ፖለቲከኛ ኣቶ ልደቱ አያሌው ድሕሪ ናይ ኣዋርሕ ማእሰርቲ ብዋሕስ ተፈቲሑ

ኣቶ ልደቱ ኣያለው

ምንጪ ስእሊ, THE REPORTER

መግለጺ ስእሊ, ኣቶ ልደቱ ኣያሌው

ኣቶ ልደቱ፡ ነቲ ንኣዋርሕ ንቤት ፍርዲ ዘመላለሶ ጉዳይ ብውሕስነት 30 ሽሕ ብር ካብ ግዳም ኮይኑ ንክከታተሎ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ኦሮምያ መጋብኣያ ምብራቕ ሸዋ ከምዝወሰነ ጠበቕኡ ኣቶ ኣብዱል ጀባር ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ኣቦ መንበር ኢትዮጵያውያን ዲሞክራሲያዊ ፓርቲ ኣቶ ኣዳነ ታደሰ ንሓሙሽተ ኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ዝጸንሐ ፖለቲከኛ አቶ ልደቱ ኣያሌው ብዋሕስ ገንዘብ ከምዝተፈትሐ እቲ ፓርቲ ነቲ ዝተሓተተ ገንዘብ ከምዝኸፈሎ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ኣቶ ኣዳነ እቲ ንዋሕስ ዝተሓተተ ገንዘብ ብምኽፋል ኣድላዪ ቅድመ ኩነት ኣማሊኡ ትማሊ ኣብ ሰዓታት ድሕሪ ቀትሪ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከም ዝወጽአ ገሊጹ።

እቲ ቤት ፍርዲ ቅድም ክብል ኣቶ ልደቱ "ሕገ መንግስትን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ብምዕላው" ብዝብል ዝቐረበሉ ክሲ ንክመሓየሽ ብመሰረት ዝሃቦ መምርሒ ዓቃቢ ሕጊ ዘመሓየሾ ክሲ ሒዙ ናብ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ።

"ዓቃቢ ሕጊ ነቲ ዝተመሓየሸ ክሲ ኣቕሪቡ ነይሩ'ዩ። ንሕና'ውን ኣብቲ ዝቐረበ ክሲ ዝነበረና ተቓውሞ ኣስሚዕና። መሰል ዋሕስ ኣቶ ልደቱ ክቕበር ኣለዎ ኢልና ሓቲትና" ይብል ኣቶ ዓብዱል ጃባር።

ኣቶ ልደቱ ብተመሳሳሊ ቅድሚ ኣዋርሕ ብ100 ሽሕ ብር ዋሕስ ካብ ቤት ማእሰርቲ ክወጽእ ቤት ፍርዲ'ኳ እንተኣዘዘ ከይተፈጸመ ጸኒሑ።

ድሕሪ ቕትለት ሃጫሉ ሁንዴሳ ኣብ ከተማ ቢሾፍቱ ዝተፈጥረ ናዕቢ ብምልዕዓል፣ ብምምራሕን ብገንዘብ ብምድጋፍን ብዝብል ገበን ተጠርጢሩ ዝነበረ ኣቶ ልደቱ፡ ቤት ፍርዲ ነዚ ክሲ ብምዕጻው "ዘይተፈቕደ ብረት ብምሓዝ" ብዝብል ካልእ ክሲ ተኸሲሱ ጸኒሑ።

እዚ'ውን ተቐባልነት ከይረኸበ ምስተረፈ "ሕገ መንግስትን ሕገ መንግስታዊ ስርዓትን ብምዕላው" ዝብል ሓድሽ ክሲ ተመስሪቱዎ።

ኣቶ ልደቱ፡ ካብ ሞንጎ መስረትቲ ኢዴፓ ኮይኑ፡ ብ1997 ዓ.ም ኣብ ዝተኻየደ ሃገራዊ መረጻ ልዑል ፖለቲካዊ ጽልዋ ዝፈጠረ ፖሎቲከኛ'ዩ።