ካፍ ንምንታይ እዩ ስታድየማት ኢትዮጵያ "ይተሓረሱ" ኢሉ?

ስታድየም ባህርዳር

ምንጪ ስእሊ, KIDUS YOFTAHE

መግለጺ ስእሊ, ስታድየም ባህርዳር

ጋንታታት ኢትዮጵያ ኣብ ሜድአን ክገብርኦ ዝግባእ ዝነበረ ፀዋታታት ኣብ ናይ ካልእ ሃገራት ሜዳ ምፅዋት ካብ ዝጅምራ ጸኒሐን እየን።

ናይዚ ምኽንያት ድማ ንረቛሕታት ካፍ ዘማልኡ ስታድየማት የብልኩምን ስለዝተብሃላ እዩ።

ኣብ ሕድሕድ ክልላት ኢትዮጵያ ኣስታት 50 ሽሕ ሰባት ዝሕዙ ስታድየማት ኣለዉ። ንምንታይ ድኣ እዩ ካፍ፡ ኢትዮጵያ ስታድየም የብላን ዝብል?

ካብ ናይ ቀረባ ግዘ ፍፃመ ንበገስ።

ኢትዮጵያ ኣብ ቀፃሊ ዓመት ኣብ ዝካየድ ዋንጫ ኣፍሪቃ ንምስታፍ፡ መፃረይ ግጥም ንምክያድ ትዳሎ ኣላ።

ግብፅን ማላውን፡ ኢትዮጵያ ኣብ ትርከበሉ ምድብ ተመዲበን ይርከባ።

ብመሰረት እዚ ሕጊ፡ ተፃወትቲ ዋልያ (ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ)፡ ፈለማ ፀዋታ ካብ ሜድኦም ወፃኢ ምስ ማላዊ ክገጥሙ እዮም።

ቀፃሊ ግጥሞም ግና ምስ ግብፂ ኣብ ገዛእ ሜድኦም ከምዝኾነ፡ መደባት እቲ ፀዋታ ይሕብር።

እንተኾነ ካፍ፡ እዚ ፀዋታ’ውን ኣብ ማላዊ ክካየድ ወሲኑ እዩ።

ፕረዝደንት ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ማላዊ ዋልተር ኒያሚላንዱ፡ "ኣብ ሃገረይ ዘለኹም ደገፍቲ ሊቨርፑል ሞ ሳላሕ ክመፀልኩም እዩ፤ እንኳዕ ደስ በለኩም" ዝብል መልእኽቲ ኣብ ትዊተር ኣስፊሩ።

ብዙሓት ድማ፡ እዚ ናይ ግብፂ ውዲት እዩ ይብሉ። ነዚ ድማ ናይ ሞ ሳላሕ ሃገር፡ ናይ ኢትዮጵያ ሜዳ ኣይምጥነን ኢላ ቅረታ ስለዘቕረበት እዩ እዚ ኮይኑ ዝብል ምኽኒት ከቕርቡ ይስምዑ።

ንኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ብቀረባ ዝከታተሎ ፍሬው ኣስራት ግና፡ "ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያን ኮሚሽን ስፖርትን፡ ብመሰረት ካፍ ዝሓተቶም 'ሜዳይ ኣመሓይሸ እየ፤ ምርመራ ይገበረለይ' ኢሎም ብዝሓተትዎ መሰረት'ዩ ምርመራ ተገይሩ" ይብል።

ብመሰረት እዚ ሕቶ፡ ናይ ካፍ መርማሪ ዝኾነ ውልቀሰብ ቅደሚ ሒደት ሰሙናት ናብ ስታድየም ባህርዳር ብምምፃእ፡ ፅሬት እቲ ሜዳ ተዓዚቡ ተመሊሱ እዩ።

"እዚ ማለት፡ ግብፂ እቲ ሜዳ ይመርመረለይ ኣይበለትን ማለት ኣይኮነን። ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ግብፂ ኣብ ተመሳሳሊ ሰዓት ናብ ካፍ ደብዳበ ኣእትዩ ነይሩ። እንተኾነ ካፍ፡ ብመሰረት ሕቶ ኢትዮጵያ እዩ" ይብል ፍሬው።

ግብፂ ነዚ ሕቶ ዘቕረበት፡ ንናይ ኣዲስ ኣበባ ብራኸ (ኣልቲትዩድ) ብምፍራሕ'ምበር ብዋናነት ጉዳይ ሜዳ ንምፍታሽ ኣይኮነን ይብል።

"እቲ ሜዳ ይተሓረስ"

ልኡኽ ካፍ ንስታድየም ባህርዳር ምስ መርመረ፡ ነዚ ውፅኢት ብሃንቀውታ ይፅበዩ ንዝነበሩ ሰብመዚ እወንታዊ ኣይነበረን።

እቲ መርማሪ፡ "እንታይ ኣጉዲልና?" ኣብ ዝብል ስምዒት ንዝነበሩ ሰብመዚ ስፖርት ፌደራልን ክልልን፡ "እቲ ሜዳ ይተሓረስ" ዝብል ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ እቲ መርማሪ፡ ስታድየም ባህርዳር፡ ነቲ ዝተሓተ ረቛሒታት ካፍ እውን ኣየማልእን ክብል ገሊፁ።

