ሰሜን ኮርያ ዜጋታታ ብኮቪድ-19 ከም ዝሞቱ ንፈለማ ግዜ ብወግዒ ገሊፃ

ምንጪ ስእሊ, Getty Images
ሰሜን ኮርያ፡ ዜጋታታ ብኮቪድ-19 ከም ዝሞቱ ንፈለማ እዋን ወግዓዊ ገይራ። መራኸቢ ብዙሃን እታ ሃገር ካልኦት ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቝፀሩ ምልክታት መልከፍቲ ከም ዘርኣዩ ኣፍሊጡ።
ማዕከን ዜና እታ ሃገር ሎሚ ዓርቢ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ፡ ሽድሽተ ዜጋታት እታ ሃገር ሙቐት ሰብነት ድሕሪ ምርኣዮም ክሞቱ እንከለው፡ ካብዚኦም እቲ ሓደ ብዝተገበሮ ምርመራ፡ ብኦሚክሮን ከም ዝተለኸፈ ተረጋጊፁ እዩ።
ምልክታት ሙቐት ሰብነት ዘርኣዩ 187 ሽሕ ሰባት ድማ፡ "ተወሺቦም ሕክምናዊ ክትትል ይግበረሎም" ከምዘሎ ተገሊፁ።
ሰብሞያ ጥዕና፡ ለበዳ እቲ ቫይረስ ኣብታ ሃገር ከምዝነበረ ክገልፁ'ኳ እንተፀንሑ፡ ሰብመዚ እታ ሃገር ግን ትማሊ ሓሙስ እዮም፡ ፈላማይ መልከፍቲ ኮቪድ-19 ኣብ ሰሜን ኮርያ ከም ዝተመዝገበ ኣፍሊጦም ዘለዉ።
ሰብመዚ ሰሜን ኮርያ፡ ኣብ ርእሰ-ከተማ እታ ሃገር ፒዮንግያንግ ለበዳ ቫይረስ ኦሚክሮን ከም ዘጋጠመ ብምግላፅ፡ መምርሕታት ዕፅዋ ኣዊጆም። እንተዀነ፡ ብትኽክል ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት በዚ ቫይረስ ተለኺፎም ዝብል ኣይገለፁን።
ማዕኸን ዜና ከይሲኤንኤ፡ እዚ ለበዳ ካብ ርእሰከተማ እታ ሃገር ወፃኢ ከምዝተላብዐን፡ ኣስታት 350 ሽሕ ሰባት ምልክታት እዚ ቫይረስ ከምዘርኣዩ ኣፍሊጡ። ካብዞም እዚ ምልክት ዘርኣዩ ሰባት ክንደይ ዝኣኽሉ ብኮቪድ ተለኺፎም ዝብል ግን ኣይገለፀን።
ተንተንቲ ከም ዝብልዎ፡ እዚ ብመራኸቢ ሓፋሽ እታ ሃገር ተገሊፁ ዘሎ ኣሃዝን ወግዓዊ ምእማንን፡ ምናልባት እታ ሃገር ክሳብ ሕዚ ተራእዩ ብዘይፈልጥ መልክዑ በዚ ቫይረስ ትህሰ ከምዘላ ዘመላኽት ክኸውን ይኽእል እዩ ኢሎም።
ሰብሞያ ጥዕና፡ ብሰንኪ ስእነት ክታበትን ትሑት ሕክምናን፡ 25 ሚልዮን ህዝቢ ሰሜንኮርያ፡ ግዳይ ከምዝዀነ እዮም ዝገልፁ።
ኣብ ዓመተ 2020 ዶባታ ብምዕፃው ለበዳ ኮቪድ-19 ከምዝገትኣቶ ክትገልፅ ዝፀንሐት ሰሜን ኮርያ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለም ዝተወፈየላ ክታበታት ኣስትራዘኒካን ኣብ ቻይና ዝተሰርሑ ኣፋውሳትን ከም ዝነፀገቶም ይፍለጥ።
ሰሜንኮርያ፡ ምስተን እዚ ቫይረስ ንምምካት ሓያል ፃዕሪ ከካይዳ ዝፀንሓ ሃገራት ቻይናን ደቡብ ኮርያን ትዳወብ። ቻይና ኣብዚ እዋን ለበዳ ኦሚክሮን ንምግታእ ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ዕፅዋ ኣዊጃ ኣላ።
ትማሊ ኣብ ሓደ ማእከል ጥዕና ምብፃሕ ዝገበረ መራሒ ሰሜን ኮርያ ኪም ጆንግ ኡን፡ ነዚ ኵነታት "ቅፅበታዊ ቅልውላው ጥዕና ህዝቢ" ክብል ገሊፅዎ።
ኪም ጆንግ ኡን፡ ትማሊ ሓሙስ መምርሕታት ኮቪድ ንምርቃቕ ኣብ ዝተረኸበሉ ኣኼባ፡ ንፈለማ እዋን መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ገይሩ ተራእዩ።
እቲ መራሒ፡ ነዚ ቫይረስ ንምግታእ፡ ንዕፅዋታትን ኣብ ናይ ስራሕ ቦታታት ምትእኽኻባት ምእላይን ሓዊሱ፡ "ዝለዓለ ስጕምቲ" ክውሰድ ድማ ኣዚዙ።
እንተዀነ፡ እዚ ለበዳ፡ እታ ሃገር መሰረታዊ ቀረባት ከይተእቱ ብድሆ ከም ዝኸውን ይግለፅ ኣሎ።
ሰሜን ኮርያ ትማሊ ሓሙስ መልከፍቲ ኮቪድ ከምዘጋጠመ ብወግዒ ምግላፃ ስዒቡ፡ ጐረቤታ ደቡብ ኮርያ ሰብኣዊ ሓገዝ ከምትልግስ'ኳ እንተገለፀት፡ ፒዮንግያንግ ግን ዛጊድ ምላሽ ኣይሃበትሉን።





![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







