መዓልቲ ሰብኣዊ መሰላት፡ ኣብ ዞባና እቶም ኣዝዮም ዘገድሱና መሰላት ኣየኖት'ኮን ይዀኑ?

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰብኣዊ መሰላት፡ ንኵላህና ደቂ-ሰባት ብማዕረ ዝብጽሑና መሰረታውያን መሰላት'ዮም።
እዞም መሰላት'ዚኦም ከምእኒ ርትዓውነት፡ ክብረት፡ ኣኽብሮት ዝኣመሰሉ ቀንዲ ግርማታት ሕብረተሰብ ዜንጸባርቑ'ዮም።
ንነብሳትና ንክንከላኸል ዜኽእሉና ኣገደስቲ ስልትታት'ውን ኢዮም፣ ምናዳ ነቶም ዉጹዓትን ከበር ዘይረኽቡን ዝተነጸሉ ሰባትን።
እቲ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰል፡ ብኣገላልጻ ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል፡ ብከምዚ የቕርቦ። ኣህጕራዊ ማሕበረሰብ ብዝተሰማማዓሉ መሰረት፡ ሰብኣዊ መሰላት በዞም ረቛሒታት ይግለጹ፡
ሀ/ ኣድማሳዊ መሰል - ንኹሉ ሰብ ብሓደ ዝብጽሖ መሰል፣
ለ/ ዘይቅንጠጥ መሰል - ብዝኾነ ይዅን ምኽንያት ካባና ክውሰድ ዘይግብኦ መሰል፣
ሐ/ ዘይነጻጸሉን (Indivisible) ተማራዀስትን (interdependent) መሰላት - መንግስቲ ብዝደለዮን ብዝጥዕሞን ኣገባብ ገለን ሸነኻት መሰላት ገዲፉ ገለን መሪጹ ከኽብር ኣይክእልን።
ሰባት "እቲ ኣዝዩ ንደቂ-ሰብ ዜገድስ መሰል ኣየናይ'ኮን ዩ?" ዝብል ይሓቱ እዮም። እዚ'ዩ እቲ መልሲ ምባል ኣሸጋሪ'ዩ፣ ምኽንያቱ እቲ ሓታቲ ካበየናይ ክፍሊ ዓለም ከም ዝመጽአ ምፍላጥ የድሊ።
ንኣብነት፡ ዝተፈላለዩ ዝተሰነዱ ሓበሬታታት ገናጺልና ምስ እነንብብ፡ ምናዳ "ዩ-ጎቭ" (YouGov) ዝበሃል ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበሩ ትካል ዘካየዶም ምርምራት ከም ዘርእይዎ፡ ንኣብነት፡ እቲ ሰብ፡ ካብ ኣሜሪካ ዝመጽአ እንተድኣ ዀይኑ፡ ብዝመስለካ ናጻ ዄንካ ሓሳብካ ምግላጽ ብቀዳምነት ከም ዝምረጽ ክንርዳእ ንኽእል።
እቲ ብ "ዩ-ጎቭ" ኣብ ትሽዓተ ምዕራባውያን ሃገራት ዝተኻየድ መጽናዕቲ ከም ዘርእዮ ሰባት ብናጻ ንዝደለይዎ ሰብ ከድምጹ ብቐዳምነት ከም ዝዓጅቦም የርኢ። ፍትሓዊ ፍርዲ'ውን ከምኡ፣ ሓደ ካብ'ቶም ብልዑል ዝምረጽ መሰል'ዩ።
ኣብ ኣፍሪቃ ኣዝዮም ዘገድሱና መሰላት
ኣብ ኣፍሪቃ ኣምር ሰብኣዊ መሰላት ዳርጋ ሓዲሽ ክስተት'ዩ ክበሃል ይከኣል።
