ዘውጽኦ ዜናዊ ጸብጻብ ሓቢሩ።
ኤርትራ ቅድሚ ገለ ኣዋርሕ ኣባል ናይቲ ኣብ ጀነቫ (ስዊዘርላንድ) 'ዝመደበሩ ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ብምዃን ካብ 2022 ክሳብ 2024 ከተገልግል ምምራጻ ይዝከር።
"'ቪላታት' ተባሂሎም ዝጽውዑ ምስጢራውያን ናይ ስቅያት ቦታታትን ግዱድን ገደብ-ኣልቦን ውትህድርና" ኣካል ናይቲ ዝፍጸም ዘሎ ምግሃስ መሰላት ምዃኑ'ውን እቲ ፍሉይ ተኸታታሊ ሓቢሩ።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ፈለማ 90ታት ኣብ ቀይዲ ዘእተዎም ብዙሓት ውልቀሰባት ክሳብ ሎሚ ሃለዋቶም ከምዘይፍለጥ ተሓለቕቲ መሰላት ይገልጹ።
ኣብ መስከረም 2001 ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሓያሎ ሚኒስተራት፡ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት፡ ኣባላት ሃገራዊ ባይቶ፡ ከምኡ'ውን ሓያለ ጋዜጠኛታት ንልዕሊ 20 ዓመታት ተሰዊሮም ይርከቡ።
"እዞም ኣብ ዓለም ንዝነውሐ ግዜ ዝተኣስሩ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲን መዳጒኒታትን ብስዉር ይሳቐዩ ኣለዉ" ክብል ባቢከር ንሓፈሻዊ ባይቶ ኣረዲኡ።
ሰብመዚ ጸጥታ ኤርትራ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ሓደ ጳጳስ ዝርከብዎም ካህናት ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ኣብ ቀይዲ ኣእትዮም ነይሮም።
ኣቡነ ፍቕረማርያም ሓጐስ ጳጳስ ዘመንበረ ሰገነይቲ፡ ኣብ ዝሓለፈ 15 ጥቅምቲ ካብ መገሻኦም ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ምስ ኣተው፡ ብኡ ንብኡ ኣባላት ጸጥታ ኤርትራ ተሲሮም ከምዝወሰድዎም ምንጭታት ካብ ውሽጥን ወጻእን ንቢቢሲ ኣረጋጊጾም ነይሮም።
"መንግስቲ ኤርትራ፡ ንቆልዑ፡ እሱራት ፖለቲካ፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ብስዉር ዝተኣስሩ ሰባትን ብምኽንያት ሃማኖታዊ እምነቶም ዝተኣስሩን ክፈትሕ ኣለዎ።
"ኩሎም ኤርትራውያን ሃይማኖታዊ እምነቶም ብናጽነት ክስዕቡ ከፍቅደሎም" ጸዊዑ።
ኣብታ ሃገር ሰዓብቲን መራሕቲን ናይተን ንኣስታት 20 ዓመታት ዝተኣገዳ ወንጌላውያን ኣብያተ ክርስትያን ብሰንኪ እምነቶም ክእሰሩ ምጸንሖም ይፍለጥ።
ኤርትራ ኣብ ቤት ምኽሪ ሰባዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ዘለዋ ኣባልነት ብምጥቃም፡ ነቲ ኣብ ትግራይ ዝተፈጸመ ምግሃስ መሰላት ከይጻረ ተጻሪራ ዝበለ እቲ ፍሉይ ተኸታታሊ፡ ዓለምለኻዊ ኣጻራዪ ኮሚሽን ከይቀውም'ውን ተቓዊማ ክብል ነቒፉ።
እታ ኣብ ኲናት ትግራይ፡ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብምድጋፍ ሰራዊታ ተሳትፍ ዘላ ኤርትራ ሓይልታታ ኣብቲ ክልል ከበድቲ ምግሃስ መሰላት ፈጺሞም ንዝብሉ ክስታት ክትነጽጎም ጸኒሓ'ያ።

ኣብ ትግራይ ውግእ ዳግማይ ድሕሪ ምውልዑ መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብታ ሃገር ሰፊሕ ግፋን ማእሰርትን ከካይድ ምጽንሑ ይፍለጥ። ኣባላት ዕቑር ሰራዊት ዝርከብዎም ብዙሓት ደቂተባዕትዮ ድማ ናብ ግንባራት ኲናትን መደበራት ተዓሊምን ከምዝተወስዱ ጸብጻባት ይሕብሩ።
ድሕነት ናይቶም በቲ ኲናት ዝተጸልዉ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ተነቀፍቲ ክፋላት ናይቲ ሕዝቢን ክሕሎን ዶ/ር መሓመድ ኣተሓሳሲቡ።
ብሰንኪ ኣብ ክልል ትግራይ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት ሰብኣዊ ሓገዝ ናብቶም ስደተኛታት ክበጽሕ ከምዘይክኣለ ኣብ ዘቕረቦ ጸብጻብ ጠቒሱ።
ተወለድቲ ብሄረ ዓፋር ዝኾኑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብቲ ኣብ ክልል ዓፋር ኢትዮጵያ ዘሎ መዓስከር ኣስዪታ ምስ ኣተዉ ዑቕባ ይንፈጎም ኣሎ ዝብል ዘሻቕል ሓበሬታ ከምዝበጽሖ'ውን ዶ/ር መሓመድ ዓብደልሰሳላም ባቢከር ኣነጺሩ'ሎ።
እቲ ሱዳናዊ ፍሉይ ተኸታታሊ ኩነታት ሰባዊ መሰላት ኤርትራ፡ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ካርቱም ፕሮፌሰር ዓለምለኻዊ ሕጊ ኮይኑ፡ መስራቲ ዳይረክተር ማእከል ሰባዊ መሰላት ዝነበረ'ዩ።
መዝነቱ ከይናዋሕ ክጽዕሩ ዝጸንሑ ሰብመዚ ኤርትራ፡ ነቲ ዝቐርበሎም ክስታት ምግሃስ መሰላት "ፖለቲካዊ ዕላማ" ዘለዎ'ዩ ብምባል ክነቕፍዎ ምጽንሖም ይፍለጥ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







