ኢራን ብምንዕዓብ ንዝኸሰሰቶ ጋዜጠኛ ቀንጺላቶ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኢራን፡ መልእኽቲ ጽሑፍ ዝልኣኸሉ መተግበሪ ብምጥቃም ናዕቢ የለዓዕል ነይሩ ንዝበለቶ ጋዜጠኛ ቀንጺላቶ።
ቤት ፍርዲ ብሞት ክቕጻዕ ድሕሪ ዘሕለፎ ውሳነ፡ እዚ ሩሆላህ ዝተባህለ ጋዜጠኛ ሎሚ መዓልቲ ከም ዝተቐትለ ቴሌቪዥን ኢራን ጸብጺቡ።
እዚ ብስደት ኣብ ፈረንሳ ዝነበር ዝነበረ ጋዜጠኛ ብኸመይ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወ ኣይፍለጥን። ዝሓለፈ ዓመት ናብ ኢራን ምስተጉዓዘ ከም ዝተኣስረ ግን ይግለጽ።
ጋዜጠኛ ሩሆላህ፡ ኣምድኒውስ ዝተባህለ ኣንጻር መንግስቲ ዝኾነ መርበብ ሓበሬታ ይውንን።
ኢራን ድማ፡ ነቶም ካብ 2017 ክሳብ 2018 ኣብታ ሃገር ዝተኻየዱ ተቓውሞታት ብምልዕዓል ነዚ ሚዲያ ትኸሶ።
እዚ ኣብ መተግበሪ ቴሌግራም ልዕሊ ሓደ ሚሊየን ሰዓብቲ ዘለውዎ መራኸቢ፡ ሽም ሰበ ስልጣን ኢራን ዘጸልሙን ተቓውሞታት ዘርእዩን ምስሊታት ዘርጊሑ'ዩ።
እቲ መተግበሪ ብመንግስቲ ኢራን ክዕጾ እንከሎ፡ ብኻልእ ሽም ዳግም ተኸፊቱ'ዩ።
ወዲ መራሒ ሃይማኖት ተሃድሶ መሓመድ ዓሊ ዛም ዝኾነ ጋዜጠኛ ዛም ኣብ መጀምርታ እዚ ዓመት ኣብ ኢራን ኣዝዩ ሓደገኛ ካብ ሞንጎ ዝብሃሉ ክሲታት ሓደ ዝኾነ "ኣብ ሃገር ብልሽውና" ብምፍጻም ብዝብል እዩ ተፈሪዱ።
እንተኾነ ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል እቲ ጋዜጠኛ ግዳይ "ብኣስገዳድ ዝተፈጸመ ኑዛዘ ዝተመሓላለፈ ዘይፍትሓዊ ውሳነ'ዩ" ይብል።
ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን፡ ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ፈረንሳ፡ ውሳነ ቤት ፍርዲ ኢራን "ንመሰል ሕትመትን ሓሳብካ ብናጽነት ምግላጽን ዝተፈጸመ ከቢድ መጥቃዕቲ'ዩ" ብምባል ከም ዝኾነኖ ሮይተርስ ጸብጺቡ እዩ።
ድሕሪ እቲ ብ2009 ዝተኻየደ ኣካታዒ ፕሬዝደንታዊ መረጻ ዝተኣሰረ ጋዜጠኛ ዛም፡ ፈረንሳ ዕቑባ ሂባቶ ጸኒሓ'ያ።
ቅድም ኢሉ ጉጅለ ሓለዋ እስላማዊ ሰውራ ኢራን ዛም ንምእሳር "ዘመናዊ ሜላታት ስለላን ምህዞታትን" ከም ዝተጠቕመ ገሊጹ እዩ።
ብተወሳኺ፡ ዛም ብኣግልግሎት ስለላ ፈረንሳ፣ እስራኤን ኣመሪካን እናተመርሐን "ሓለዋ እናተገብረሉን" እዩ ነይሩ ኢሉ።
ከም ጸብጻብ ኤፒ ድማ፡ ዛም ብቴሌቪዥን ቐሪቡ ፈጺምካዮ ንዝተባህለ ጥፍኣት ይቕሬታ ሓቲቱ'ዩ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