እቶም መሰላት ክተኣታተውሉ ዝኸኣሉ ብመንገዲ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣህጕራዊ ሕጊ ከምኡ'ውን ዉድብ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣቢሎም ምዃኖም ሰነዳት ሕቡራት ሃገራት ይነግሩ።
ይዅን'ምበር ኣጽዋር ዝዓጠቑ ጕጅለታት ብዘይ ቍጽጽር ኣብ ፈቐድኡ ክዘምቱን ክዕምጹን ክገፍዑን ክቐትሉን ክጨውዩን ስለ ዝርከቡ ንሰባት ካብ ቦትኦም ከም ዝፈናቐሉ፤ ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ኸኣ ብሃውሪ መሰል ዜጋታት ብምግሃስ ክንዮ ሕጋዊ መስርሕ ብሓይሎም ሰባት ምቕታል፡ ሓቒቖም ከም ዝጠፍኡ ምግባር፡ ኣብ ክቱር ስቅያት ምኽታት ... ወዘተ ዝኣመሰሉ ተግባራት ከም ዝገብሩ ከም ኣምኒስት ዝኣመሰሉ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ትካላት ይሕብሩ።
ብተወሳኺ ኣብ ብዙሕ ክፋላት ኣፍሪቃ ዝኽሰቱ ገበናት ከምዘለው ጸብጻባት ኣምኒስት የረጋግጹ።
መብዝሕትኦም እቶም ዓመጻት ካብ ፖለቲካዊ ዘይምርግጋእ ዝብገሱ ዀይኖም ንሓድሕድ ግጭታት ዘሳጥሑ'ዮም።
እቶም ገበናት ዘርኣዊ ፍልልያት፡ ብልሽውና፡ ድሕረ-መግዛእትነት (post-colonialism)፡ ቍጠባዊ ሕጽረታት፡ ድንቍርና፡ ሕማም፡ ሃይማኖታዊ ዕውረት፡ ዕዳን ሕማቕ ምሕደራ ገንዘብን፡ ስልጣን ምብሓት፡ ዓንተርነት፡ ጕድለተ ፍትሕን ኦቶኖሚያ ዘይብሉ ፕረስ፡ ዶባዊ ግጭታት ዘኣመሰሉ ከምዝኾኑ ከኣ መርበብ ሓበሬታ ሕቡራት ሃገራት የረድእ።
ብሓጺሩ፡ ኣብ ብዙሓት ሃገራት ኣፍሪቃ እቶም ዞባውን ሃገራውን ክፍለ-ዓለማውን ኣድማሳውን ስምምዓት፡ዋላ'ኳ ይፈርምሎም፡ ከይተማልኡ'ዮም ዝተርፉ።
ኰይኑ ድማ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ ኣፍሪቃ ኣብ ትሑት ደረጃ ይርከብ።
ኣብ ዞባናኸ?
ኣብዚ እዋን እዚ ብሰንኪ እቲ ኣብ ትግራይ ተወሊዑ ዘሎ ግጭት ልዕሊ 50ሽሕ ሰባት ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ኣትዮም ኣህጉራዊ ረድኤት ይጽበዩ ኣለው።
እዞም ኣብ ዘይሓሰቡዎ እዋን ካብ ምውቕ ቤቶምን ስሩዕ ህይወቶም ዝተፈናቐሉ ዜጋታት ግቡእ ኣህጉራዊ ቖላሕታ ክረኽቡን ኩሎም ዝምልከቶም ወገናት ንድሕነቶምን ክሰርሑ ኣንቶንዮ ጉተረስ ኣዘኻኺሩ።
"ኵነታት ኢትዮጵያ ኣብ ዘሻቕልን ተባራዕን ኵነታት በጺሑ ኣሎ" ዝበለት ኣብ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓላፊ ሰብኣዊ መሰላት ሚሸል ባሸለ፡ እቲ ዝድለ ሰላም ንክሰፍን ሰብኣዊ መሰላት ክሕሎን ማሕበረሰብ ዓለም እጃሙ ክጻወት ትምሕጸን።
