"ቦርድ መረፃ ዝኸደሉ መገዲ ልክዕ ኣይኮነን" ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ)ን ግንባር ናፃነት ኦሮሞን

ኣይተ ዳውድ ኢብሳን ፐሮፌሰር መረራ ጉዲና

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

መግለጺ ስእሊ, ኣይተ ዳውድ ኢብሳን ፐሮፌሰር መረራ ጉዲና

ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ)ን ግንባር ናፃነት ኦሮሞን፡ ቦርድ መረፃ ኢትዮጵያ፡ ቀፃሊ ሃገራዊ መረፃ ዝካየደሉ መዓልቲ ንምስራዝ ዝኸደሉ መገዲ ትኽክል ከምዘይኮነ ገሊፆም።

ክልቲኦም ውድባት ኣብ ዘውፅእዎ ሓበራዊ መግለፂ፡ "ኮቪድ-19፡ ኣብ ትልምን ኣፈፃፅማን መርሃ-ግብሪ መረፃ 2012 ዓ፡ም ማሕለኻ ኮይኑ፡ ነቲ ቦርድ ይብድሆ" ምህላዉ ከምዝርድኡ ብምግላፅ፡ ይኹን'ምበር ቦርድ መረፃ ኣብዚ ውሳነ ንምብፃሕ ዝኸደሉ መገዲ "ልክዕ ኣይኮነን ኢልና ኢና ንኣምን" ኢሎም።

እቲ ቦርድ ኣብዚ መደምደምታ ንምብፃሕ፡ ኣብ ዝሓለፈ 12 መጋቢት 2012 ዓ፡ም፡ ገዛኢ ውድብ እታ ሃገር ብልጽግና፡ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞን (ኦፌኮ) ግንባር ነፃነት ኦሮሞን ካልኦትን ኣብ ዝተረኸብሉ ኣኼባ ፖለቲካዊ ውድባት ዘተ ተገይሩሉ ከምዝነበረ ኣዘካኺሮም።

ዋላ እኳ ኣብ መወዳእታ እቲ ኣኼባ፡ ካልእ ተወሳኺ ዘተ ከምዝህሉ ተገሊፁ እንተነበረ፡ እዚ እንከይተፈፀመ ኣብዚ ውሳነ ምብፃሕ፡ ትኽክል ከምዘይኮነ ሓቢሮም።

ይኹን'ምበር እቲ ለበዳ ኣብ ኩሉ መዳይ ዘስዕቦ ፀገም ንምውጋድ፡ ቀዳምነት ሂቦም ዝከኣሎም ከምዘበርክቱ ብምግላፅ፤ ምስዚ ጎኒንጎኒ ግና፡ ንቀፃሊ መረፃ ኣድላይ ቅድመ ምድላው ክግበር እቶም ውድባት ፀዊዖም።

ኣብ ጉዳይ እቲ መረፃ ቀፃሊ ስጉምቲ ንምውሳድ ከኣ፡ ኩሎም መዳረግቲ ኣካላት ክሳተፉ ከምዝግባእ ኣመልኪቶም። ካብዚ ወፃኢ "እቲ መረፃ ምንዋሕን፡ ቀፃሊ ዕጫ እታ ሃገር ንምውሳን ምፍታንን ግና፡ ዝገደደ ሃገራዊ ቅልውላው ከስዕብ ይኽእል" ብምባል ስግኣቶም ኣቐሚጦም።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ " እቲ መረፃ ናይ ምንዋሕ ውሳነ ኮነ፡ ድሕሪ ወርሒ መስከረም 2013 ዓ፡ም ክህልው ንዝኽእል መንግስቲ ምውሳን፡ ሕዚ ንዘሎ መንግስቲ ጥራሕ ከምዘይምልከትን፡ ሃገራዊ ተሳትፎ ከምዘድልን ሓቢሮም።

ነዚ ሕማም ንምክልኻል ተባሂሎም ብመንግስቲ ዝወፅኡ ሕግታት፣ ኣገባባትን ውሳነታትን" ነቲ እናፀበበ ይመፅእ ዘሎ ምንቅስቓስ ተነሓናሕቲ ውድባት (ሰልፍታት) ፖለቲካ ዝገደደ ንክፀብብ፡ መንግስቲ ከይጥቀመሎም፡ ምቁፅፃር ከምዘድልን ኣድለይቲ ዘይኮኑ ሕግታት ካብ ምውፃእ ንክቑጠብን" ሓቲቶም።

ነዚ ለበዳ ዝምልከቱ መመርሕታትን መልእኽትታትን ድማ፡ ብኣውርኡ ንትካላት ሓለዋ ጥዕና ህዝብን ሰብ-ሞያን ክግደፉ ኣተሓሳሲቦም።

መንግስቲ ኣብ ጉዳይ ምንዋሕ መረጻን ቀፀልቲ ስጉምትታን፡ ውድባት ፖለቲካ፣ ሲቪካዊ ማሕበራትን ካልኦት መድረግቲ ኣካላትን ተራኺቦም፡ ብተኸታታሊ ክዝትይሉን ኣማራፂ ሓሳባት ንከቕርቡን ጥጡሕ ባይታ ከመቻችው ሓቲቶም።