ሪያል ማድሪድ ንሊቨርፑል ብምስዓር ኣብ ዋንጫ ‘ሻምፒዮንስ ሊግ’ ኤውሮጳ ዳግም ነጊሳ

ሪያል ማድሪድ ንመበል 14 ግዜ ዋንጫ ቻምፒዮንስሊግ ኤውሮጳ ተዓዊታ

ምንጪ ስእሊ, PA Media

መግለጺ ስእሊ, ሪያል ማድሪድ ንመበል 14 ግዜ ዋንጫ ቻምፒዮንስሊግ ኤውሮጳ ተዓዊታ

ስጳኛዊት ክለብ ሪያል ማድሪድ፡ ትማሊ 28 ግንቦት 2022 ኣብ ፓሪስ ኣብ ዝተኻየደ መዛዘሚ ጸወታ ሻምፒዮንስ ሊግ ኤውሮጳ፡ ንእንግሊዛዊት ክለብ ሊቨርፑል 1 ብ 0 ብምስዓር ንመበል 14 ግዜኣ ዋንጫ ናይቲ ውድድር ዓቲራ።

በዚ ኸኣ እቲ ሊቨርፑል ንሻብዓይ ግዜ ዋንጫ ሻምፕዮንስ ሊግ ክትዓትር ሒዛቶ ዝኣተወት ባህግን ዝገበረቶ ጻዕርን ብመሪር ስዕረት ተዀሊፉ። ቨኒስዮስ ጁንየር ኣብ ካልኣይ እብረ ጸወታ እንኮ ሸቶ ሪያል ማድሪድን ደገፍታን ኣብ ፓሪስ ክሰራሰሩ ገይሩ።

እዛ እንኮ ሸቶ 'ቲ ግጥም፡ በታ ዝበዝሕ ግዜ ብመልሰ-መጥቃዕቲ ስግኣታት ትፈጥር ዝነበረት ማድሪድ ኣብ መበል 58 ደቒቕ ዝተረኽበት ኰይና፡ ቨኒስየስ ብየማናይ መስመር መጥቃዕቲ ንዝተቘርጸትሉ ኵዕሶ፡ መስመር 'ኦፍሳይድ' ንስክላ ሞሊቝ ኣብ ወሳኒ ህሞት ዘመዝገባ እያ።

ኣብቲ ሊቨርፑል ዳርጋ ብሓደ ሰብ ጸኒዑ ከም ዘምሰየ ዝተገልጸ ዘሎ ዕርዲ ምክልኻል ማድሪድ ክትሰብር ብተደጋጋሚ መጥቃዕቲታት ዝፈነወት ኰይና፡ ሓላዊ ልዳታ ቲባው ኮርቱዋ፡ ንዅሉ መጥቃዕቲታት ሊቨርፑል ምፍሻል ብውልቁ ኣብ ታሪኽ ዝጥቀስ ፍሉይ ብቕዓት ኣርእዩ።

ነቲ ኣብ ተመሳሳሊ ጸወታ ፍጻመ 2018፡ ብሰርጆ ራሞስ ብዝወረዶ ማህረምቲ ብኣጋ ካብቲ ውድድር ምእላዩ ነቒሉ፣ ኣብዚ ናይ ትማሊ ሕነ ክፈዲ ዝደሊ ዝነበረ ኣጥቃዒ ሊቨርፑል መሓመድ ሳላሕ፡ ኮርቱዋ ብቐሊሉ ዝድፈር ኰይኑ ኣይረኸቦን፤ ንሱ ጥራይ 6 ግዜ በቲ ሓላው ልዳት ተዓጊቱ።

እዚ ዓወት'ዚ ኢጣልያዊ ኣሰልጣኒ ማድሪድ ካርሎ ኣንቸሎቲ፡ ንራብዓይ ግዜ ዋንጫ ሻምፕዮንስ ሊግ ዝዓተረ ቀዳማይ ኣሰልጣኒ ብምዃን ኣብ ታሪኽ ክሰፍር ኣብቂዕዎ'ሎ።

እዚ ዓመት፡ ሊቨርፑል ዘርኣየቶ ብቕዓትን ዘመዝገበቶ ዓወታትን፣ ዋንጫ ካራባኦን ኤፍ.ኤ ካፕን - ክልቲአን ኣንጻር ቸልሲ ብፍጹም ቅላዕ ዝተዓወተትለን - ኣብ መወዳእታኡ ግን ብድርብ ጓሂ ተዛዚሙ።