ኣብ ትግራይ ኣገልግሎት ቴሌፎንን ኢንተርነትን ተዓጽዩ ብምህላው እኹል ሓበሬታ እኳ እንተዘየሎ ኣብ ትግራይ ወሽቲ እውን ኣብ ፈቐድኡ በረኻታት ዝተመዛበሉ ስደተኛታት ከምዘለው ምስ ማዕከናት ዜና ኢትዮጵያ ዝተዛረቡ ዓበይቲ ዓዲ ይሕብሩ።
ገለ ሚድያታት፡ ብዝሒ ናይ ውሽጢ ዓዲ ተመዛበልቲ ኣስታት ሓደ ሚልዮን ከምዝበጸሕ ይጽብጽባ ኣላዋ።
ሓጺር ድሕረ-ባይታ ሰብኣዊ መሰላት
ጽንብል ሰብኣዊ መሰላት ዓመት-ዓመት ኣብ ዕለት 10 ታሕሳስ ይኽበር።
እቲ ቀንዲ ተዘክሮ እቲ ብ 1948 ኣብ ሕቡራት መንግስታት ዝተኻየደ ኣኼባ ን "ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት" ዝጸደቐሉ መዓልቲ ኢዩ።
እቲ ኣዋጅ መሰረታውያን መሰላት ንዅሎም ዜጋታት-ዓለም ኢሉ ስለ ዝጸደቐ እንሆ ክሳብ ሎሚ ዓመት-ዓመት ክዝከር ይነብር።
እቶም ሕጂ ኣብ ምዕቡላት ምዕራባውያን ሃገራት ከም ቅቡላት ዝውሰዱ መሰላት - ከም እኒ ናጻ ትምህርቲ፡ ናጻ ሕክምና፡ ናጻ እምነት - ኣብተን ጌና ኣብ መንገዲ ምዕባሌ ዝርከባ ሃገራት ዝውቱራት ኣይኰኑን።
ብዙሓት ዉልቀ-ሰባትን ማሕበረሰባትን ንዕለት 10 ታሕሳስ መብጽዕኦም ብምሕዳስ ንክብሪ ወዲሰብ ብሓዲሽ መንፈስ ዝርእዩሉን መብጽዓታት ዝገብሩሉን መዓልቲ'ዩ።
ቅድሚ ካልኣይ ዉግኣ ዓለም ምጅማሩ ሓድሓደ ሃገራት - ብፍላይ ጀርመንን ጃፓንን - ብምልካዊ ምሕደራ ይግዝኣ ስለ ዝነበራ እቶም መራሕተን ዝዕንድርሉ እዋን ነበረ።
ኰይኑ ድማ ግዝኣቶም ብምስፍሕፋሕ ብዘይ ንሕሰያ ንጐራባብቲ ሃገራት ክወሩን ንብረት ክዘምቱን ጀመሩ።
ብ1939 ጀርመን ዘበገሰቶ ወራር ኣብ ኤውሮጳ ዉግእ ተጀመረ። ጃፓን'ውን ብ 1941 ነቲ ዉግእ ተሓወሰቶ።
ካልኣይ ዉግእ ዓለም ዘስዓቦ ጥፍኣትን ክስራንን፣ ዝሃለቑ ኣይሁዳውያንን ወተሃደራትን ብሒደት ቃላት ክግለጽ ከቶ ኣይከኣልን።
ዝዀነ ዀይኑ፡ እቲ ዉግእ ብ 1945 ምስ ተወድኣ ዓለም ቀስ ኢላ ናብ ንቡር ክትምለስ ጀመረት።
ብ1948 "ኣድማሳዊ ኣዋጅ ሰብኣዊ መሰላት" ሕጋውነት ለበሰ።
ካብ ሽዑ ጀሚሩ ኸኣ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ንመሰላት ደቂሰብ ዝኽበሩሉን ዝሕለወሉን ስርሓት ተጊሁ ክሰርሓሉ ጀመረ።
ኣብ ኣብያተ ፍርድታትን ብምእታውን ኣብ ባይታ ዝከናወኑ ስርሓት ብምክያድን።
