ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ ኣብ ምርጫ ንምስታፍ መራሕቱ ክፍትሑ ሓቲቱ

ምንጪ ስእሊ, JAWAR MOHAMMED/FB
ኣብ ኢትዮጵያ ቀንዲ ካብ ዝበሃሉ ፖለቲካዊ ውድባት ሓደ ዝኾነ ኦሮሞ ፌደራሊስት ኮንግረስ (ኦፌኮ) ንኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ መራሕቱ ንኽፍትሑ ናብ መንግስቲ ጻውዒት ኣቕሪቡ።
እቲ ፓርቲ፡ ኣብቲ ድሕሪ ኣዋርሕ ክካየድ ትጽቢት ዝግበረሉ ሃገራዊ ምርጫ ዝህልዎ ተሳትፎ፡ እቶም ዝተኣሰሩ መራሕቱ እንተዘይሃልዮም ከም ዘጸግመሉ ብምግላጽ’ዩ ነዚ ጻውዒት ዘቕረበ።
ብተወሳኺ’ውን ብመንግስቲ ዝተዓጸዉ ኣብያተ ጽሕፈቱ ክኽፈቱሉ ኣብቲ ትማሊ ዘውጽኦ መግለጺ ዝሓተተ ኦፌኮ፡ ቅድሚ መረጻ ንዝግበር ጎስጓስ ኣብ ምሉእ ሃገር ብናጽነት ናይ ምንቅስቓስ መሰሉ ክሕለወሉ ተማሕጺኑ።
ሃገራዊ መረጻ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ወርሑ ነሓሰ ንኽካየድ ተወሲኑ እንተነበረ’ኳ ስግኣት ኮሮናቫይረስ ከም ምኽንያት ብምቕራብ ኣብዚ ዓመት ግን ድማ መዓልቱ ናብ ዘይተነጸረ ጊዜ ተሰጋጊሩ።
ምኽትል ኣቦ መንበር እቲ ፓርቲ ኣይተ በቀለ ገርባን ፍሉጥ ፖለቲከኛን ኣባልን ኣይተ ጃዋር መሓመድን ዝርከብዎም መሪሕነት ንኣዋርሕ ኣብ ማእሰርቲ ይርከቡ።
ኣብ ወርሒ ሓምለ ዝተኣሰሩሉን ብተደጋጋሚ ናብ ቤት ፍርዲ ዝመላለሱሉን ምኽንያት ከኣ ምስቲ ብድሕሪ ቅትለት ተወላዲ ኦሮሞ ዝኾነ ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ ብዝተሓሓዝ ብዝተወለዐ ናዕቢ ምዃኑ ይፍለጥ።
ክስታቶም ከኣ ምስ ሽበራ ዝተሓሓዙ ኮይኖም ኣለዉ።
ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ተቓወምቲ ውድባትን መራሕቲ ሲቪካዊ ማሕበራትን ብምርኻብ ኣብ ውጥናት እቲ መረጻ ዘትዩ ነይሩ።
መንግስቱ ነጻን ፍትሓውን ምርጫ ንኽካየድ ድሉው ከም ዝኾነ ድማ ተመባጺዑ።








![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







