ስታድየም ትግራይ ግጥማት ቻምፒዮንስ ሊግ ኣፍሪቃ ንምእንጋድ ካብ ካፍ ፍቓድ ረኺቡ

ምንጪ ስእሊ, Daniel Asmelash
ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከብ ትግራይ ስታድየም ግጥማት ቻምፒዮንስ ሊግ ኣፍሪቃ ንኽካየደሉ ዘኽእል ፍቓድ ካብ ኮንፈደሬሸን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ተዋሂቡ።
ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ትግራይ ኣይተ ኣንገሶም ካሕሳይ ንቢቢሲ ከም ዝሓበሮ፡ እቲ ስታድየም ዓለምለኻዊ ውድድራት ንምክያድ ዘኽእሎ ፍቓድ ክረክብ ናብ ካፍ ሕቶ ቀሪቡ ነይሩ።
እቲ ሕዚ ካብ ካፍ ተዋሂቡ ዘሎ ኣፍልጦ ምሉእ ብምሉእ ዓለምለኻዊ ውድድራት ክካየደሉ ዘፍቅድ ከም ዘይኮነ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ምስቲ ናይ መቐለ 70 እንደርታ ተሳታፎ ቻምፒዮንስሊግ ኣፍሪቃ ብዝተሓሓዝ፡ ነቲ ውድድር ዘድልዩ ነገራት ብምምላእ ናብ ካፍ ሕቶ ኣቕሪብና ነይርና። ነዚ መሰረት ብምግባር ድማ ካፍ መልሲ ሂቡና" ኢሉ።
እቲ 'ኮንዲሽናል' ብዝብል ዝተወሃበ ፍቓድ ካፍ፡ ስታድየም ትግራይ መቐለ 70 እንደርታ ኣብ ሜድኣ ንእተካይዶም ግጥማት ቻምፒዮንስ ሊግ ጥራሕ ዘፍቅድ'ዩ።
"ኣብ ቀጻሊ እቲ ሜዳ እናተርኣየ ምሉእ ፍቓድ ዝወሃቦ ኮይኑ፤ ሕዚ ግን ነታ ውድድር ጥራሕ ተፈቒዱልና'ሎ" ክብል እቲ ሓላፊ ኣረዲኡ።
እንታይ ከማልእ ትጽቢት ይግበር?
ኮንፈደሬሸን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ልኡኻቱ ሰዲዱ ነቲ ሜዳ ምስተዓዘበ ንዓለምለኻዊ ውድድራት ብቑዕ ንክኸውን ኣቐዲሞም ክማልኡ ኣለዎም ዝበሎም ነገራት ሓቢሩ'ዩ።
ኣብ መጻወቲ ሜዳ ምምኽያሽ ንኽግበር፣ ኣባላት ካፍ ኣብ እዋን ግጥማት ኮፍ ዝብሉሉ ክፍሊ፣ ምሉእ ናይ ስታድየም ወንበር፣ ዓበይቲ መብራህትታት፣ ናብ ስታድየም መእተዊ ኣስፓልት፣ ሓጹርን ካልኦት ነገራትን ንኽማልኡ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።
"ኣብዚ ሕዚ እዋን ነቲ ናይ ሻምፒዮንስ ሊግ ጸዋታ ዘድልዩ መሕጸቢ ነብሲን ሽቓቕን፣ ተጻወትቲ ክዳን ዝቕይሩሎም ክፍልታት፣ ተቐየርቲ ተጻወትቲ ኮፍ ዝብሉሎም ቦታታት ሰሪሕና ኣለና" ኢሉ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ትግራይ ኣይተ ኣንገሶም ካሕሳይ።
ዝተረፉ ክማልኡ ዘለዎም ነገራት ድማ መንግስቲ ትግራይ ዓመታዊ ብዝብጅቶ 100 ሚልዮን ቅርሺ ከም ዝሰርሑ ተዛሪቡ።
ዝተቐመጠ ንጹር ገደብ ግዜ ከም ዘየለ ዝሓበረ እቲ ሓላፊ፡ ኩሎም ዝተረፉ ስራሕቲ ግን ኣብ ሓምሻይ 'ፌዝ' [ደረጃ ስራሕ] ኣማሊእኻ ከም ዝስርሑ ገሊጹ።
ብተመሳሳሊ ኣብ ኮንፈደሬሸን ካፕ ኣፍሪቃ ትሳተፍ ዘላ ጋንታ ፋሲል ከነማ ኣብ ሜድኣ ንዝህሉ ጸዋታ ስታድየም ባህርዳር ፍቓድ ካፍ ረኺቡ'ሎ።
ካፍ ኣብ ስታድየማት ኢትዮጵያ
ንኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ ብላዕለዋይነት ዝመርሕ ኮንፈደሪሸን ኩዕሶ እግሪ ኣፍሪቃ- 'ካፍ'፡ ኢትዮጵያ ዓለምለኻዊ ደረጃ ዘማልኡ ስታድየማት ከም ዘይብላ ሓቢሩ'ዩ።
ውሃቢ ቃል ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ ኣይተ ባህሩ ጥላሁን፡ ካፍ ኣብ ዝተፈላለዩ ስታድየማት ብድሕሪ ዘካየዶ ዳህሳስ፡ ንውጽኢት ገምጋሙ ዝገልጽ ደብዳበ ኣብዚ ሰሙን ከም ዝለኣኸሎም ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"ኢትዮጵያ ኣብ 2020 ውድድራት ቻን ክተአንግድ'ያ ምስተበሃለ ክልተ ግዘ ዳህሳስ ኣካይዱ ነይሩ። ኣብ ስትድየማት ባህርዳር፣ ሃዋሳ፣ ድሬዳዋ፣ መቐለ፣ ኣዳማን ኣዲስ ኣበባን ዑደት ገይሩ። ናይ ዑደቱ ገምጋም'ዩ ኣብዚ ሰሙን ልኢኹልና ዘሎ" ክብል ኣረዲኡ።
"ካፍ ኣብ ደረጃ ስታድየም ኣዲስ ኣበባ ኣመልኪቱ ብተደጋጋሚ ሕቶ ከቕርብ ጸኒሑ እዩ። ብፍላይ ኣብ ኩነታት እቲ መጻወቲ ሜዳ ካብ ደገ ዝመጽኡ ተጻወትቲ'ውን ሕቶ የልዕሉ'ዮም" ኢሉ።
እቶም ተዓዘብቲ፡ ስታድየም ሃዋሳ ዝነበርዎ ጸገማት ንምፍታሕ ይስራሕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብምምጽኦም ነቲ ዝግበር ምምሕያሻት ክርእዩ ምኽኣሎም ተዛሪቡ።
እንተኾነ ካልኦት ክማልኡ ዘለዎም ተወሰኽቲ ነገራት ከም ዘለዉ'ውን ወሲኹ ገሊጹ።
ስታድየም ባህርዳር ኣብዚ ሕዚ እዋን ክልተ ናይ ተጻወትቲ ክዳን መቐየሪ ክፍልታት ጥራሕ ስለ ዘለውዎ፡ ኣብ መዓልቲ ሓደ ጸዋታ ጥራሕ ክካየደሉ ከም ዝኽእል ገምጋም ካፍ ኣመልኪቱ።
ተወሰኽቲ ክፍልታት ክዳለዉ እንተተገይሩ ግን ክልተ ተኸታተልቲ ግጥማት [ንኣርባዕተ ጋንታታት] ከአንግድ ዓቕሚ ከም ዘለዎ ሓቢሩ።
ካልኦት ዝተረፉ ዓበይቲ ስራሕቲ ድማ ክማልኡ ኣለዎም ኢሉ።
ኣይተ ባህሩ ጥላሁን "ነቲ ኣብ መቐለ ዝርከብ ስታድየም ካፍ ክፈልጦን ክምዝግቦን ብዙሕ ጻዕርታት ተገይሩ'ዩ" ክብል ተዛሪቡ።
"ጉጅለ ምርመራ ቻን ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ፡ ዓብዪ ከም ዝኾነን ኣብ ሓደ መዓልቲ ክልተ ተኸታተልቲ ጸዋታታት [ኣርባዕተ ጋንታታት] ከአንግድ ከም ዝኽእልን ገሊጹ'ዩ" ኢሉ።
ዝተርፉ ወሰንቲ ናይ ምውዳእ ['ፊኒሺንግ'] ስራሕቲ ስለ ዘለዉ ግን ዓለማዊ ውድድራት ክካየደሉ ድልው ዘይምዃኑ ሓቢሩ።
"መለማመዲ ቦታ፣ ክፍልታት መሕጸቢ ነብሲን ሽቓቕን ገና ይተርፎ'ዩ። ናይ ተቐየርቲ ተጻወትቲ ኮፍ መበሊ መንበራት የለን። እቲ መጻወቲ ሜዳ'ውን ገና ዝተርፎ ነገር ከም ዘሎ'ዩ ተሓቢሩና" ክብል ኣረዲኡ።
መንግስቲ ትግራይ ከባቢ 14 ሚልዮን ቅርሺ በጂቱ እቶም ክስርሑ ዘለዎም ብቕልጡፍ ክማልእ ከም ዝገበረ ኣዘኻኺሩ።
ፌደሬሽን ኩዕሶ እግሪ ኢትዮጵያ፡ ደረጃ ስታድየማት ክመሓየሽ ንመንግስቲ ብተደጋጋሚ ይሓትት ከም ዘሎ'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