ፍሬው፡ "ብርግፅ ስታድየም ናይ ምህናፅ ፀገም የብልናን። እንተኾነ እቶም ስታድየማት ካፍ ዝጠልቦም ረቛሕታት ኣማሊኦም ኣይህነፁን። ደጋዊ ቁመንኦም ዝስሕብ፡ ኣወዳድእኦም ግና ዘቕይም ይኸውን" ይብል።

ካፍ፡ 'ሚኒመም ስታንዳርድ' ዝብሎም፡ ካልእ እንተተረፈ እዚኦም ኣማልኡለይ ዝብሎም ረቓሒታት ኣለው።

ፍሬው፡ ንገለ ካብ’ቶም ረቛሒታት ብኸምዚ ይጠቕሶም።

"እቲ ቀደማይ መፃወቲ ሜዳ እዩ። መብዛሕትኦም ስታድየማት መፃወቲ ሜድኦም ዝናብ ክወቅዕ እንከሎ ማይ ዘዕቁር እዩ። መብዛሕትኦም ስታድየማትና ነዚ ክኣልይ ዝኽእል ስርዓት ፈሳሲ (ድሬይኔጅ ሲስተም) የብሎምን። ካብዚ ወፃኢ ድማ ክዳን መኽደኒ ክፍልታትና መቐመጢ የብሎምን። እዚ ድማ ንረቛሕታት ክንወድቕ ካብ ሞንጎ ዝገብረና እዩ" ይብል።

ሳዕሪ ዝቦቐሎ ስታድየም

ምንጪ ስእሊ, KIDUS YOFTAHE

ፍሬው ይቕፅል. . .

"መብዛሕትኦም ንደገፍቲ ዝተሰርሐ ኮፍ መበሊ የብሎምን። እዚ ድማ ንሓደጋ ዘቃልዕ እዩ” ይብል።

ፍሬው ወሲኹ መብዛሕትኦም ሜዳታት፡ ኣብ ምሸት ፀዋታት ንምክያድ ዘኽእል መብራህቲ ከምዘይብሎም ይገልፅ።

ካብዚ ብተወሳኺ፡ "ካፍ፡ ስታድየማት እነተተኻኢሉ ናሕሲ ንክህልዎም ይጠልብ። ናትና ስታድየማት ድማ ነሕሲ የብሎምን። ካልእ ድማ ጉዳይ ምሉእ ቴክኖሎጂ ዝተገጠመሉ 'ሚድያ ሩም' እዩ፡ እዚ'ውን ኣየማላእናን . . . ሓሓሊፉ ድማ ደረጅኡ ዝሓለወ፡ ክፍሊ ሕክምና ክህልወና የገድድ" ይብል።

ከም ኣገላልፃ ፍሬው፡ ካብቶም ልዕል ክብል ዝተገለፁ ረቛሕታት ዝተወሰኑ እኳ እንተተማሊኦም፡ ፀዋታት እናተኻየዱ መመሓየሽታት ክግበሩ ይደሊ፤ እንተኾነ ንባህርዳር ሓዊሱ ኩሎም ስታድየማት ነቲ ዝተሓተ ረቛሒ እውን ኣየማልኡን።

"ካፍ፡ ንስታድየም ባህርዳር ምስ ተዓዘበ፡ እቲ ሜዳ እንደገና ተሓሪሱ ሰዓሪ ይተኸሎ እዩ ኢሉ። መእለይ ፈሳሲ (ድሬይኔጅ ሲስተም) ንክስተኻኸል እውን ኣገንዚቡ። ፅሬት ኣለዎ ንብሎ መቐየሪ ክዳን እቲ ስታድየም እውን፡ ፈሪሱ ከም ብሓድሽ ክስራሕ ኣለዎ ዝብል ግብረ መልሲ ሂቡ" ይብል።

ስታድየማት ኢትዮጵያ ናይ መን እዮም?

ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ፡ ስታድየማት ናይ ምህናፅ ኮነ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት የብለይን ይብል።

ዋና ፀሓፊ እቲ ፌደሬሽን ባህሩ ጥላሁን፡ ኣብ ዝኾነት ሃገር፡ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ስታድየም ናይ ምህናፅ ኮነ ናይ ምምሕዳር ሓላፍነት የብሉን ይብል።

"ናትና ስልጣን ምስፋሕ ኩዕሶ እግሪ እምበር፡ ምህናፅ መሰረተ ልምዓት ኣይኮነን። መንግስታት ፌደራልን ክልልን እዮም እዚ ጉዳይ ዝምልከቶም" ዝብል እቲ ፀሓፊ፡ "እዚ ማለት ግና እቲ ፈደሬሽን ቴክኒካል ሓገዝ ኣይህብን ማለት ኣይኮነን" ይብል።