እቲ ኣዋጅ
እቲ ኣዋጅ 30 ዓንቀጻት ኣሎውዎ። ካብኣታቶም ንምጥቃስ
ዓንቀጽ 1. ኵሎም ደቂሰባት ናጻ ኰይኖም'ዮም ተወሊዶም፡ ብክብርን መሰላትን ድማ ማዕረ'ዮም።
ዓንቀጽ 3. ኵሉ ሰብ ኣብ ህይወቱን ሓርነቱን ድሕነቱን መሰሉ ሕልው'ዩ።
ዓንቀጽ 4. ባርነትን ንግዲ-ባሮትን ኵሉ መሽክላቱን ክልኩል'ዩ።
ዓንቀጽ 5. ዝዀነ ይዅን ሰብ ኣደዳ ጭካኔ፡ ኢሰብኣዊ ወይከኣ ክብሪ-ሰብ ዜሕስር ኣተሓሕዛ ኰነ መቕጻዕቲ ክኸውን ኣይግባእን።
ዓንቀጽ 18. ኵሉ ሰብ ናጽነት ናይ ምሕሰብን ሕልናን እምነትን ኣሎዎ።
ዓንቀጽ 19. ኵሉ ሰብ ብናጻ ሓሳቡ ከማዕብልን ክገልጽን መሰል ኣሎዎ።
ዓንቀጽ 20. ኵሉ ሰብ ኣብ ሰላማዊ ኣኼባ ክሳተፍን ዝደለዮ ምትእስሳር ክፈጥርን መሰል ኣሎዎ።
ቴማ'ዚ ዓመት - "ዳግም ጥዐ፡ ንሰብኣዊ መሰላት ከኣ ተዓጠቕ!"
ኣዳለውቲ ናይዚ በዓል፡ ቴማ ናይዚ መዓልቲ'ዚ ምስ ኮቪድ-19 ዝተኣሳሰር ኰይኑ ኣብ መገዲ ጥዕና እንምለሰሉ ኣገባብ ከኣ ንሰብኣዊ መሰላት ኣቐዲምና ክንሰርሕ ከም ዘሎና ምሕጽንታኦም ኣቕሪቦም ኣሎዉ።
"ኣብቲ ናይ ሓባር ዕላማና ንምብጻሕ ንኵሉ ሰብ ዕድላት ንከነባጽሕ ብማዕርነት ክንሰርሕ ከም ዘሎና፡ እቶም ብኮቪድ-19 ዝተጋህዱን ዝተመዝመዙን ጕድለታት ኣለሊና፡ ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዝምርኰሱ መለክዒታት ተጠቒምና ንዝሰ'ረቱን ካብ ወለዶ-ንወለዶ ክሰጋገሩ ዝጸንሑ ሽግራት - ከም ማዕርነት ዝተነፍጎም ብተነጽሎን ኣድልዎን ዝተዓግቱ ሰባት - ክንረድኣ ይግባእ" ይብል እቲ ናይ ለብዘበን ቴማን መልእኽትን ሰብኣዊ መሰላት።
ብተወሳኺ፡ ዕለት 10 ታሕሳስ ኣገዳስነት ሰብኣዊ መሰላት ኣምሪሕና ንዓለምና ብሓባር ዳግም ክንሃንጽ፡ ኣብ ግሎባዊ ስምረት ክንነጥፍ፡ ኣብ ሓድሕዳዊ ምትእስሳርና ከነተኵር፡ ሰብኣውነትና ድማ ሓቢርና ከም ዝስስን ምግባር ጻውዒት ቀሪቡ ኣሎ።
ኣዳለውቲ ኣብ ትሕቲ ክንፊ ዉድብ ሕቡራት ሃገራት ኴንካ ክስራሕ ዝግብኦ ተወሳኺ ዕማም ሂቦም ኣሎዉ።
ንሱ ኸኣ "ንሰብኣዊ መሰላት ተዓጠቕ" ዚብል ጻውዒት ምትግባር'ዩ።
ህዝቢ ዓለም ካብዚ ዓዘቕቲ ኮቪድ ንክወጽእ፡ ምስ'ቶም ኣብ ጥቓኡ ዘሎዉ ሰባት ተሓባቢርና ንመልእኽቲ እዚ መዓልቲ ኣብ ዘሀብትሙ ጉዳያት ክነጥፍ፡ ብዕዙዝነት 'ዚ መዓልቲ ኸኣ መልእኽቲ ንሰባት ከመሓላልፍ ጸዊዖም ኣለው።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