ሻምፒዮን ፕረምየር ሊግ እንግሊዝ ንምዃን፡ ብሓንቲ ነጥቢ ብ ማንችስተር ሲቲ ተበሊጻ ነታ ዋንጫ ከተማዕድዋ እንከላ፣ እዚ ናይ ትማሊ ውድድር ከኣ፡ ብብቕዓት ኮርቱዋ ዋንጫ'ኳ እንተሰኣነት፡ "ማስተር-ክላስ" ሓላወቲ ልዳት ዝወሰደትሉ ግን እዩ፡ ተባሂሉ'ሎ።

እዚ ቤልጁማዊ ሓላው ልዳት፡ ንሳላሕ "እሾኽ ኮይንዎ ኣምስዩ፡" ጥራይ ዘይኰነ፡ ካልኦት ብፍላይ ከኣ ሳድዮ ማነ ንዝሃረማ ኩዕሶ ብብልሓት ከድሕን ምኽኣሉ፡ "ፍጹም ብሉጽ እዩ ነይሩ፡" ተባሂሉ።

ሞሓመድ ሳላህ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ሊቨርፑል፡ ክሳብ መወዳእታ ሰሙን ናይዚ ዓመተ ስፖርት ታሪኻዊ "ኳድራብል" ዓወት ንምጭባጥ ብምድፋእ፡ እቲ ክልተ ግን ኣብ መወዳእታኡ'ኳ እንተዘይተዓወተ፡ ገና ዓቢ ክብሪ ክትወስድ ዘኽእላ ምዃኑ ግን ይእመን።

ትማሊ ምሸት፡ እቲ ካብ ስታድዮም ፓሪስ ወጻኢ ብፍላይ ደገፍቲ ሊቨርፑል ዝፈጠርዎ ዕግርግር፣ ፖሊስ ነቲ ዝተፍጥረ ኵነታት ንምቍጽጻር ዝገብርዎ ዝነበሩ ጻዕሪን ተደማሚሩ፡ ንምጅማር 'ቲ ጸወታ ልዕሊ 30 ደቓይቕ ክድንጕ ኣገዲድዎ እዩ።

ሊቨርፑል ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ደገፍታ ናብቲ ስታድዩም ክኣትዉ ዘይከኣሉሉ ምኽንያት ምሉእ መርመራ ክግበረሉ ትሓትት ኣላ።

ሪያል ማድሪድ ደጊማ ኣብ ኤሮጳ ነጊሳ

ሪያል ማድሪድ፡ ኣብዚ ዓመተ ስፖርት ኣብ ሻምፕዮንስ ሊግ ኣብ ጸወታታት ብዙሕ ጸብለል ኢላ'ኳ እንተዘይጸንሐት፡ ንፓሪስ ሰይንት ጀርመን፡ ቸልሲ፡ ማንቸስተር ሲቲን ሊቨርፑልን ረቲዓ ናብ ሸቶኣ ክትበጽሕ እትኽእል ጋንታ ምዃና፡ ንዅሉ ኣብ ልዕለኣ ዘሎ ሕቶታት መልሲ ትህበሉ።

እዚ ናይ ትማሊ ዓወት ምስቲ ዋንጫ ላሊጋ ዝዓተሩሉ ዓወት ተደሚሩ ማድሪዳውያን፡ እቲ ዓመታት ዝጸንሐ ውህሉል ተመኵሮኦምን ርእሰ ተኣማንነትን፡ ካብቲ ዝሓልፍዎ ዘለው ተሪር እዋን ብኸመይ ይሰግሩን ኣብ ዓወት ይበጽሑን መርኣያ ምዃኑ ይግለጽ።

ብተወሳኺ፡ እቲ ቅድሚ ሓደ ዓመት ካብ ኤቨርተን ናብ በርናቡ ተመሊሱ፡ ላሊጋን ሻምፕዮንስ ሊግን ዝዓተረ ኣሳልጣኒ ካርሎ ኣንቸሎቲ'ውን ፍሉይ ህሞት እዩ።

ኣንቸሎቲ፡ በዚ ራብዓይ ዓወቱ ንታሪኽ ኣብ ርእሲ ምስርሑ፣ ነቶም ናይ ገዛእ ርእሶም 'ኢጐ' ዘማዕብሉ ዓበይቲ ተጻወትቲ ከይተረፈ ከመይ ተመሓድርን ትዕወትን ዘለዎ ምልከት'ውን ኣርእዩ'ሎ።

ኣንቸሎቲ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ኣሰልጠንቲ ምዃኑ ደጊሙ ኣመስኪሩዎ ኣሎ።