“ንሓንቲ መዓልቲ ምሳይ ሻሂ ዝሰተዩ ሰባት፡ ናይ ባንኪ ሕሳቦም ደስኪሉ” ጃዋር መሓመድ

ጃዋር መሓመድ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images

ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ ፖለቲከኛታት ጃዋር መሓመድን በቀለ ገርባን፡ ዝተኣገደ ንብረቶም ከንቀሳቕሱ ክፍቀደሎም ንቤት-ፍርዲ ሓቲቶም።

ላዕለዋይ ቤት-ፍርዲ ኢትዮጵያ፡ ሎሚ ኣብ ትሕቲ መዝገብ ክሲ ኣይተ ጃዋር መሓመድ፡ ንብረቶም ከይንቀሰቓስ ናይ ዝተኣገዶም ተጠርጠርቲ ጉዳይ ርእዩ።

ካብ ጠበቓታት ኣይተ ጃዋር መሓመድ ሓደ ዝኾነ፡ ዶክተር ቶኩማ ዳባ፡ እቶም ብቤት-ፍርዲ ንብረቶም ከይንቀሰቓስ ዝተኣገዶም ተኸሰስቲ፡ ዝርዝር ወፃእታቶም ክንደይ ምዃኑ ነቲ ቤት-ፍርዲ ብፅሑፍ ከምዘቕረቡ ገሊፁ።

ተኸሰስቲ ንቀለቦም፣ ክራይ ገዛን ናይ ባንኪ ዕዳን ንክኸፍሉን ካልኦት ወፃእታቶም ምሽፋን ንክኽእሉን እቲ ዝነበረ እግድ ክለዓለሎም ድማ ሓቲቱ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ ኣብ ልዕሊ ንብረት ኦሮሚያ ሚድያ ኔትዎርክ ዝተነብረ እገዳ ንክለዓል’ውን ሓቲቱ።

እንተኾነ፡ ዓቃቢ ሕጊ ብወገን ጠበቓታት ዝቐረበ ዝርዝር ወፃኢ ብመረዳእታ ዘይተደገፈ እዩ፤ ንብረት ኦኤምኤን እውን ክምለስ ኣይግባእን ብምባል ተኻቲዑ።

ተኸሰስቲ እንታይ ኢሎም?

ፖለቲከኛ ጃዋር መሓመድ፡ “ንሓደ መዓልቲ ምሳይ ሻሂ ዝሰተዩ ሰባት፡ ናይ ባንኪ ሒሳቦም ደስኪሉ (ተኣጊዱ)፤ ምሳይ ብዙሕ ነገር ዝሰርሑ ሰብመዚ መንግስቲ ግና፡ ናይ ባንኪ ሕሳቦም ኣይተዓፀወን” ኢሉ ንቤት-ፍርዲ ከምዝተዛረበ፡ ጠበቕኡ ሓቢሩ።

ኣይተ ጃዋር ካብ ገዝኡ ብዛዕባ ዝተወሰደ ንብረት ድማ፡ ብስርዓት ተመዝጊቡ ዝተወሰደ ዘይኮነስ ኣብ ልዕለይ ዘመተ እዩ ተፈፂሙ ምባሉ'ውን ጠበቕኡ ገሊፁ።

“ፖሊስ፡ ካብ መንበሪ ገዛይ ልዕሊ 100 ሽሕ ብር፣ ወርቂ፣ ናይ ኢድ ሰዓትን ብሽልማት ዝረኸብክዎም ዝተፈላለዩ ሜዳልያታትን ወሲዱ ንብረቱ ገይርዎ እዩ። ንምንታይ እየ ዝዝመት?” ኢሉ።

“ምሳይ ንሓንቲ መዓልቲ ሻሂ ዝሰተዩ ሰባት፡ ናይ ባንኪ ሒሳቦም ፥ ተገኣጊዱ፤ ሕዚ ኣብ ስልጣን ምስዘለዉ ሰብ-መዚ ግና ሻሂ ምስታይ ጥራይ ዘይኮነስ ምስኦም ብዙሕ ነገር ሰሪሐ እየ። እቲ እገዳ እንተድኣ ናይ ብሓቂ ኮይኑ፡ ንምንታይ ድኣ ናቶም ሕሳብ ባንኪ ዘይደስከለ?” ኢሉ ነቲ ቤት-ፍርዲ ምሕታቱ፡ ጠበቕኡ ዶክተር ቶኩማ ዳባ ንቢቢሲ ገሊፁ።

ፖለቲከኛ በቀለ ገርባ ብወገኑ፡ ተሽከርካሪ ሓዊሱ ኣብ ንብረቱ ዝተነብረ እገዳ ዘይሕጋዊ ምዃኑ ነቲ ቤት-ፍርዲ ብምርዳእ፡ እቲ እገዳ ንክለዓለሉ ሓቲቱ።

“ኣነ ን 37 ዓመታት ሰራሕተኛ መንግስቲ ኮይነ ዝሰራሕኩ ሰብ እየ። ክንድ'ዚ ዝኣክል ዝሰርሐ ሰብ ድማ ከመይ ኣረጊት መኪና ትህልዎ ምባል ልክዕ ኣይኮነን። ናብ ኣዳማን ነቀምቴን ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን፡ እቲ ህዝቢ ከመይ ኣቀባብላ ከምዝገበረለይ ትፈልጡ ኢኹም። ናብ ወፃኢ ኣብ ዝኸድኩሉ እዋን ድማ መኪና ተሸሊመ ነይረ። እዛ ኣረጊት መኪና ንብረት ኣፍርዩ ምባል ትኽክል ኣይኮነን” ኢሉ።

ኣቶ በቀለ ወሲኹ፡ እታ ዝተኣገደት መኪና ምስ ዝተኸሰሰሉ ገበን ርክብ ከምዘይብላን፡ ናይ ባንኪ ሒሳቦም ክእገድ ዝተገበረ’ውን ስድርኡ ንፀገም ክቃልዑን ንዕኡ ንምድኻም ዝዓለመን ከምዝኾነ፡ ነቲ ቤት-ፍርዲ ተዛሪቡ።

እቲ ቤት-ፍርዲ ድማ ኣብዚ ጉዳይ ምላሽ ዓቃቢ ሕጊ ንምስማዕ፡ ን 24 ጥቅምቲ ተለዋጢ ቆፀራ ሂቡ።