ፕረዚደንት ሳህለወርቅ ኣብ ዝርዝር ጸለውቲ ደቂኣንስትዮ ዓለም ተረቚሐን

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
መጽሄት ፎርብስ ኣብ 2020 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ብሉጻት ወይ ጸለውቲ ደቂኣንስትዮ ብዝብል ካብ ዝዘርዘረን ደቂኣንትዮ ዓለም፡ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ሳህለወርቅ ዘውዴ መበል 96 ተሰሪዐን።
ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ፈላሚት ጓልኣንስተይቲ ፕረዚደንት ዝኾና ሳህለወርቅ፡ ኣብቲ ዝርዝር ካብ ዝተረቑሓ ደቂኣንስትዮ ብሕታዊት ኣፍሪቃዊት ኮይነን ኣለዋ።
ፎርብስ ኣብ ዌብሳይቱ “ኣብ ባይቶ [ኢትዮጵያ] ተረኺበን ኣብ ዘስምዕኦ ፈላሚ መደረአን ድምጺ ደቂኣንስትዮ ንምዃን ቃል ኣትየን ነይረን” ክብል ኣዘኻኺሩ።
ብፕረዚደንትነት ናብ ዝለዓለ መዝነት ክመጽኣ ምኽኣለን ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ውክልና ደቂኣንስትዮ ይውስክ ከምዘሎ ዘርእይ ምዃኑ ፎስርብስ ገሊጹ።
ኣብቲ ዝርዝር ካብ ዝተኻተታ
ኣብቲ ብፎርብስ ዝተሓረያ ደቂኣንስትዮ ዝተረቑሓሉ ዝርዝር ብቐዳምነት ተሰሪዓ ዘላ መራሒተ ጀርመን ኣንገላ መርክል’ያ።
ንሳ ኣብቲ ዝርዝር ንተኸታተልቲ 10 ዓመታት እናመርሐት ትርከብ። ኣብቲ ዝርዝር ክትካተት ድማ ንመበል 15 ጊዜኣ ኮይኑ’ሎ።
ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ዝተሰርዐት ሓዳሽ ምኽትል ፕረዚደንት ኣሜሪካ ኮይና ዝተመረጸት ካማላ ሃሪስ’ያ።
ንሳ ድሕሪ ሰሙናት ምኽትል ጆ ባይደን ኮይና ንኣሜሪካ ክትመርሕ ምዃና ይፍለጥ።
እዚ ዓመታዊ ዝርዝር ወግዓዊ ክግበር ከሎ ሎሚ ንመበል 17 ጊዜ ከም ዝኾነ ዌብሳይት ፎርብስ የመልክት።
ኣብቲ ናይ ሎሚ ዓመት ዝርዝር ካብ 30 ሃገራት ዝተወከላ ደቂኣንስትዮ ዝተረቑሓሉ ኮይነን፤ ካብ ሞንጎአን እተን 10 መራሕቲ ሃገራት፣ 38 ኣካየድቲ ስራሕ 5 ድማ ኣብ ዓውዲ ምዝንጋዕ [‘ኢንተርቴይንመንት’] ይርከባ።
ለብዒ ኮሮናቫይረስ ኣብ ምግታእ ውጽኢታውያን ዝኾና ደቂኣንስትዮ መራሕቲ’ውን ኣብቲ ዝርዝር ተረቚሐን ኣለዋ።
ንኻልኣይ ጊዜ ቀዳመይቲ ሚንስተር ኒውዚላንድ ኮይና ዝተመረጸት ጀሲንዳ ኣርደን ድማ ንቐዳማይን ካልኣይን ለብዒ እቲ ቫይረስ ብብቕዓት ክትምክት ዝኸኣለት ምዃና ይግለጽ።
ኣብ መበል 37 ዝተሰርዐት ፕረዚደንት ታይዋን ሳይ ኢንግ ዌን ድማ በቲ ቫይረስ ምስዝተትሓዙ ሰባት ምትንኻፍ ዝነበሮም ሰባት ኣብ ምርካብ ብዝተሰርሐ ዕውት ስራሕ ትውደስ።
32 ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ዝነብረላ ታይዋን ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ 7 ሰባት ጥራሕ’ዮም ሞይቶም።
ኣብ ናይ መዘናግዒ ኢንዳስትሪ ዝለዓለ ስምን ዝናን ዘለዋ ኦፕራ ዊንፍረይ መበል 20 ክትርቋሕ ከላ፤ ድምጻዊት ሪሃና መበል 69 ከምኡ’ውን ቢዮንሴ 72 ተሰሪዐን ኣለዋ።
ቁሩብ ብዛዕባ ፕረዚደንት ሳህለወርቅ
ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተወሊደን ዝዓበያ ሳህለወርቅ ኣደ ክልተ ቆልዑ [ኣወዳት] እየን።
ንዓመታት ዲፕሎማሰኛ ኮይነን ድማ ሰሪሐን።
ኣብ ወርሒ ለካቲት 1942 ዝተወለዳ ሳህለወርቅ ቋንቋታት ፈረንሳይኛ፣ እንግሊዝኛን ኣምሓርኛን ኣጸቢቐን ከምዝዛረባ ይግለጽ።
ኣብ ፈረንሳ ካብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ሞንተፔለ ብተፈጥሮ ሳይንስ ተመሪቐን።
ካብ 1989 ክሳብ 1993 ከኣ መንበረን ኣብ ሰኔጋል ብምግባር ኣምባሳደር ማሊ፣ ኬፕ ቨርዴ፣ ጊኒ ቢሳው፣ ጋምቢያን ጊኒን ብምዃን ኣገልጊለን።
ብድሕሪኡ ካብ 1993 ክሳብ 2002 ኣብ ጂቡቲ ብኣምባሳደርነት ዝሰርሓ ኮይነን፤ ኣብቲ እዋን ቀዋሚት ተወካሊት ኢጋድ (በይነ መንግስታት ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ) ነይረን።
ካብ 2002 ክሳብ 2006 ኣብ ዝነበረ ጊዜ ድማ ኣብ ፈረንሳ ኣምባሳደርን ኣብ ሕቡራት መንግስታት ትካል ትምህርቲ፣ ሳይንስን ባህልን (ዩኔስኮ) ተወካሊት ኢትዮጵያ ብምዃን ሰሪሐን።
ኣብ ካልኦት ዝተፈላለዩ መዝነት ዘገልገላ ሳህለወርቅ፤ ኣብ 2011 ኣብ ኬንያ ዳይሬክተር ሕቡራት ሃገራት ኮይነን ከገልግላ ብዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ነበር ባንኪ ሙን ተሰይመን።
ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ድማ ፕረዚደንት ኢትዮጵያ ኮይነን ኣብ ምግልጋል ይርከባ።







![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