ኣይተ ባህሩ፡"በዚ ሞያ ልምዲ ዘለዎም ሰብ ሞያ ምስ መንግስቲ ምርኻብ፣ ኤክስፐርታት ናይ ምቕራብ ስራሕ፡ ናይ ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንብዙሕ ግዘ ስታድየማትና ከይተኣገዱ ዝፀንሑ፡ ብፃዕሪ ፕረዝደንት እቲ ፌደሬሽን እዩ" ይብል።

"ዝበዝሕ ግዘ፡ ኣብ ባህርዳር ፀዋታት ነካይድ ዝነበርና ብገደብ እዩ ነይሩ። እዚ ውፅኢት ዲፕሎማሲ ኩዕሶ እግሪ እዩ። ፕረዝደንት እቲ ፌደሬሽን ዘለናሉ ኩነታት ንካፍ እናረድአ እዩ እዚ ክኸውን ፀኒሑ። እምበር ካፍ ሙሉእ ብሙሉእ ስታድየማትና ክእግድ ዝሓሰበ ቅድሚ ክልተ ዓመት እዩ ነይሩ"

እቲ ዋና ፀሓፊ፡ ካፍ በብ እዋኑ ዝልእኸሎም ደብዳበታት ንኮምሽን ስፖርት ክልል ኣምሓራ ብምቕራብ፡ መፍትሒ ንምንዳይ ይሰርሕ ከምዝበረ የብርህ።

"ዋላ'ኳ ዝተወሰነ ምምሕያሽ እንተገበርና፡ ካፍ ብዝደልዮ መልክዕ ግና ኣይነበረን። ካፍ እውን ምምሕያሽ ከምዘሎ ኣሚኑ እዩ፤ እንተኾነ በዚ ደረጃ ፀዋታ ምክያድ ከምዘይከኣል እዩ ነጊሩና" ብምባል፡ ኢትዮጵያ ካብ ሜድኣ ወፃኢ ብምፅዋታ፡ እቲ ፌደሬሽን ዋጋ ይኸፍል ከምዘሎ ይገልፅ።

እቲ ፌደሬሽን፡ ፊፋን ካፍን ብዝምድብሉን ብስፖንሰርን ብዝረኽቦ ኣታዊ ከምዝመሓደር ብምሕባር፡ ንሃገራዊት ጋንታ ተባሂሉ ካብ መንግስቲ ዝምደበሉ ገንዘብ ከምዘየለ ይሕብር።

"ኣብ ዝሓለፈ ኣብ ጋና ፀዋታ ተመልኪትና ኢና። ሕዚ ድማ ኣብ ማላዊ ምስ ግብፂ ክንገጥም ተሊምና ኣለና። ንማላዊ ዝመረፅና ወፃኢ ምእንታን ክንቁጥብ እዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ተፃወትትና ካብ ሃገር ናብ ሃገር ብምምላስ ከይደኽሙ ስለዝሓሰብና እዩ። እዚ ዘሕፍር እምበር ዘኹርዕ ኣይኮነን" ብምባል ገንዘብ ምስ ዝሰኣን ግና ውድድር ክሳብ ምቁራፅ ክበፅሑ ከምዝኽእሉ ይገልፅ።

እንታይ ተስፋ ኣሎ?

ፍሬው እውን ምስ ሓሳብ እቲ ዋና ፀሓፊ እዩ ዝሰማማዕ። እንተኾነ ግና፡ ዝጥቀመሉ ስታድየም ክሳብ ዝኾነ፡ ስታድየማት ፅሬት ሓልዮም ንክህነፁ ፀቕጢ ናይ ምፍጣር ሓላፍነት ከምዘለዎ ይኣምን።

ዋላ'ኳ ስታድየማትና፡ ትሕቲ መምዘኒታት ካፍ እንተኾኑ፡ ሕዚ ዝሕደስ ዘሎ ስታድየም ኣዲስ ኣበባን ህንፀት ስታድየም ኣደይ ኣበባን ግና ተስፋ ዘስንቑ ከምዝኾኑ ይገልፅ።

ስታድየማት ድሬዳዋን ባህርዳርን እውን፡ ኣብዚ ዓመት ንረቛሕታት ኣማሊኦም እንተውሓደ ኣብዚ ዓመት ክዛዘሙ ከምዝኽእሉ ፍሬው የእንፍት።

"ብኣንፃር ምስ ዘሎ ነባራዊ ኩነታት፡ ብሓደ ግዘ ስታድየማት ምዝዛም ዝኸብድ እመስለኒ" ዝብል ፍሬው፡ ሕዚ ሚኒስትር ስፖርት ይገብሮ ዘሎ፡ ዝተጀመሩ ስታድየማት ደረጃ ብደረጃ ናይ ምውዳእ ስጉምቲ ዘዋፅእ ከምዝኾነ የብርህ።

"ርሒቑ እንተተብሃለ፡ ዋልያ ኣብ ዝቕፅል ፍርቂ ዓመት ኣብ ሜድኦም እንትፃወቱ ንርኢ ንኸውን" ይብል።