ቻምፕዮንስ ሊግ፡ ሎሚ ሊቨርፑልዶ ርያል ማድሪድ መልሲ ዝርከባ ምሸት

ምንጪ ስእሊ, Angel Martinez - UEFA
ሎሚ ምሸት ብኣቆጻጽራ ምብራቕ ኣፍሪቓ ሰዓት 10:00 ዋና ከተማ ፈረንሳ፡ ፓሪስ፡ ኣብ ሞንጎ ስጳኛዊት ክለብ ርያል ማድሪድን እንግሊዛዊት ክለብ ሊቨርፑል ናይ ፍጻመ ጸወታ ጎባልል ክለባት ኣውሮጳ ከተአንግድ እያ።
ክልቲኤን ጋንታታት ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ ፍጻመ ቻምፕዮንስ ሊግ ተራኺበን ጸወታ ብዓወት ርያል ማድሪድ ምዝዛሙ ዝዝከር እዩ።
ዝኾነ ኵዕሶ እግሪ ዝፈቱ ሰብ እዚ ጸወታ እዚ ክሓልፎ ኣይደልይን'ዩ፡ እቶም ብዛዕባ ኵዕሶ እግሪ እንዶ ዘይብሎም'ውን እንተኾነ፡ ብዛዕባ ዝና እዘን ክልተ ጋንታታት ምስምዖም ኣይተርፍን'ዩ።
ኣብ ታሪክ ቻምፕዮንስ ሊግ: 13 ግዜ ዋንጫ ብውሳድ ተወዳዳሪ ዘይተረኸባ ርያል ማድሪድን ነታ ዋንጫ ሽዱሽተ ግዜ ዝተዓወተትላ ሊቨርፑልን ሓዲአን፡ ሎሚ ምሽት ነዛ ዋንጫ ብምዕታር ኣብ ከብሐን ቁጽሪ ዋናጩ ክውስኻ'የን፡ እቲ ሕቶ ግን ማድሪድዶ ሊቨርፑል'ዩ።
ኣብ መጀመርታ ናይ ምድብ ጸወታ ሰንከልከል ኢላ ዝሓለፈት ርያል ማድሪድ ኣብ ናይ ፈለማ ጸወታኣ ዝርኣያ ሰብ ናብ ፍጻመ ክትሓልፍ ትኽእል'ያ ኢሉ ክግምት ኣይክእልን እዩ።
እንተኾነ ንቸልሲ፡ ንፒኤስጂ ኣብ መወዳእታ ከኣ ኣብ ውዱእ ሰዓት ንማንቸስተር ሲቲ ኣንበርኪኻ ናብ ፍጻመ ክትሓለፍ ክኢላ እያ። ኣብ ኵዕሶ ዘይክኣል የለን።
ኣብ ላሊጋ 27 ሸቶታት ብምምዝጋብ ኮኾብ ኣመዝጋቢ ሽቶ ኮይኑ ዝተሸለመ፡ ኣጥቅዓይ እታ ጋንታ ፈረንሳዊ ክሪም ቤንዜማ ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ቻምፕዮንስ ሊግ 15 ሸቶታተ ብምምዝጋብ ተወዳዳሪ'ዩ ተሳኢንዎ ዘሎ፡ ንርያል ማድሪድ ኸኣ ኣብ እንግድዑ'ዩ ተሰኪምዋ ዘሎ።

ምንጪ ስእሊ, FRANCK FIFE
ካሪም ቤንዜማ ምስ ቪኒሺየስ ጁኒየር ተላፊኖም ንመስመር ምክልኻል ሊቨርፑል ከናውጽዎ ከምስዩ ከምዝኽእሉ ኸኣ ብኣግኡ ተገሚቱ ኣሎ።
ብኻልእ ወገን ሓለቃ ጋንታ ሊቨርፑል ጆርዳን ሄንደርሰን ንርያል ማድሪድ ኣብ ስታድዮም ስታ ዴ ፍራንስ ፈረንሳ ኣፎም ከነትሕዞም ኢና ኢሉ ይፍክር ኣሎ።
ናይ ሎሚ ዓመት ዋናጩ ኤፍኤን ካራባዋን ዝዓተረት ሊቨርፑል ነታ ብማንቸስተር ሲቲ ዝተመንዝዓታ ዋንጫ ፕሪሜርሊግ ብዋንጫ ቻምፕዮንስ ሊግ ገይራ ክትድብሳ ከምእትክእል'ዩ ግምት ዘሎ።
ኣብ ሓደ ዓመት ኣርባዕተ ዋንጫታት ናብ ከብሒ ሊቨርፑል ከእቱ ሓሊኑ ዝተበገሰ ኣሰልጣኒ ሊቨርፑል የርገን ክሎፕ እዛ ዋንጫ እዚኣ ብምስፍሳፍ 75 ሚኢታዊት ካብ ውጥኑ ብዓወት ክዛዝም ምዃኑ'ዩ ገሊጹ ዘሎ።
ኣሰልጣኒ ርያል ማድሪድ ካርሎ ኣንቸሎቲ፡ በቶም ናይ ዓመታት ልምዲ ዘለዎም ሞድሪችን ክሩዝን ዝምራሕ ማእከል ሜዳ ማድሪድ ናይ ቤንዜማን ቪኒሺየስ ጁኒየርን ኵናት፡ ተመሪሑ ዘፍርሕ ከምዝኾነ ብምግላጽ ንሊቨርፑል መፈራርሒ ቃላት ወርዊሩ ኣሎ።
ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ርያል ማድሪድ ንሊቨርፑል ኣብ ዝሰዓረትሉ ካብ ሜዳ ተሃሪሙ ዝወጽአ ኣጥቃዓይ ሊቨርፑል ግብጻዊ መሓመድ ሳላሕ ጽባሕ ናይ ቅድሚ ዓርባዕተ ዓመት ስዕረት ሕኒኡ ንኽፈዲ ሸቶ ከምዘመዝግብ ገሊጹ ኣሎ።
ሎሚ ምሽት፡ ከተማ ፓሪስ ብባንዴራን መዝሙርን ሊቨርፑልዶ ርያል ማድሪድ ትውርቕ ግን: ጸወታ እዩ ክምልሶ።






![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







